2013-04-23 15:19:08

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ናብ ኮስታ ሪካ ብሔራዊ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነ ፊርማ ዝተነብሮ መልእኽቲ ናብቲ ኣብ ኮስታ ሪካ ናብ ዝካየድ ዘሎ ብሔራዊ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ጸላዪ ሕይወት ዘነቓቕሕ ቅዱስ ቁርባን ናይ ህይወትካን ናይ ማሕበረ ክርስቲያን ህይወት ማእከል ምስ ዝኸውንን እዚ ድማ ምስጋናን ውዳሴን ናይ ውህበት ጸጋ ግብሪ ኮይኑ ወንጌላዊ ህይወትን ንቤተ ክርስቲያናዊ ውህደትን ኣሚቱ ዝፍጸም ኣገልግልጎት ዝሕድስ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፦ እቲ ቅዱስ ቁርባን ንሕዝበ እግዚኣብሔር ናይ ሕይወት እንጌራ” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ኣብ ኮስታ ሪካ ዝካይድ ዘሎ ብሔራዊ ናይ ቅዱስ ቁርባን ጉባኤ፣ “እቲ ኩሉ ጸጋ ጥምቀት ዝተቐበለ መንፈሳዊ ሓይልታት ከረክብ መታን ናብ ቅዱስ ቁርባን ክበጽሕን ቅዱስ ቁርባን ክቕበልን” ዝተጸውዔ ምዃኑ ዘቃልሕ እዩ። ስለዚህ ድላይ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘጉልሕ ቅኑዕን ዝተዓርቀን ማሕበረሰብ ንምህናጽ ቅዱስ ቁርባን ዘለዎ ማእከላዊ ግደ ዘመልክት እዩ። ሕይወት ክርስቲያን ብዘይ ቅዱስ ቍርባን ጐደሎ እዩ። ስለዚህ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መጋብያንን ምእመናንን ንናይ ኵሎም መላእኽቲ ንግስቲ ዝኾነት ኣኖ ማሪያም ኣምዕቍይቦም ኣብ ቅዱስ ቁርባን ዝተማእከለ ሕይወት ክንበር ኣተሓሳሲቦም ሓዋርያዊ ቡራኬ ከምዘመሓላለፉ ገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.