2013-04-23 15:16:22

ብፁዕ ካርዲናል ማርክስ፦ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ንቕዱስ ኣቦና ኣዚያ ብፍሉይ ዝቐረበት


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ሓንትን ቅድስትን ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ሓዋርያዊ ቤት ጽሕፈት ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ቅርጺ ንምሕዳስ ዘለዎም ድላይ መሰረት ኣብዚ መዳይ ውሳኔ ሕዳሴ ናይ ቀረባ ኣማኸርቲ ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ጉባኤ ከምዘቖሙ እንክዝከር፣ ካብቶም ብቕዱስ ኣቦና ዝተመዙ ናይዚ ብፁዓን ካርዲናላት ጉባኤ ኣባል ኣብ ጀርመን ናይ ሙዩኒክ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ራይንሃርድ ማርክስ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበዎ ቃለ ምልልስ፦ ብዛዕባ ድላይ ቅዱስ ኣቦና ሕዳሴ መዋቕር ቤተ ክርስቲያን ዘይተጸበይዎ ኣየነበርን ስለምታይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሕዳሴ ቤተ ክርስቲያን ካብተን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ክብገስ ዝብል ድላይ ዘለዎም ብምዃኑ ናይ ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ ሓዋርያዊ ምሕደራ ናይታ ኣብ ዝተፈላለየ ካባቢ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሕዳሴ እውን እዩ ምስእ’ቲ ኣብዚ ናይ ሕዳሴ መደብ ካብተን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተዋጽኡ ብፁዓን ካርዲናላትን ጳጳሳትን ከም ናይ መደብ ሕዳሴ ኣማኸርቲ ክኾኑዎም ምሕራዩ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኵላውነት ባህርይ ዘቃልሕን ዘሕይልን እዩ። ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንምሕራይ ቅድሚ ዝተኸያደ ዕጽው ቅዱስ ጉባኤ ኣብ ዝተፈጸመ ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ቅድመ ጉባኤ ካብ ዝዘተየሎም ነጥብታት ሓደ እቲ ሕዳሴ ላዕለዋይ ሓዋርያዊ ምሕዳራ ቤት ጽሕፈት ኩላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝብል እዩ። ስለዚህ እቲ ሕዳሴ ካብ ላዕለዋይ ሓዋርያዊ ምሕደራ ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ዝብገስን ዝፍጸምን ዘይኮነስ ካብታ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝብገስ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ድማ ናይ ቅዱስ ኣቦና እቲ ድላይ እዩ ኮንይኑ ግን ኣብ ሓጺር እዋን እቲ ነቲ ጉዳይ ሕዳሴ ዝዓዪ ጉባኤ ኣማኸርቲ ቅዱስነቶም ከቑም ዝብል ግምት ኣይነበረን ኢሎም።
እቶም ር.ሊ.ጳ. ዝሓረዩ ብፁዓን ካርዲናላት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓርዮም ነናብ ሰበኻኦም ተመሊሶም እዮም። ኮይኑ ግን መሪጾም ንዝሓረይዎም ር.ሊ.ጳ. ንበይኖም ሓዲጎምዎም ኣብ ሰበኻታቶም ሓዋርያዊ ሓላፍነቶም ክካይዱ ጥራሕ ትኽኽል ኣይኮነን፣ መርጽካ ምህዳም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣይዓይን እዩ። መሪጽናዮም ኢና ክንተሓባበሮም ድማ ሓዋርያዊ ግዴታናን ሓላፍነትናን ተኣዝዞናን እዩ። እቶም ንቕዱስ ኣቦና ኣብ መደብ ሕዳሴ ቤተ ክርስቲያን ብቐረባ ክተሓባበርዎም ቅዱስነቶም ዝሓረይዎም ብፁዓን ካርዲናላትን ብፁዓን ጳጳሳትን ኵላውነት ባህርይ ዘረጋግጹ እዮም። ካብ ሓንቲ ሃገር ዘይኮነ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኵላውነት ባህርይ ዘረጋግጹ ምዃኖም ድማ ብፁዕ ካርዲናል ማርክስ ሓቢሮም፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ድላይ ዘይኮኑ ናይ እግዚኣብሔር ድላይ እዮም። እዚ ምዃኑ ድማ በቢ መዓልቲ እዚኻ ትርድኦ። ቅዱስ ኣቦና ምስ ተመረጹ ምስ ሕዝበ እግዚኣብሔር ክላለዩን ቀጺሎም እውን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ብዘቕርብዎን ብዘቕርብዎ ዘለዉ ስልጣናዊ ኣስተምህሮን ምዕዳንን ስብከታትን ምልክታ ቅዱስ መንፈስ ምዃኖም ትኣምን። ከምዚ ምዃኑ ድማ መላእ ቤተ ክርስቲያን እተንጸባርቖ ሓቂ እዩ፣ እዚ ንዅላትና ዓቢይ ሓጎስን ተስፋን ውሕስነትን እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.