2013-04-27 14:55:21

ርክብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ማዳጋስካር ርእሰ ብኄር


RealAudioMP3 ትማሊ ንጐሆ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሓዋርያዊ ሕንጻ ብናይ ረፓብሊካዊት ማዳጋስካር ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ላዕለዎት ኣካላት ንዝተሰነዩ ርእሰ ብሔር ኣንድሪይ ኒሪና ራጆኤሊና ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ርእሰ ብሔር ኣንድሪይ ኒሪና ራጆኤሊና ድሕሪ ፍጻሜ ርክብ ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነን ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ዶሚኒክ ማምብርቲን ከምእተራኸቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዜናንን ክፍሊ ማሕተም ኣስዒቡ፣ ኣብ መንጐ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ.ን ርእሰ ብሔር ኣንድሪይ ኒሪና ራጆኤሊናን ኣብ ዝተኻየደ ርክብ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ረፓብሊካዊት ማዳጋስካርን ዘሎ ናይ ሓባር ርክብ ሰናይ ምዃኑን ብዛዕባ ኣብ ማዳጋስካር ዘሎ ፖለቲካውን ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ጉዳይ ብፍላይ ድማ ምርግጋእን ዴሞክራስን ንምርግጋጽን ናይታ ሃገር ኤኮኖሚ ንምምሕያሽን ከምኡ እውን ዓለም ለኻዊ ርክባት ማዳጋስካር ብዝበለጸ ንምምሕያሽ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ዘማኣከለ ዝርርብ ክመእተኻየደ ኣመልኪቱ።
ኣብ ፍጻሜ እቲ ርክብ ኣብ ረፓብሊካዊት ማዳጋስካር እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሃገራዊ ዘተ ንምትብባዕን ኣብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ሕንጸትን ተዋፊራ እትህቦ ኣገልግሎት ፍሉይን ዝነኣድን ምዃኑ ርእሰ ብሔር ኣንድሪይ ኒሪና ራጆኤሊና ንቕዱስ ኣቦና ከምዝመስከሩሎም ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተም ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.