2013-04-10 08:54:08

ሢመት አባ ኾዘ ሮድሪገዝ ካርባዮ


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ፍርቂ መዓልቲ ንናይ ሰብ ውፉይ ሕይወትን አባላት ሐዋርያዊ አገልግሎትን እትኃሊ ማኅበር ጸሐፊ ንክኾኑ ክሳብ ሕጂ ናይ ንኡሳን አኃዋት ፍራንቸስካውያን ማኅበር ጠቅላሊ ሓለቃ ኮይኖም ዘግልግሉ ንዝጸንሑ ጥቀ ክቡር አባ ኾዘ ሮድሪግዝ ካርባዮ ሰዪሞም፣ ማዕረ ማዕረኡ ከአ ናይ በልካስትሮ ሥዩመ ሊቀ ጳጳስ ኮይኖም መዓርገ ሊቀ ጵጵስና ከምዝሃብዎም ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ገሊጹ፣
ጥቀ ክቡር አባ ካርባዮ አብ ሎዶሰሎ ዝበሃል ዓዲ ናይ ሰበኻ ኦረንሰ ሃገር እስፐይን ብ11 ነሐሰ 1953 ዓም ተወሊዶም፣ ብ1964 አብ ዛሞራ ዝርከብ ዘርአ ምንኩስና ፍራንቸስካውያን ቀጺሎም ከአ አብ ዘርአ ክህነት ሄርቦን ብድሕሪኡ ተመኵሮ አብ ገዳም ፖንተራስ ምስ ገበሩ ብ ዕለት 9 ነሐሰ 1971 ን ኡስ መብጽ ዓ ገበሩ፣ ካብ 1971-73 አብ ሳንትያጎ ደ ኮፖስተላ ትምህርቲ ፍልስፍና ካብ 1973-76 አብ ኢየሩሳሌም ትምህርቲ ንባበ መለኮት ምስ ገበሩ ብ8 ታሕሳስ 1976 ዓቢ መብጽ ዓ ብ28 ሰነ 1977 ከአ አብ ቤተ ክርስትያን መድኅኔ ዓለም ኢየሩሳሌም መዓርገ ክህነት ተቀበሉ፣
ካብ 1976 ክሳብ 1978 አብ ኢየሩሳሌም ዝርከብ ተቅዋም መጽሓፍ ቅዱስ ፍራንቸስካውያን ካብ 1978 ክሳብ 1981 ከአ አብ ሮማ ዝርከብ ናይ ጳጳሳዊ ተቅዋም ቅዱስ መጽሓፍ ብምክትታል ሊቅነቶም አመስከሩ፣
ብድሕሪኡ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም አብ መካነ ሕውነት ፖንተረስ መምህርን መጋብን ኮይኖም አገልጊሎም፣ ብ1983 መጀመርያ ደፊኒቶረ ኮይኖም ተመሪጾም ደሓር ናይ ኵስኰሳን መጽናዕትን ሃገረስብከታዊ ዋና ጸሓፊ ኮይኖም ተመሪጾም፤ ቀጺሎም ናይ ቅድስት መሬት ኮሚሳርዮን ናይ ተመካርያን መምህርን ኮይኖም ምስ አገልግለግሉ ብ1989 አብ ሳንትያጎ ደ ኮምፖስተላ ዝርከብ ገዳም ቅዱስ ፍራቸስኮ ሓለቃ ኮይኖም ተመሪጾም፣
አብ ርእሲ እዚ መምህር ቅዱስ መጽሓፍ ኮይኖም አብ ዝኸድዎ አገልጊሎም፣ ሰለስተ ጊዜ ናይ ሳንትያጎ ደ ኮምፖስተላ ሃገረ ስብከት ማኅበሮም ኃላፊ ኮይኖም ተመሪጾም አብ ር እሲ’ዚ ናይ ምሉእ ኤውሮጳ ፍራንቸስካውያን ሃገረስብከታት ማኅበር አቦ መንበር ኮይኖም እውን አገልጊሎም ኢዮም፣
ብ1997 ከአ ናይ ማኅበሮም ጠቅላሊ ማለት ደፊኒቶረ ጀነራለ ኮይኖም ተመሪጾም፣ ብ2003 ከአ ናይ ኩሎም ን ኡሳን አሕዋት ፍራንቸስካውያን ማኅበር ጠቅላሊ ል ኡኽ ሚኒስትሮ ጀነራለ ደል ኦርዲነ መበል 119 ተኸታሊ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዘአሲዚ ኮይኖም ተመሪጾም፣ እንደገና ንካል አይ ግዜ ብ2009 ተመሪጾም፣ አብ ር እሲ እዚ ብ2012 ናይ አኅሉቅ ማኅበር አቦ መንበር እውን ተመሪጾም፣
አባል ናይ አሕዛብ ስብከተ ወንጌል እትኃሊ ማኅበርን ንናይ ሰብ ውፉይ ሕይወትን አባላት ሐዋርያዊ አገልግሎትን እትኃሊ ማኅበርን ኮይኖም እናአገልግሉ አብ ቫቲካን አብ ዝተገበሩ ሲኖዶሳት ማለት 2005 2008 2010 2012 ተሳቲፎም፣
ናይ ብዙሕ ቋንቋታት ተውህቦን ክ እለትን ከምዘለዎምን ብዙሕ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ከምዘበርከቱን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ሓበሬታ የመልክት፣








All the contents on this site are copyrighted ©.