2013-04-25 17:05:23

ክርስትያን ምዃን ማለት ንናይ መላእ ዓለም ሠናይ ነገር ዝሠርሕ እምበር አብ ገዛእ ርእሱ ተደሪቱ ዝተርፍ አይኮነን፣


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ አብ ዘቅረብዎ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ክርስትያን ዘበለ ኩሉ አብ ዓለምና ሠናይ ዘበለ ንክምዕብል ነቲ እግዚአብሔር ዝዓደሎ ጊዜን ክእለትን ክጥቀም ይግብኦ እንክብሉ፣
ትምህርቲ ቅዱስነቶም ንክሰምዑን ሐዋርያዊ ቡራኬኦም ንኽቅብለን ካብ ዝተፈላለዩ ኵርን ዓት ዓለም ዝተአከቡ ነጋድያንን ካብ ሮማን ከባቢኡን ዝመጹ ምእመናንን ልዕሊ 100 ሺሕ ከምዝነበረ ተመልኪቱ፣ ብዙሓት ካብዚኦም መንእሰያት ስለዝነበሩ ቅዱስነቶም ንመንእሰያት መዕበይ ልቢ ንዝኾኑ አብነታውያን ንዝኾኑ ዓበይቲ ዕላማታት ሒዞም ክጐዓዙ አዘኻኺሮም፣
አተሓሒዞም ቅዱስነቶም ክርስትያን ዘበለ ኩሉ ንቍሕ ናይ ተግባር ሰብ እኳ ደአ ናይ ግብረ ሠናይ ሰብ ብምዃኑ አብ መወዳእታ ዓለም ከአ መምዘኒ ናይ ገሃነመ እሳትን መንግሥተ ሰማይን ዝኾና እዘን ግብረ ሠናይ እዚአን ማለት ንዝጠመየ መግቢ ምሃብ ንዝጸምኤ ዝስተ ምቅራብ ንዝዓረቀ ምኽዳን ንሕሙም ምብጻሕ ንሕዙን ምጽንናዕ ንዝተአስረ ምብጻሕ ስለዝኾነ ንቅሓት የደሊ ምስ በሉ፣ አብቲ ቀንዲ ትምህርቲ ጸሎተ ሃይማኖት ምልስ ቢሎም ከአ ጐይታ ኢየሱስ ንዘለውን ንዝሞቱን ክፈርድ ዳግማይ ከምዝመጽ እ ንዝገልጽ ዓንቀጸ እምነት ዘርዚሮም፣ ነዚ ብዝበለጸ ንምግላጽ ቅዱስነቶም ሰለስተ ምሳሌታት ካብ ወንጌል ይጠቅሱ፣ እተን መብራህተን ሒዘን መር ዓዊ ዝጽበያ ዓሠርተ ደናግል ሓሙሽተ ዓያሹ ሓሙሽተ ለባማት፣ እዚ ትጽቢት እዚ እንታይ ከምዘመልክት ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣
“እንሕተቶ ነገር ንክንቅበሎ ክንሰናዶ ንክንረኽቦ ክንሰናዶ ኢዩ፤ ምስ ኢየሱስ ብጽቡቅ ንምርኻብ ማለት እንክኾን ትርጉሙ ከአ ምልክታት ህልውናኡ አብ ከባቢኻ ርኢኻ ምኽአል ኢዩ፤ ብጸሎት ብምሥጢራት ከማኡውን ከይንድቅስ ተጊህና ብምንባርን ንእግዚአብሔር ከረሳዕካን እምነትና ሕያው ገርና ምንባር የድሊ፤ ናይ ዝደቀሱ ክርስትያን ሕይወት ዘይሕጉስ ሕይወት ኢዩ፤ ክርስትያን ብሓጐስ ኢየሱስ ክሕጐስ አለዎ፣ ክንድቅስ የብልናን”፣ ምስ በሉ ከም ካል አይ ምሳሌ ዘቅረብዎ ከአ ምሳሌ ምክሊት ኢዩ.
“አብ ገዛእ ርእሱ ተዓጽዩ ዝተርፍን ከምቲ በዓል ሓደ መክሊት ዝተዋህቦ አብ ትሕቲ መሬት ዘይቀብርን ክርስትያን አይኮነን፤ በቲ ዝሃቦ ኩሉ ንእግዚአብሔር ዘይአምን ክርስትያን ኢዩ፤ እዚ ዝምህረና ነገር እንተሊዩ ናይ ጐይታ ዳግም ምምጻእ ምጽባይ ኩነት ኢዩ፤ ነቲ እግዚአብሔር ዝሃበና መክሊት ምፍራይ ንገዛእ ርእስና አይኮነን፤ ንቤተ ክርስትያን ኢዩ፤ ንካልኦት ኢዩ፤ አብ ዓለም ሠናይ ነገር ንኸማዕበለሉ ኢዩ ዝወሃበና፣ ስለዚ ንዝተዓደለና መክሊት መንፈሳዊ ሃብቲ ይኹን ንዋታዊ ይኹን ሥነ ፍለጠታዊ ውህበት ይኹን ንካል ኦት ንምርዳእ ክንጥቀመሉ አሎና፣ መክሊትኩም አብ ትሕቲ መሬት አይትቅበሩ፤” ድሕሪ ምባል ናብ ሳልሰይቲ ምሳሌ ሓሊፎም፤ ንሳ ከአ እታ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ምሳሌ ኢያ፣ እቶም ጥሙይ ዘብልዑ ጽᎀእ ዘስትዩን ኩሉ ሠናይ ዝገብሩን ዘይገብሩን ዘሎ ፍልልይ አብ ናይ ሎሚ ሕይወትና ከምዚ ክብሉ አገናዚቦሞ፣
“ሎሚ አብ ሰበኻ ሮማ ብዛዕባ ዘለው ስደኛታት እሓስብ አሎኹ! ነዞም ስደኛታት እንታይ ንግበሮም! እምነት ውህበት እግዚአብሔር ኢዩ! ኮይኑ እግዚአብሒር ነዚ ውህበት እዚ ጭቡጥ መልሲ የድሊ፣ ዝኸበርኩም አኅዋትን አኃትን እስኪ ብዛዕባ መወዳእታ ፍርዲ ንሕሰብ! አየፍራሃኩምንዶ! ዝበለጸ ሕይወት ክነብር ይሓተና አሎ! እግዚአብሔር ብምሕረትን ብትዕግሥትን ነዚ ጊዜ እዚ የወፍየና፤ ስለዚ ብጸሎትን ብትዕግሥትን ብፍቅርን ሠናይ ንምግባር ንተዓጠቅ” እንክብሉ ብሕልፊ ንመንእሰያት ሓደራ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.