2013-04-19 09:48:33

ሰንበት ዘኒቀዲሞስ 2005 ዓ.ም. ሚያዝያ 13 2005 ዓ.ም. (21 April 2013)


“ካልአይ ጊዜ ክንውለድ ይግብአና”
መዝሙር ሖረ ኀቤሁ ዘስሙ ኒቆዲሞስ ወይቤሎ ለኢየሱስ. . . . . . . . ።
“ኒቆዲሞስ ዝስሙ ናብ ኢየሱስ ከደ ረቢ ሊቅ ንስኻ መምህር ኮንካ ካብ አምላኽ ከም ዝመጻእካ ንሕና ብአኻ ንአምን ኢና ከም ወዲ አምበሳ በጥ ኢልካ ደቂስካ ብትንሣኤኻ አተንስአኒ”።
ንባባት ሮሜ 71~14፥ 1ዮሓ 41~10፥ ግ.ሓ.534~ፍ፥ ዮሓ 31~ 21
ምስባክ ሐወጽከኒ ሌሊተ ወፈተንኮ ለልብየ፥ አመ ከርከኒ ወኢተረክበ ዓመጻ በላዕሌየ፥ ከመ ኢይንብብ አፉየ ግብረ እጓለ እመ ሕያው። “ንልበይ ተዓዘብካዮ ብለይቲ በጻሕካዮ፥ መርሚርካንስ ገለ ክፉእ አይረኸብካን፥ ብአፈይ ከም ካልኦት ሰባት ክፉእ አይዛረብን እየ” መዝ. 17፡3።
ዘሎናዮ ጊዜ እዋን ተሓድሶን ንስሓን እዩ። ምስ ዓበኻ ካልአይ ጊዜ ከመይ ገርካ ክትውለድ ይክአል ዝብል ሕቶ ኒቆዲሞስ ዝተባህለ ምሁር እስራኤላዊ ዘቕረቦ ሕቶ እዩ። ቅድሚ አብ ትንታኔ ምእታውና መን እዩ ኒቆዲሞስ? ኒቆዲሞስ ሓደ ካብ ፈሪሳውያን መራሕን መምህርን አባል ባይቶ አይሁድ እዩ ነሩ። ነቲ ክርስቶስ ዝገብሮ ዝነበረ ብቐረባ ዝከታተል ዝነበረ ንሓቂ ክፈልጥ ዝደሊ ዝነበረ እዩ። አብ ወንጌል ዮሓንስ ሰለስተ ጊዜ ተጠቒሱ ንረኽቦ፥ 1. አብ ምዕ 3 ሎሚ ዝተነበ። 2. አብ ዮሓ 7፡50~51 ”ሓደ ኻብቶም እቲ ቕድም ብለይቲ ናብ ኢየሱስ መጺኡ ዝነበረ ኖቆዲሞስ፥ ሕግናኸ ንሰብ ቅድም ከይሰምዖን እቲ ዝገበሮ ኸይፈልጠንዶ ይፈርዶ እዩ በሎም” ብዛዕብኡ ንርኢ። 3. አብ ዮሓ 19፡39~42 ዘሎ ኸአ ኢየሱስ ምስ ሞቶ ንሬሳ ምስ ዮሴፍ ብዓል አርማትያስ ኮይኑ ካብ ጲላጦስ ፍቓድ ሓቲቱ ከም ዝቐበረ ወንጌል ይነግረና። ድሕሪዚ ብዛዕብኡ ብዙሕ ዝዛረብ አይንረክብን አብ ቀዳሞት ዘመናት ክርስትና ብሰማዕትነት ከም ዝሞተ እሞ ብስሙ ቤተ ክርስትያናት ከም ዝተሰርሐ ይንገር። አብ ምስራቕ ሓደ ካብቶም ቅዱሳን ይቝጸር።
ናይ ሎሚ ወንጌል ኒቆዲሞስ ብለይቲ ናብ ኢየሱስ ከም ዝመጸ ይነግረና። ለይቲ ምልክቲ ዋሕዲ እምነት እዩ። ብርሃን እምነት ዝጎደሎ አብ ጸልማት እዩ ዝነብር። ብኻልእ ከአ ምልክት ፍርሓት እዩ። ዝፈርሕ ከይርአ ብጸልማት ክፉእ ግብሪ ይገብር። ጸልማት ተጎልቢቡ ዝኸይድ ናይ ድሓን አይኮነን። ናይ ኒቆዲሞስ ጉዳይ ግን ብርሃን እምነት ክረክብ ኢሉ እዩ።
ዕላል ምስ ኢየሱስ፡
ኒቆዲሞስ ንኢየሱስ ንበይኑ አብ ጽምዋ ካልኦት ዕላሉ ከይርብሽዎን ዝአክል ጊዜ ክረክብ ኢሉ መጺእዎ። ተባዕን ቍምነገር ዘልኦ ርክብ ክገብር። ንኢየሱስ አብ መንጎ ብዙሕ ነገር ተዋሒጥና እንከሎና ክንረኽቦ ክነዕልሎ ክንዛረቦ ከምኡ ዝብለና ክንሰምዖ ቀሊል አይኮነን አብ ጽምው ቦታ ንበይንና ክንዕልሎ እንተ ኸአልና እንኸዶ ጉዕዞን ክንገብሮ ዝግብአናን ክነግረና እዩ። ኒቆዲሞስ ንኢየሱስ በቲ ዝገብሮ ዝነበረ ብማዕዶ ዝረአዮን ዝሰምዖን ተደሪኹ እዩ ክሓቶን ክፈልጥን መጺኡ። ንሱ በቲ ግዚኡ ዝነበረ ፍልጠት ዝለዓለ ፍልጠት ነርዎ እዩ እንተኾነ ዕጉብ አይነበረን። ንምንጪ ፍልጠት ባዕሉ ክሓትት አብ ቅድሚኡ ኮይኑ ሕቶታቱ አቕሪቡ። “እዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ አምልኽ ምስኡ ዘሎ ጥራሕ እዩ ዝገብሮ” እናበለ መጀመርያ እምነቱ ገሊጹ። አምላኽ ምሳና ከምዘሎ ክነርኢ እንተ ኸአልና ሰባት አብ አምላኽ ክምለሱ ቀሊል እዩ። ግብርና ዘረባና ሕይወትና ኩሉ ናይ አምላኽ ነገርዶ የርኢ ወይስ ናተይ ግብሪ? አነ በቲ ዝገብሮ ዝብሎ ካልኦት አምላኽ ከምዝርእዩ ድየ ዝገብር ወይስ ካልእ መገዲ እየ ዝሕብር ኢልና በበቲ ዘሎና ሕይወት ንርእስና ክንሓትት ይግብአና።
መንግስቲ አምላኽ ክንርኢ ከምብሓዲሽ ክንውለድ አሎና፡
ነቆዲሞስ እምነቱን ትዕዝብቱን ምስ ገለጸ “እዚ ጀሚርካዮ ዘሎኻ ጉዕዞ እምነት ብምልኡ ክትቅበሎ ከምብሓዲስ ክትውለድ አሎኻ” ተባሂሉ። አብ ቋንቋ ኢየሱስ ከምብሓዲስ ምውላድ ክብሃል እንከሎ አብ ኢየሱስ አሚንካ ሓዲስ ጉዕዞ ሕይወት ምኽታል እዩ ዘስምዕ። ከምብሓዲስ ክንውለድ ክንሓልፎ ዝግብአና አሎ። ኢየሱስ ንኒቆዲሞስ ከረድኦ ኢሉ “ሰብ ካብ ማይን ካብ መንፈስ ቅዱስን እንተ ዘይተወልደ ናብ መንግስቲ አምላኽ ኪአቱ ዝኽእል ከቶ የልቦን” እናበለ ገሊጽሉ። ጥምቀትን እምነትን ንሰብ ከምብሓዲስ ከም ዝውለድ ይገብሮ። አብ ጥምቀትና ከምብሓዲስ ንውለድ መንፈስ ቅዱስ አባና ሓዲሩ ሓደስቲ ፍጥረት ንኸውን። ምስጢራት ኩሎም ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዘውህቡና ሓደስቲ ፍጥረት ይገብሩና። ኢየሱስ እምብአር ንኒቆዲሞስ አብኡ ዝአመነ ከምብሓዲስ ከምዝተወልደ እዩ ገሊጽሉ።
ጊዜ ጾም አርብዓ ብኃጢአትና ተነሲሕና ከምብሓዲስ ሓደስቲ ፍጥረት ክንከውን ዝሕግዘና ጊዜ እዩ። ብኃጢአቱ ዘይተነስሐ ተሓድሶ መንፈስ ክለብስ አይክእልን እዩ። ምስ ኢየሱስ ከነዕልል ክሰምዓና ክንሰምዖ እንተ ኾና አብኡ ክንአምን ክንሳሕ አሎና።
ኒቆዲሞስ ጽምአት ሓቂ ስለ ዝነበሮ ክበርሃሉ ደጋጊሙ ኢዩ ንኢየሱስ ሓቲቱ። ኢየሱስ ትምህርቱ ብምቕጻል ነቲ አብ ዘኁልቅ 21፡9 ጠቒሱ “ከምቲ ሙሴ አብ በረኻ ንተመን ዝሰቐሎ ወዲ ሰብ ድማ ኸምኡ ኺስቀል እዩ” በሎ። እሳራኤላውያን ብተመን ምስተነኽሱ አብቲ አብ ባላ ዝተሰቕለ ናይ አስራዚ ተመን ዝረአዩ ይሓውዩ ከም ዝነበሩ ኩሉ ክድሕን ዝደሊ አብ ስቕለትን ሞትን ትንሣኤን ክርስቶስ ክአምን አለዎ እናበለ አነጺሩ ነጊርዎ። አብ ጥበበ ሰሎሞን 16፡6 “እዚ መከራ እዚ መጠንቀቕታ ምእንቲ ኪኸውን ንቑሩብ እዋን ጥራይ ጸንሐ ብድኅሪኡ ንትእዛዝ ሕግኻ ምእንቲ ከዘክሮም ምልክት ምድኃን ተመን አስራዚ ሃብካዮም” እናበለ ስቕለት ናይ ኩሉ ማእከል ከም ዝኾነ ይገልጽ። ኒቆዲሞስ ናይ እዚ ትምህርቲ አፍልጦ ስለ ዝነበሮ ክርድኦ ይኽእል እዩ።
አብ ኢየሱስ ምእማን ካልእ አማራጺ የብሉን፡
ፍቕሪ አምላኽ ብኢየሱስ ተገሊጹና። አብዚ መግለጺ ፍቕሪ አምላኽ ዝኾነ ኢየሱስ ዘይአምን አብ ጸልማት አብ ሞት እዩ ዝነብር ስለዚ አባይ እመን ዝብል ዕድመ ንኒቆዲሞስ ቀሪብዎ። ምስ ኢየሱስ ዘዕልል አብ መጨረሽታ አብኡ ክአምን እዩ ዝዕደም። ነታ ሳምራዊት ሰበይቲ ድሕሪ ብዙሕ ዕላልን ትምህርትን አብ መጨረሽታ አብኡ ክትአምን እዩ ነጊርዋ። ኒቆዲሞስ እውን በዚ ጉዕዞ እዩ ሓሊፉ። ንዕድመ ኢየሱስ ዝነጽግ አብ ጸልማት እዩ ዝነብር። “ብርሃን ናብ ዓለም መጸ ደቂ ሰብ ግና ግብሮም ክፉእ ስለ ዝኾነ ካብ ብርሃን ጸልማት ፈተዉ” እናበለ ናይ ደቂ ሰብ ትሪ ልቦም ገሊጽሉ። ኒቆዲሞስ አብ ብርሃን ክርስቶስ አትዩ እንታይነት ክርስቶስ ተቐቢሉ። ሕይወትና ብዘይ አምላኽ ክነብሮ ከሎና አብ ጸልማት አብ ዘይዕሩፍ ሕይወት ኢና እነንብሮ። እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ጊዜ እምብአር አብ ብርሃን ክርስቶስ ክንአቱ ክሕግዘና ኢላ ቤተ ክርስትያን ተዓወቱ ደቂ ብርሃን ኩኑ ትብለና አላ።
ሕይወት ኒቆዲሞስ ሕይወትና ንግበር፡

ሓደ እዋን ሓንቲ ቅድስቲ ንአምላኽ አብ መንጎ መንግስተ ሰማይን ገሃነመ እሳትን ዘሎ ፍልልይ አርእየኒ ኢላ ጸልያ ይብሃል። እግዚአብሔር ልመናአ ተቐቢሉ መልአኽ ልኢኹ መጀመርያ አብ ገሃነመ እሳት ወሲድዋ። አብኡ ብዙሓት አሰብኡትን አንስትን አብ ሓደ ነውሕ ጣውላ ብዙሕ በብዓይነቱ ዝኾነ መግቢ ዝተሰርዖ ተቐሚጦም ረአየት ሓደ ካብኦም ግን ዝበልዕ አይነበረን። ኩሎም ጉሁያትን የባህቝዉ ነሮም። ካብኦም ንሓደ ስለምንታይ ዘይትበልዑ ድአ ኢላ ሓቲታቶ። ኢዱ አርእይዋ። ነውሕ ማንካ 4ft ዝኸውን ምስ ኢዶም ተኣሲሩ ክበልዑ አብ ዝፈተናሉ እቲ መግቢ አብ ምድሪ ከምዝቀድቕ ነጊርዋ። ክንደይ ዘሕዝን እዩ እናበለት ጉህያ። ካብኡ እቲ መልአኽ አብ መንግስተ ሰማይ ወሲድዋ አብኡ እውን ልክዕ ከምቲ አብ ገሃነመ እሳት ዝረአየቶ ሓደ ዓይነት መግቢ አብ ነውሕ ጣውላ አሰብኡትን አንስትን ብክልቲኡ ወገን ተቐሚጦም በብዓይነቱ ምግቢ ተቐሪቡ አብ ኢዶም 4ft ዝምንውሑ ማንካ አብ ኢዶም ተአሲሩ ርእያ። ከምቶም አብ ገሃነም እሳት ዝረአየቶም ዘይኮነ አብዚ ኩሎም ሕጉሳትን ዝስሕቝን ርእያቶም። ከመይ ኢልኩም ትስሕቑን ሕጉሳትን አሎኹም አብ ከምዚ ኩነታት እንከለኹም ኢላ ንሓደ ካብኦም ሓቲታቶ። ርአዪ እናበለ ሓደ ካብኦም ነነድሕድና ንመጋገብ እናበለ አርእይዋ ይብሃል። ንሕና ሎሚ አብ መንጎና አብ መንጎ ስድራና ጎረባብትና አብ ቤተ ክርስትያና አብ ዓለምና ከምኡ ክንብል ንኽእልዶ? ነዚ ንገብሮ እንተ ኾና ካብ መንግስቲ አምላኽ ርሑቓት አይኮናን።
ሎሚ በዚ ብሩኽ ሰንበት ቤተ ክርስትያን ንአምላኽና ክንረኽቦ ኃጢአትና ተአሚና ክንዕረቖ ጸግኡን በረኸቱን ክንቅበል ትነግረና አላ። ደቀይ ስምዑኒ ከም ኒቆዲሞስ ተዓወቱ አምላኽ ሕሹኽ ክብለኩም አብ ቤቱ አብ ደቁ አብ ኩሉ ድለይዎ ትብለና አላ። ምስ አምላኽ ክንራኽብ እዋኑ እዩ። ንኹሉ ንአምላኽ ከይንረክብ ከይንሰምዕ ከልኪሉና ዘሎ ሎሚ ንስዓሮ እሞ አብ ብርሃን ክርስቶስ አቲና ብጌጋና ተአሚና ከምብሓዲስ ንወለድ።
ፍቕሪ ዝመለለይኻ አምላኸይ ብኽፍአተይ ከይሓፈርኩ ደፊረ ክቐርበካ ጸጋኻ ሃበኒ ክሕደስ ክልወጥ ትብዓት ጸጋ ሃበኒ እናበልና ነዚ ናይ ፍቕሪ ዝዓበየ መግልጺ ዝኾነ መስዋዕቲ ቅዳሴ በዚ መንፈስ ነዕርጎ ።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ







All the contents on this site are copyrighted ©.