2013-04-16 15:51:54

ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ኡርባኒያኑም


ኣብ ጳጳሳዊ ኡርባኒያኑም መንበረ ጥበብ፦ “ኣብ ምስማዕ ንእስያ፤ ንናይ እምነትን ሕብረተሰብን መገዲ ኣብ መንጐ ባህልን እዋናውነትን” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ዘማእከለ ዓውደ መጽናዕቲ ናይ ኡርባኒያኑም ዋና ኣመሓዳርን ንናይ ኣሕዛብ ኣስፍሆተ ወንጌል ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብፁዕ ክርዲናል ፈርናንዶ ፊሎኒ ብዘስምዕዎ ዘረባ ትማሊ ዕለት 16 ሚያዝያ 2013 ዓ.ም. ከምእተከፍተ ክምልከት እንከሎ፣ እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዕለት 27 ጥሪ 2012 ዓ.ም. ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፦ “ኣብ እዋናዊ ዓለም እግዚኣብሔር ህልው ክኸውንን ንደቂ ሰባት ናብ እምነት ክኣትዉ ገዛእ ርእሶም ንእምነት ክፉታት ክኾኑን” ዝበልዎ ሓሳብ ኣማእኪሉ ኣብዚ ናይ እምነት ዓመት ዝካየድ ክኸውን እንከሎ፣ እዚ ሎሚ ዕለት 17 ሚያዝያ 2013 ዓ.ም. ኣብ ዝተዛዘመ ዓውደ መጽናዕቲ ብፁዕነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ንዕስራ ዓመታት ኣብ ኣገልግሎት ቅዱስቲ መንበር ተዋፊሮም ኣብ እስያ ዘሕለፍዎ ዓመታትን ኣብቲ ክፍሊ ዓለም ምስ ዝተፈላለዩ ናይ እስያ ሃይማኖታት ንኽላለዩ ዕድል ከምዝፈጠረሎም ዘኪሮም፣ ኣብ እስያ ስብከተ ወንጌል ከምቲ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ሕንጸትን ኣባይቲ ትምህርትን ኣባይቲ ሕክምናን ካልኦት ናይ ስነ ፍልጠት ተቛማት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝሟገታ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስቲያን ማኅበራት ኣብ ዘርእዮ ውጽኢት ዘይበጽሔን፣ ሕዝቢ እስያ ንኣስፍሆተ ወንጌል ሒደት መልሲ ከምዝሃበሉን ኣብቲ ከባቢ ቤተ ክስቲያን ተሰማዕነትን ክብሪ ኣልዋ ዶ ዝብል ሕቶ እውን ኣቕሪቦም፣ እዚ ዝቐረበ ሕቶ ንምትንታንን ህዉኽ መልሲ ንምሃብ ዘይኮነ እንታይ ደኣ ኣብቲ ከባቢ ዝፍጸም ሜላ ኣስፍትሆተ ወንጌል ንምሕዳስ ዝግበር ጻዕሪ ንምትብባዕ እዩ ቢሎም ብፁዕ ካርዲናል ፊሎኒ ኣስዒቦም፣ ናብ እስያ ቅድም ብባሕሪ ሎሚ ድማ ብነፈርቲ ዝብጻሕ ኮይኑ ርሑቕ ቀረባ እናኾነ ኣብ ዝኸደሎ ዘሎ ዓለም ዝቐረብ ኣስፍሆተ ወንጌል ቅድም ቀዳድም ነቲ እቲ ኣስፍሆተ ወንጌል ንምቕራብ ዝሕሰበሉ ከባብን ሕዝብን ብዕምቆት ባህሉን ቋንቋኡን ኩሉ ብዕምቆት ምጽናዕን ምፍላጥን ከምዘድልን፣ ነዚ ዝፈጸሙ ብዙሓት ልኡካነ ወንጌል ኣብ እስያ ከምዝርከቡን ኣብዚ ናይ እምነት ዓመት ኣብ እስያ ብዛዕባ ዝንበር እምነትን ናብ እምነት ዘብጽሕ መገዲ ንምልላይ ሕብረተሰብን ሃይማኖታትን ብዝብል ጠመተ ኣምሪሕካ ምጉዕዝ የድሊ። ባህልን እዋናውነትን ብቐረባ ፈሊጥካ ኣስፍሆተ ወንጌል ብቓልን ሕይወትን ምቕራብ ወሳኒ እዩ። ናይዚ ኣብነት ድማ እቶም ኣብ እስያ ናይ ደም ሰማዕትነት ዝኸፈሉ ደቂ ቤተ ክርስቲያን እያቶም ከምዝበሉ ተገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.