2013-04-11 15:31:55

ርክባትን ዘተን ካቶሊካዊትን ወንጌላዊትን ቤተ ክርስቲያን


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 8 ሚያዝያ 2013 ዓ.ም. ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ናይ ጀርመን ወንጌላዊት ቤተ ክርስትያን ሊቀ መንበር ኒኮላይስ ሽናይደር ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ እንክዝከር፣ ብዛዕባ እቲ ርክብ ኣመልኪቶም ናይ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኩርት ኮኽ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፦ ቅድም ቀዳድም እቲ ርክብ ብመደብ ተታሒዙ ዝጸንሔ ከምዝነበረን፣ ቅዱስ ኣቦና ነዚ ርክብ’ዚ ከካይዱ ድላዮም ከምዝኾነ ኣቐዲሞም ከምዘፍለጡን፣ እቲ ርክብ ልባውን ምሕዝነት ዝዓሰሎ ከምዝነበረ ሓቢሮም፣ ሊቀ መንበር ሽናይደር ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ እቲ ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ ኣቦና ዝሓረይዎ ፍራንቸስኮ ዝብል ስም ኣዚዩ ከምዘሐጐሶምን እቲ ስም ድማ ምስ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ዝተተሓሓዘ ብምዃኑ ብሓቂ ነቲ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ምስ ኣቢያተ ክርስቲያንን ዝግበር ዘተ ዘተባብዕ እዩ ከምዝበሉ ብፁዕ ካርዲናል ኩኽ ገሊጾም፣ ብምኽንያት እቲ ኣብ ኣርጀንቲና ዝተኸስተ ምዕልቕላቕ ማይ ንዝተጐድኡ ቀረባ ምዃኖም ከምዘረጋገጽሎም ሓቢሮም።
ኣብዚ እዋን’ዚ ኣቢያተ ክርስቲያን ንስደትን መከራን ከምእተቓልዐን እዚ ድማ ክርስቲያን ምዃን ዘስዕቦ ዘሎ ጸገም እዩ። ስለዚህ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ውህደት ኣብቲ ናይቶም ናይ እምነት ሰማዕታት ደም ዝቐውም እዩ። ኣብ ሰማዕታት ውህደት ከምዘሎና ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝበልዎ ሓሳብ ዝተረጋገጸሉ ርክብ ከምዝነበረ ብፁዕነቶም ሓቢሮም ቀጺሎም፣ ሊቀ መንበር ሽናይደር፣ ኣብ 2017 ዓ.ም. ኣብ ዝበዓል ናይ ሉተራን ኣቢያተ ክርስትያን በዓል ተዘክሮ ዓመተ ክርስቶስ ተባሂሉ ከምዝስየምን ኣብቲ መደባት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንኽትሳተፍ ድማ ዕድመ ከምዘቕረቡን፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ብወገኖም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ቅዱስነቶም ልኂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ጀርመን ኤርፉርት ኣብ ዝርከብ ናይ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ገዳም ዘካየድዎ ምብጻሕ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ኣቢያተ ክርስቲያን ዘሎ ርክብ ዘረጋግጽ እዩ፣ ስለዚህ ናይ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣሰር ከምዝኽተሉ ከምዘረጋገጹሎም ብፁዕ ካዲናል ኩኽ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፣ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ርክብ ምስ ዓለም ሓቆፍ ፈደራላዊ ሉተራን ኣቢያተ ክርስቲያን እዩ። ስለዚህ እቲ ርክብ ኵላውነት ጎድኒ ዘለዎ እዩ። ምስታ ኣብ ጀርመን ዘላ ወንጌላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝካየድ ርክብ ሓላፍነቱ ናይ ጀርመን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ እዩ። ስለዚህ እቲ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ዓለም ሓቆፍ ፈደራላዊ ሉተራን ኣቢያተ ክርስትያን ዘሎ ርክብ ብናይ ሓባር ናይ ቲዮሎጊያ ድርገት እውን ዝካይድ ኮይኑ ነቲ ኣብ 2017 ዓ.ም. ዝበዓል ናይ ሉተራን ኣቢያተ ክርስትያን በዓለ ተዘክሮ መምርሒ ዝኸውን እቲ ናይ ሓባር ድርገት ካብ ምስሕሓብ ናብ ውህደት ዘርእስቱ ናይ ሓባር ሰነድ ኣብ ምስንዳው ይርከብ ኣሎ ምስ በሉ፣ ሊቀ መንበር ሽናይደር ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ኣብ 2017 ዓ.ም. ዝካየድ በዓል ክሳተፉ ዕድመ ከምዘቕረቡሎምን ኰይኑ ግን ቅዱስነቶም ብዓንተውኡ መልሲ ኣይሀቡሉን ምኽንያቱ ጀርመን ሓንቲ ሃገር እያ እቲ ናይ ሉተራን ፈደራላዊ ድማ ዓለም ሓቆፍ ማኅበር እዩ ስለዚህ ገና ብዓንተውኡ መልሲ ንኸይህብሉ ደሪኽዎም እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ መሕትት ኣብዚ ኣጠናቒቖም።







All the contents on this site are copyrighted ©.