2013-04-18 17:34:20

ኢየሱስ ካብ ክፉእ ዝከላኸለልናን በይንና ዘይሓድገናን ጠበቃ ኢዩ፣


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ አብ ቅር ዓት ቅዱስ ጴጥሮስ አብ ዘቅረብዎ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ “ሕይወት ክርስትና ናይ ጸሎትን ተግባርን ፍረ ኢዩ፤ እዚ ከአ ኢየሱስ ክርስቶስ ወትሩ ምሳና ከምዘሎ ብምትእምማንን ካብ መጥቃዕቲ ክፋእ ከምዝከላኸለልና ብም እማንን ክኸውን አለዎ፣” ንልዕሊ ሰማንያ ሺሕ ዝኾኑ ነጋድያንን ምእመናንን ተላብዮም፣
ቅዱስነቶም አተሓሒዞም ፍቅሪ እግዚአብሔር ምሕረቱን ንምግላጽ “እግዚአብሔር ፍቅሪ ኢዩ፤ ስለዝኾነ ከአ መሓሪ ወዲሰብ እምንበር ፈራዲ ወዲሰብ አይኮነን፤ ማዕረ ማዕረኡ ከአ ወዱ ጐ.ኢ.ክ ከሳሲ ወዲሰብ ዘይኮነስ ንወዲ ሰብ ካብ ክፉእ ዘበለ ኩሉ ወትሩ ዝከላኸለሉ ጠበቃ ኢዩ፣” ብማለት ከምዚ ዓይነት ጠበቃ ክህልወካ ክንደይ ጥዑምን ዘጸናን ን ከምዝኾነ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣
“ነዙይ ክትሰምዕ ክንደይ ደስ ይብል! አይመስለኩምንዶ? ሓደ ሰብ ተኸሲሱ አብ ቅድሚ ዳኛ ክቀርብ ከሎ ቅድሚ ኩሉ ሃሰው ዝብሎ ዝከላኸለሉ ጠበቃ ኢዩ፣ ንሕና ሓደ ጠበቃ አሎና፤ እዚ ጠበቃ እዚ ከአ ወትሩ ምስ ተከላኸለልና ኢዩ፣ ካብ ናይ ዲያብሎስ መጻወድያ ይከላኸለልና፣ ካብ ገዛእ ርእስናን ሓጢአትናን ከይተርረፈ እውን ይከላኸለልና፣ ዝተፈቶኹም አሕዋትን አሓትን እዚ ጠበቃ እዚ ስለዘሎና ናባኡ ከድና ምሕረትን ቡራኬን ይቅረታን ክንሓቶ ክንፈርሕ የብልናን፣ ንሱ ወትሩ ምስ መሓረ ኢዩ፤ ጠበቃ ኢዩ፤ ወትሩ ይከላኸለልና፤ ነዙይ አይንረስዕ” እንክብሉ ምስ አስተምሃሩ እዚ ኩሉ ከአ ትሩፋት ናይ ጐ.ኢ.ክ ዕርገት ከምዚኾነ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣
“ንሱ አብ ጫፍ እምባ ከምዝተሸኽለ ጽኑዕ ሽኻል ኮይኑ ገመድ አባኡ አሲርካ ንላዕሊ ገጽካ እተንፋሕዀሉ ኢዩ፣ ምንፍሓዅ ናትና በይኑ ዘይኮነ ንሱ ከአ እናሰሓበ ናብ እግዚአብሔር የቅርበና፣ ሕይወትና አብ ኢድ እንተገደፍናያን ብአኡ ክንምራሕ አባኡ እንተተአማመንናን አብ እሙን አ እዳው መድሓኒናን ጠበቃናን ከምዘሎና እንተአሚንና ክሕግዘና ኢዩ፣ እንክብሉ ናባኡ ክንም ዕቈብን ብአኡ ክንተአማመንን አዘኻኺሮም፣
“ንሕና እውን አብ ዕለታዊ ሕይወትና ነቲ ናይ ምሥጢረ ዕርገት ሓቅነትን ትሩፋትን ንጹር ፍልጠትን እምነትን ክህልወና የድሊ፤ አብ ክብሪ እግዚአብሔር ንምእታው አቀዲምካ ፍቃዱ ምፍጻም ወላውን መስዋዕትነት ዚሓትት እንተኾነ ከማኡ እውን መደባትና ክንⷅይር እውን ዚሓትት እንተኾነ ፍቃድ እግዚአብሒር ምፍጻም የድሊ፣ ነቲ ክርስቶስ ንሰማይ ክዓርግ እንከሎ ንሓዋርያት እናባረኾም ዝተሰናበቶም እሞ ከአ ንሶም ብዓቢ ሓጐስ ናብ ኢየሩሳሌም ዝተምልሰሉ የዘኻኽረና፣ ከም ልማድ ሓደ እተፈተዎ ሰብ ክፍለየካ እነከሎ ምናዳ ከአ ተመሊስካ ክትረኽቦ አብ ዘይከአል ከም ሞት መሳሊ የሕዝን ኢዩ፤ ሓዋርያት ግን እናተሓጐሱ ተመሊሶም፣ እዚ ከአ ዝረኸብዎ ርግጽነት አለዎም ማለት ኢዩ፣
“ዝኸበርኩም አሕዋተይን አኃተይን ዕርገት ክርስቶስ ናይ ኢየሱስ አብ ማእከልና ዘምህላው አየመልክትን ኢዩ እኳ ደአ ብአንጻሩ ሕያው ከምዝኾነን ብሓዲስ መልክዕ አብ መንጎና ከምዝሎን የምልክት፣ ስለዚ ከምቲ ቀዳሜ ሰማዕት ቅዱስ እስጢፋኖስ ሰማያት ተኸፊቱ ዝረአየን አብ የማን ዝተቀመጠ ኢየሱስን ግርማዊነቱን እናስተንተነ ኃይልን ምጽንናዕን ረኺቡ ንጽዋዕ ሰማዕትነት ብትብዓት ዝተቀበለ ንሕና እውን ነዚ እናስተንተና ዕለት ዕለት ንቃል ወንጌሉ ክንምስክርን ክንሰብኽን ካባኡ ኃይሊ ክንረክብ ኢና፣ እናስተንተንካን እናሰራሕካን ወይ ከአ ከምቲ ሕጊ አቡነ ብሩኽ ዝብሎ ጸሎትን ሥራሕና አብ ዕለታዊ ሕይወት ክርስትናና ክል ቲኦም አድለይቲ ኢዮም፣ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዚሞም ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ብምምስጋን ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.