2013-04-20 15:28:19

ብፁዕ ካርዲናል ቨሊዮ፦ ኣብ ዝተገማምዔ ዓለም መሰኻኽር ሕውነት


RealAudioMP3 ናይ ስደተይናታትን ተጓዓዝትን ሓዋርያዊ ሕልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኣንቶኒዮ ማሪያ ቨሊዮ ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ናይ ስነ ትርኢት ከያንያንን ስነ ጥበበይናታትን ምኽንያት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ብፁዕ ካርዲናል ኣንቶኒዮ ማርያ ቨሊዮ ንናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ስነ ትርኢት ከያንናይን ስነ ጥበበይናታት ፈደራላዊ ማሕበር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ቅድሚ ኣርባዕተ ወርሒ ኣቢሉ ታሕሳስ 2012 ዓ.ም. ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናይዚ ዓይነት ምርኢት ስነ ጥበበይናታት ተቐቢሎም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ናይ ስነ ትርኢት ጥበብ ናይ ሕውነትን ምትሕብባርን ክብሪ ዝምስክር እዩ ዝበልዎ ሓሳብ ጠቒሶም፣ እቶም ተጓዓዝቲ ስነ ጥበበይነታት ኣብ ዓለምን ሕብረተሰብን ግቡእ ቦታኦም ረኺቦም ነቲ ናይ ስነ ጥበብ ሃብቶም ከካፍሉን ኣብ ስነ ጥበብ ዘሎ ክብሪ ክምስክሩ ዝተጸውዑ ከምዝኾኑን ቤተ ክርስትያን ንስደተይናታትን ተጓዓዝትን ሓዋርያዊ ሓሊዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቢላ እትሕንጽጾ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣብ ሰብኣዊ ክብሪ ዘማእከለን ስነ ጥበብ ዘለዎ ክብሪ ከይዝንጋዕ ተተሓሳስብ ክምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ብፁዕነቶም እቶም ተጓዓዝቲ ስነ ጥበበይናታት ምርኢታቶም ኣብቲ ውግእን ሁከትን ግጭት ዝረኣይሉ ከባቢ እውን ብምኻድ ከቕርብዎን፣ ብዘቕርብዎ ስነ ጥበባዊ ምርኢት ኣቢሎም ሰላምን ሕይወትን ምክብባርን ምቅርራብን ክምስክሩ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሓደራ ከምዝበሉን፣ ንዝሳቐዩን ብዝተፈላለየ ጸገም ንዝተጠቕዑ ክፍሊ ሕብረተሰብ ቀሪቦም በቲ ናይ ስነ ጥበብ ሞያኦም ኣቢሎም ሓጎስ ከስፍሑ ከምዘተባብዑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.