2013-04-23 15:25:41

ቻይና፦ ርእደ መሬት


RealAudioMP3 ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ ኣብ ቻይና ሲቿን ከባቢ ዝተኸስተ ርእደ መሬት 188 ሰባት ንሞት ሓደጋ 21 ገና ሃለዋቶም ዘይተረኽበን 11 ሺሕ ድማ ንማህሰይቲ ሓደጋ ከምዘቃልዑ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ። ናይ ዝተጉድኡን ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞምን ብዝሒ ክብ ክብል ከምዝኽል እውን ይግመት እንክብል ገሊጹ።
ኣብቲ ብርእደ መሬት ዝተጠቕዔ ከባብ ናይታ ሃገር ናይ መጥፋእቲ ሓውን ሓደጋ ምክልኻን ወተሃዳራዊ ሓይሊ ተዋፊሩ ይዓዪ ከምዘሎን እቲ ኣብ ከባቢ ያንን ሉሻንን ማእከል መንቀሊኡ ዝኾነ ዝተኸስተ ርእደ መሬት ልዕሊ 1.300 ምልክታ ምንቅጥቃጥ ከምዘርአየን፣ ነቲ ዝተጎድኤ ከባቢ ዘድሊ ረድኤት ንምቅራብ ንዝግበር ጻዕሪ ንምስላጥ ኩሉ በቢ ዓቕሙ ይሳተፍ ከምዘሎን ናይታ ሃገር ሓይሊ ምክልኻል ብርእደ መሬት ጠንቂ ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ዝኾነ መገድታት ረድኤት ዝጸዓና ዓበይቲ መካይን ናብቲ ዝተጎድኤ ሕዝቢ ንምብጻሕ የሰናኽል ብምህላዉ ድማ መገዲ ንምጽራግ ብርቱዕ ነታጒ ይጥቀም ከምዘሎ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ዘስምዕዎ ጉባኤ ኣስተምሆር ጸሎት ንግስተ ሰማይ ነቲ ኣብ ቻይና ዝተኸስተ ርእደ መሬት ዘኪሮም ነቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም እግዚኣብሔር ኣብ መንግስቱ ክቕበሎምን ንቤተሰብ ሕዙናት ምጽንናዕ ተመንዮም፣ ኩሉ ነቲ ዝተጎድኤ ሕዝቢ ሰብኣውን ንዋታውን ደገፍ ክቐርብ ንማሕበረሰብ ዓለም ጻውዕዊት ከምዘቕረቡ ዝዝከር እዩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.