2013-04-11 15:34:37

ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ዓዋዲት መልእኽቲ “ሰላም ኣብ ምድሪ”
እዋናውን ዓቢይ ሓይሊ ዝመልኦ ሰነድ


RealAudioMP3 ሎሚ ዕለት 11 ሚይዝያ 2013 ዓ.ም. ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብፁዕ ዮሓንስ መበል 23 ንጽብሒቱ ቅልውላው ኩባ ዝደረስዋ “Pacem in Terris-ሰላም ኣብ ምድሪ” እተሰምየት ዓዋዲት መልኽቲ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ከምእተበዓለ ክምልከት እንከሎ፣ እታ ናይ ብፁዕ ሮንካሊ ዓዋዲት መልእኽቲ ንኽርስቲያን ጥራሕ ዘይኮነስ ንኹሉ ሰናይ ፈቓድ ንዘለዎ ሕዝቢ እተጽሓፈትን ኩሉ ኣብ ሕንጸት ሰላም ክተግህን ማለት ሰላም ኣብ ዓለም መታን ክረጋገጽ ኩሉ በቢ ዘለዎ ሓላፍነት ንሕንጸት ሰላም ክዓዪ እትዕድም ምዃና ኣብ ኢጣሊያ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ናይ ሥነ ታሪኽ ሊቅ ፕሮፈሰር ኣጎስቲኖ ጆቫኞሊ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ብምኽንያት መበል 50 ዓመት ዓዋዲት መልእኽቲ ሰላም ኣብ ምድሪ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ገሊጾም፣ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሕንጸት ሰላምን ደጋፍ ሰላምን እትጻወቶ ተራ ቀሊል ከምዘይኮነ ዝምስክር ሰነድ እዩ። ውግእ ተቐባልነት ዘይብሉ ክትድግፎ ዘይከኣል ብሰብ ዝመሃዝ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር እዩ። ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ መበል 23 ኣብ ጥቅምቲ 1962 ዓ.ም. ኣብ ዝተበገሰ ቅልውላው ኩባ እዚ ድማ ዓለም ናብ ሳልሳይ ውግዕ ዓለም ከብል እዩ ዘበለ ቅልውላው ከምዝነበረን፣ ውግእ ኑክሊያር ክህሉ እዩ ዘበለ እውን ከምዝነበረ ጆቫኞሊ ጠቒሶም፣ ኣብ መንጐ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካን ነበር ሶቪየት ሕብረትን ዝካየድ ዝነበረ ውደራ ፖለቲካዊ ዕብለላ ኣዚዩ ናብ ዝኸፍአ ሃዋሁ ኣብ ዘበለሉ እዋን ቅድስቲ መንበር ብተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣቢላ ግብረ ገባዊ ስልጣና ብምጥቃም በቲ ዘለዋ ኵላውነት ባህርያ ኣቢላ ኩሉ ናብ ሰላም ከብል ስልጣናዊ ትምህርታ ዘቃልሓታትሉን በዚ ኣቢላ እውን ጻውዒት ዘቕረበትሉ ሰነድ እዩ እቲ ሰነድ ነቲ ዝነበረ ጉዳይ ዓለም ዝምልከት ጥራሕ ዘይኮነ እዋናውን ሓይሊ ዝመልኦ ሰነድ እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.