2013-04-13 14:05:12

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ.፦ ዓወታውነት-ጃህራ ንክርስቲያን ፈተና እዩ፣ ናይ ጽንዓትን ትግሃትን ጸጋ የድሊ


RealAudioMP3 ትማሊ ንጎሆ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብናይ ቤት ማሕተም ሃገረ ቫቲካን ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ጁዜፐ ኮስታ ዝተሰነዩ ናይቲ ቤት ማሕተም ቫቲካን ሰራሕተይናታትን ከምኡ እውን ናይ ሃገረ ቫቲካን ቤት መሸጣ መድሃኒት ሰራሕተይናታት ኣብ ዝተሳተፍሉ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባብ ኣመርኵይዞም “ክርስቶስ ኣብ ምስዓብ ዝግበር ጉዕዞ ብዓወታውነት ዘይኮነስ ብጽንዓትን ትግሃትን ኣዩ ዝንበር” ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ዘስምዕዎ ስልጣናዊ ስብከት፦ “እግዚኣብሔር ልቢ ሰብ ክትንክፍ እንከሎ ኣብ ሓጺር ኣዋን ዝተሓጽረ ሽሕር ስራይ ዘይኮነ ዝፍጽም ኣንታይ ደኣ ናይ መልእት ሕይወት ጸጋ እዩ ዝዕድል” ቢሎም ነቲ ደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ ድሕሪ ሞቱ ኣብቲ ዝተረበጸን ዝተረበሸን ዝነበረ ሓዋሁ ብዘስምዕዎን ብዘቕርብዎን ዝነበረ ናይ ሕይወት ቃል ኣብ ጠመተ ፈሪሳውያንን ጸሓፍትን መምሃራን ሕግን ኣትዮም ንሓደጋ ተቓሊዖም ከምዝነበሩ ነቲ ኵነት ከምቲ ኣብ ግብሪ ሓዋርያት ምዕራፍ ሓሙሽት ካብ ፍቕዲ 17-42 ዘሎ ገማሊያል ዝስሙ ፈሪሳዊ መምህር ሕጊ ዝተዛረቦ ቃላት ዝዘከሩ ቅዱስ ኣቦና ገማሊያል ንግዜ ግዜ ምሃብ ዝበለጸ ምዃኑን ኣቶም ናይቲ ናዝራዊ ሓዋርያት ዝብልዎ ዘበለ ኵሉ ሓቂ ውይ ከኣ ሓሶት ቢልካ ንምፍራድ ዘይምህዋኽ፣ ምጽባይን ምርኣይን ዝሓሸ ምዃኑ ይመክር። እዚ ገማሊያል ዝብሎ ንኣና ንሕይወትና እውን ዓቢይ ምኽሪ እዩ። ስለምታይ ጊዜ ልኡኽ እግዚብሔር (ናይ እግዚኣብሔር መልእኽተይና) እዩ። እግዚኣብሔር አብ ቅጽበትን ንቅጽበትን ዘይኮነ ጊዜ ዘድሕን ንጊዜ ዘድሕን እዩ። ተኣምር ዝገብረሉ እዋን ክሁሉ ይኽእል፣ ኮይኑ ግን ኣብቲ ዕለታዊ ጊዜን ታሪኽን ኣብ ግላዊ ታሪኽን እዩ ዘድሕን፣ ስለዚህ እግዚእብሔር ብናይ ሽሕር ሰራይ ኣዕጻል ዘይኮነ ጸጋኡ ይዕድል እሞ ከምቲ ነቶም ዝስዕብዎ ዝነበሩ ዝበሎም ተንስእ እሞ ኪድ እዩ ዝብል፣ ንኣና እውን ሎሚ ከምኡ ይብለና ኣሎ፣ ኣብ ሕይወት ተጓዓዝ ነቲ ጐይታ ምሳናን ምሳኻን ዝገበሮ ዘበለ ኵሉ መስክር እዩ ዝብለና” ከምዝበሉ ነቲ ቅዳሴ ዝተኽታተሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።
ቅዱስ ኣቦና ቀጺሎም እቲ ኣብ ሕይወት ክርስትያን ዝቀላቐል ፈተና ንሱ ድማ ዓቢይ ፈተና ዝኾነ ፈተና ዓወታውነት ምዃኑ ሓቢሮም፣ እዚ ፈተና ኣብ ሕይወት ሓዋርያት ዝተራእየ ከምዝዝኾነን ከም ኣብነት ቅዱስ ጴጥሮስ ጠቒሶም፣ ኣነ ንኣኻ ጐይታይ ጠሪሸ ኣይክሕደካን እንክብል ዝገለጾን ዝነበሮን ፈተና ዓወታውነት (ተዓዋትነት-ጃህራ)፣ ጐይታና ናብ ምድሪ ዝወረደ ብትሕትና እዩ፣ ከም ሓደ ሕጻን ተወሊዱን ዓቢዩን 33 ዓመት ነቢሩን እቲ ሰብኣዊ ፈተና ዝበሃል ኵሉ ኣጋጢምዎ እዩ። እቲ ዝኸበደ ፈተና ፈተና መስቀል ኣጋጢምዎን፣ ኣብ መጠርሽታ ድማ ብትንሳኤኡ ስዒሩ እዩ። ስለዚህ ጐይታ ዘስተምህረና ሕይወት ኩሉ ሽሕራዊ ከምዘይኮነ እዩ። ስለዚህ ድማ ዓወታውነት-ጃህራ ክርስትያን ኣይኮነን ናይ ጐይታ እውን ኣይኮነን፣ ሕይወት ክርስትና ኣብ ተራ ሕይወት ዝንበርን ማለት ምስ ክርስቶስ ዝንበር በቢ ዕለቱ ምስኡ ዝንበር ሕይወት እዩ። ምእንቲ’ዚ እቲ ክንሓቶ ዝግብኣና ጸጋ፣ ኣብቲ ጉዕዞ ምስ ጐይታ ክሳብ ፍጻሚ ጽኑዓትን ትጉሃትን ዝገብረና ጸጋ እዩ። ጐይታ ካብ ሕልሚ ተዓዋትነትን ዓወትውነትን ፈተና ይድሕነና፣ ዕለታዊ ጉዕዞና ኣብ ሕላዌ እግዚኣብሔር ምጉዓዝ እዩ። እዚ ድማ ናይ ጐይታን ብጐይታ ዝተሓበረ መገዲ እዩ” እንክብሉ ዘቕረብዎ ስልጣናዊ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።







All the contents on this site are copyrighted ©.