2013-04-16 18:23:23

አብ ቤተ ክርስትያን ብዙሓት ናይ ሓሜት ሰማዕታት አለው፤ እዚ ከአ ሥራሕ ሰይጣን ኢዩ፣


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ አብ ቤት ጸሎት መቀበል አጋይሽ ቅድስት ማርታ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ አብ ዘስምዕዎ ስብከት “ሓሜት ነቲ እግዚብሔር አብ ደቂ ሰባት ዝገብሮ ሠናይ ተግባር የዕኑ” እንክብሉ ም እንቲ እቶም ግዳይ ናይዚ ሕሜታን ስም ምኽፋእን ኮይኖም ብሓሶት ዝኽሰሱ ዝስደዱን ብጽልኢ ሃይማኖት ክሳብ ሞት እውን ዝበጽሑ ክንጽሊ ሓደራ ቢሎም፣
እዚ ጉዳይዚ አብ ቤተ ክርስትያን ሓዲስ ከምዘይኮነን ቤተ ክርስትያን አብ ትምስረተሉ ዝነበረ ዘመን እቲ ቀዳማይ ሰማዕት ቅዱስ እስጢፋኖስ ብኩሉ ሙሉ መንፈስ ዝመልኦ ቅኑዕ ምዃኑ ምስ ረአዩ ነቲ ሥራሑን ንቤተ ክርስትያንን ንምዕናው ተንስ ኡ፤ አብ ግ.ሐ እነተተመልከትና “ብዙኃት ተጻይ እስጢፋኖስ ተንስኡ ይከራኸርዎ ኸኣ ነበሩ። ነቲ ዚዛረበሉ ዝነበረ ጥበብን መንፈስን ግና ኪማጐትዎ ኣይተኻእሎምን። ሽዑ ኸኣ፡ ንሕና ኣብ ሙሴን ኣብ ኣምላኽን ቃል ጸርፊ ኺዛረብ ከሎ ሰሚዕናዮ፡ ዚብሉ ሰባት ሐበሉ። ንህዝብን ንዓበይትን ንጻሐፍትን ኣነዐቡ፡ መጺኦም ከኣ መንዚዖም ናብ ዋዕላ ወሰድዎ እሞ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ፡ ኢየሱስ፡ እቲ ብዓል ናዝሬት፡ ነዛ ስፍራ እዚኣ ኼፍርሳ፡ ነቲ ሙሴ ዝሀበና ስርዓት ከኣ ኪልውጦ እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰሚዕናዮ ኣሎና እሞ፡ ነዛ ቅድስቲ ስፍራ እዚኣን ንሕግን ቃላት ጸርፊ ኻብ ምዝራብ ከቶ ኣይዐርፍን እዩ፡ ዚብል ምስክር ሓሶት ኣተንስኡሉ።” ዝብል ነንብብ፣
በዚ ከአ ቅ.እስጢፋኖስ ናይ ሓሜት አደራዕ ዝተሰከመ ምዃኑ ንርኢ፣ ነዚ ሕሱም ሕማም ቅዱስነቶም ዝኸፍአ ሓጢአት ምዃኑን ናይ ሰይጣን ቀጥታዊ ሥራሕ ምዃኑን ይገልጹ፣ ነዚ ንምርዳእ እዚ አብ ላዕሊ ዘንበብናዮ ናይ ግብረ ሐዋርያት ክፍሊ ከምዘብርሆን ናይ ሓሶት መሰኻኽር ንጊዜኡ ብሓሜትን ምትላልን ነቲ ግዕዙይ መንገዲ ቃልሲ ከምዝኽተሉ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣
“ንሕና ኩልና ሓጢአተኛታት ኢና፤ ኩልና ሓጢእና ኢና፣ እዞ ሓጢአት እዚ ዓቢ ሓጢአት ኢዩ፤ ካባኡ ዝኸፍእ ግን አሎ፤ ሕሜታን ስም ምጥፋእን ል ዕሊ ኩሉ ክገብሮ ዚደልዮ ነገር ንተግባር እግዚአብሔር ምድምሳስ ኢዩ፤ ሕሜታ ካብ ሓደ ሕማቅ ነገር ኢይ ዚውለድ እዚ ሕማቅ ነገርዚኸአ ጽል ኢ ኢዩ፤ ዳርጋ ከምቲ ብባህልና ጸላኢ ጸሎሎ ቀባኢ እንብሎ ዚዓይነቱ ምዃኑ ኢዩ፣ ጽል ኢ ዝዘር እ ከአ ሰይጣን ኢዩ፣ በዚ ከአ ነቲ እግዚአብሔር አብ ደቂ ሰባት ዝገብሮ ጽቡቅ ነገር ይድምሥ ብሕልፊ አብ ነፍሳት፤ ሕሜታ ንቅድሚት ንኽግስግስ ሓሶት ይጥቀም፤ ስለዚ ሕሜታ አብ ዘለዎ ሰይጣን ከምዘሎ ክንዝንግ ዕ የብልናን፣
ቅዱስነቶም አብ ናይ ቀዳሜ ሰማዕት ቅዱስ እስጢፋኖስ ምልስ ብምባል እዚ ኩሉ ናይ ሓሶት ክሲ አብ ር እሲኡ እንክዘንብ ቅዱስ እስጢፋኖስ ንሓሶት ብሓሶት ክምልስ አይደለየን፤ ንክድሕን ከምቲ ንሶም ዝገብርዎ ክገብር አይደለየን፣ ንሱ ንሰማይ አንቃዕሪሩ ይጥምት እሞ አብ ሰላምን ሓቅን ክርስቶስ ጸኒዑ ንሕጊ ጐይታ ይእዘዝ፤ በዚ ሓሳብ እዚ ቅዱስነቶም ናብ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ምልስ ቢሎም ካብቲ ቀዳማይ ሰማዕት ቅዱስ እስጢፋኖስ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ብዙሓት ክርስትያን ብት ብ ዓት ንወንጌል መስኪሮም፣
“ኮይኑ ግን ሰማዕትነት ገና አይተወደአን ሓቂ ክንዛረብ እንተደአ ኰና ሎሚ እውን ቤተ ክርስትያን ካብቲ ናይ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ንላዕሊ ሰማዕታት ተወፊ አላ፣ ቤተ ክርስትያን ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ አንስትዮን ግዳይ ሓሜት ዝኾኑ ዝስደዱ ብጽልኢ ናይ ኢየሱስን እምነት ክርስትናን ምኽንያት ዝተቀትሉ፤ እቲ ሓደ ትምህርተ ክርስቶስ ስለዝምሕር ይቅተል እቲ ሓደ መስቀል ሒዙ ስለዝርከብ ይቅተል ሎሚ አብ ብዙሓት ሃገራት ይሓምይዎም የሳድድዎም፤ እዚኦም ዝስደዱን ዝሳቀዩን ዘለው ናይ ዘመንና ሰማዕታት አሕዋትናን አሓትናን ኢዮም፤ ዘሎና ዘመን ልዕሊ እቲ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ቤተ ክርስትያን ሰማዕታት እንኸፍለሉ ዘሎና ዘመን ኢዩ፣ ብዙሕ መፈሳዊ ሓርጐጽጐጽ ዘለዎ ዘመን ኮይኑ አሎ፣ ድሕሪ ቢሎም ሓንቲ ናይ ጥንታዊት ሩስያዊት ቤተ ክርስትያን ስእሊ እኖና እግዚእትነ ማርያም ንሕዝበ እግዚአብሔር ብባርኖሳ እትኽልል ዘኪሮም ከምዚ ቢሎም፣
“እኖና እግዚ እትነ ማርያም ክትከላኸለልና ክንጽሊ አሎና ብሕልፊ ከአ አብ መንፈሳዊ ሓርጐጽጐጽ ክንርከብ ከሎና እንዕቈበሉ ውሑስ ቦታ አብ ትሕቲ ባርኖስ እኖና እግዚእትነ ማርያም ኢዩ፣ ንቤተ ክስትያን እትሓሊ አደ እያ፣ አብዚ ጊዜ ሰማዕትነት ከአ እንኮ ተዋሳኢት ንሳ ስለዝኾነት አደ ስለዝኾነት “አደ ቤተ ክርስትያን አብ ትሕቲ ሓለዋኺ ኢያ ነዛ ቤተ ክርስትያን እዚአ ሓልውያ ንበላ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.