2013-04-11 15:28:22

ቅ.ኣ.ርሊ.ጳ.፦ ዘድሕነና ሃብቲ፣ ስልጣን ወይ ከኣ ትዕቢት ዘይኮነስ ፍቕሪ እግዚኣብሔር እዩ


RealAudioMP3 ትማሊ ንጎሆ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ቤተ ጸሎት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብሓባር ምስ ብፁዓን ካርዲናላት ኣንጀሎ ሶዳኖን ኣንጀሎ ኮማስትሪ ናይ ሃገረ ቫቲካን ቤት ዕዮ ሰራሕተይናታትን ናይ ኢጣሊያ ናይ ውሽጢ ጉዳይ ሚኒ. ኣና ማሪያ ካንቸሊየሪን ኣባላት ስድራ ቤተን ኣብ ዝተሳተፍሉ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባብ ወንጌል “በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዘበለ ዅሉ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር ከይጠፍእሲ ኣምላኽ ንወዱ በጃ ክሳዕ ዚህብ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ…” (ዮሓ. ምዕ. 16) ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ስልጣናዊ ኣስተንትኖ ከምዘቕረቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሰርጆ ችንቶፋንቲ ሓቢሮም።
“እግዚኣብሔር ብፍቕሩ እምበር ብሓደ ጽሑፍ መልእኽቲ ወይ ውሳኔ ኣዋጅ ኣይኮነን ዘድሓነና። ስለዚ እዩ ድማ እግዚኣብሔር በቲ ሓደ ወዱ ሓደ ከማና ኰይኑ ምሳና ተጓዒዙን እዩ ዘድሓነና፣ ኮይኑ ግን እዚ ድሕነት’ዚ እንታይ ማለት እዩ? ዝደሓኑ ክበሃል እንከሎ እንታይ ማለት እዩ?” ዝብል ሕቶ ዘቕረቡ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፦ “እቲ ብገዛእ ርእስና ዘጥፋእናዮ ናይ ውሉደ እግዚኣብሔር ክብርና ጐይታ ዳግም ይጽግወና”…እዚ ድማ ተስፋ ዳግም ምጉንጻፍ ማለት እዩ። ስለዚ ዝደሓኑ ክበሃል እንከሎ እምበአር ነዚ እዩ ዘስምዕ” እንክብሉ ከምዘረድኡ ልኡኽ ጋዜጠይና ቸንቶፋንቲ ገሊጾም።
እቲ ዝተዓደለና ክብሪ “ምስ ጐይታ ክሳብ ምርኻብና ዝዓብይ እዩ፣ ስለዚ እቲ ክብሪ ምሳኡ ንምርኻብ ኣብ እንገብሮ ጉዕዞ እናዓበየ ምስ ዝኸይድ፣ እዚ ጉዕዞ’ዚ መገዲ ድሕነት ይበሃል። እዚ ዝፍጽሞ ድማ ፍቕሪ ጥራሕ እዩ። ክቡራት ደቂ ተስፋ ኢና። እቲ ጸገም ግን ገለ ገለ ግዜ ኣብ ሃብቲ ብእነቑሞ ውሕስነት ኣቢልና ገዛእ ርእስና ብገዛ እርስና ከነድሕን ምፍታን እዩ። ምድሓን እንፍጽሞ ኰይኑ ድማ ይስምዓና፣ ሃብቲ እንተሎኒ ኵሉ ኣሎኒ…ጸገም የብለይን። ናይ ሓደ ሃብታም ሰብ ክብሪ ኣሎኒ። እዚ ዓይነት ውሕስነት’ዚ ግን ‘እዅል’ ኣይኮነን፣ ኣብ ወንጌል ዝግለጽ እቲ ሎቖታኡ ብእኽሊ ዝመልአ ሃብታም ሓረስታይ ምሳሌ ንዘክር፣ ኩሉ ኣሎኒ ዝጎድለኒ የብለይን ኣሞ ምምላእ ይትረፈኑ ምሉእ እየ። ኢየሱስ ግን ነቲ ሓረስታይ ‘እንታ ዓሻ ሎሚ ምሸት ክትዓርፍ ኢኻ’ ይብሎ እቲ ሓረስታይ ዝሓነጾ ድሕነት ግዚያዊ ድሕነት ምዃኑ ይገልጽ” ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸንቶፋንቲ ቀጺሎም፦ “ብትምክሕትናን ብትዒቢትና ገዛእ ርእስና እነድሕን ኰይኑ ይስምዓና፣ ሓያላን ዝኾና ኰይኑ ይስምዓና፣ እዚ ግን እቲ ውሽጣዊ ድኽነትና ሓጢኣትናን ብትምክሕቲ ንምሕባእ እንገብሮ ፈተነ እዩ። ትዕቢትን ትምክሕትን ክጽንቐቕ እዩ። እቲ ሓቀይና ድሕነት እምበኣር ኣብቲ ደቒ እግዚኣብሔር ምዃንና ዘሎ ናይ ውሉድነት ክብሪ እዩ። እዚ ድማ እቲ ክርስቶስ ብትንሳኤኡ ኣብ ዝዓደለና ተስፋ ዝተነብረ ድሕነት ማለት እዩ። ኦ ጐይታይ ኣነ ኣባኻ እኣምን፣ ኣብ ፍቕርኻ እኣምን፣ ፍቕርኻ ከምዘድሓነኒ እኣምን፣ ፍቕርኻ ተስፋ ከምዝዓደለኒ እኣምን፣ እቲ ናይ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ጥራሕ እዩ እቲ ሓቀይና ክብሪ ሓቀይና ተስፋ ዝጽግው። ኣብ ፍቕሪ ምእማን ክንደይ ደስ የብል፣ እቲ ሓቂ እምበኣር እዚ እዩ’ ምስ በሉ ኩሎም ኣብቲ ቅዳሴ ዝተሳተፉ ምሳኦም ሓቢሮም፦ “ኦ ጐይታይ ኣብ ፍቕርኻ እኣምን” ዝብል ጸሎት ክደግሙ ዓዲሞም፣ “ልባትና እቲ ፍቕሪ ናባና መታን ክመጽእ ንርህው፣ ብፍቕሪ ተመሊእና ንኣኡን ንብጾትናን ነፍቕር” ከምዚ ይኹነልና” ቢሎም ዘስምዕዎ ስልጣናዊ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.