Home Archivio
2013-04-09 15:10:49
ካብ ሕርየቶም ካሳብ በዓለ ፋሲካ
ቤት ማሕተም ቫቲካን፦
“ስለይ ጸልዩ”
ብዝብል ኣርእስቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዕለት 13 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ዝተሓረዩላ ዕለት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተኣከቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝመጹ በሸሓት ንዝቑጸሩ ምእመናንን መንፈሳዊ ነጋዶን ሰላምታኦም ንምቕራብ ካብ ዘስምዕዎ ሓጺር ዘረባን በዓለ ፋሲካን ሰኑይ ዘመልኣክ ጸሎት ንግስተ ሰማይ ክሳብ ዘዕረጉላ ዕለት ዘሎ እዋን ዝበልዎን ዘስምዕዎን ምዕዳንን ስልጣናዊ ስብከታትን ከምኡ እውን ገና ኣብ ኣርጀንቲና ናይ ቡዌነስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ቦርጎሊዮ እንከለዉ ብምኽንያት ዓመት እምነት፦
“ገምገም እምነት ምስጋር”
ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ሓዋርያዊት መልእክቲ ዘጠቓለለ ኮይኑ ብምኽንያት መበል 200 ዓመት ነጻነት ኣርጀንቲና ፍትሕን ምትሕብባርን ብዝብል ኣርእስቲ ዕለት 16 ጥቅምቲ 2010 ዓ.ም. ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቶም ዘጠቓለለ ዝተደርሰ መጽሓፍ ትማሊ ንንባብ ከምዝበቕዔ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
All the contents on this site are copyrighted ©.