2013-04-06 13:27:42

ቀጻሊ ኅዳሴ “Civiltà Cattolica-ካቶሊካዊ ስልጣነ” መጽሔት


RealAudioMP3 እቲ ዕለት 16 ሚያዝያ 1850 ዓ.ም. ብኢየሱሳውያን ማሕበረ ልኡካነ ወንጌል ዝተመስረተ ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጻሓፊ ቤት ፍቓድ እትሕተም Civiltà Cattolica-ካቶሊካዊ ስልጣነ” እተሰምየት ክልተ ሰሙናዊ ናይ ስነ ባህልን ፍልስፍናን ቲዮሎጊያን ስነ ቤተ ክርስቲያንን ብመንጽር ናይ ቤተ ክርስቲያን ማሕበራዊ ትምህርቲ ፖለቲካን ኤኮኖምን ማሕበራውን ጉዳያት እትትንትን መጽሔት ኣብ ቀጻሊ መጻኢ ዝነብር ባህሊ እተቃልሕ ምዃና ትማሊ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተም ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተረኺቦም ብዛዕባ ሕዳሴ ናይታ መጽሔት ክቶሊካዊ ስልጣኔ ዘደገፈ ኣብ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተሳተፉ ናይታ መጽሔት ዋና ኣሰናዳኢ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ኣንቶኒዮ ስፓዳሮ ሓቢሮም፣ እታ መጽሔት ምስቲ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ መራኸቢ ብዙሓን ከይዲ ዝተመዓራረየ ሕዳሴ ዝኽተል እዩ ከምዝበሉ ነቲ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተኸታተሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራድዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ኣመልኪቶም።
ኣብቲ ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ተመሪሑ ኣብ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ጳጳሳዊ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ሓልዮ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ክላውዲዮ ማሪያ ቸሊን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ምኽትል ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኣንቶይነ ካሚለሪን ከምእተሳተፉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ኣስዒቦም፣ እቲ ሕዳሴ ናይታ መጽሔት ሕመረትን ከምኡ እውን ደጋዊ ቅርጽን ከምቲ ቅዱስ ኢግናዚዮስ ዘሎዮላ ዝብሎ፦ “ወትሩ እግዚኣብሔር ኣብ ኩሉ ነገርን ሥፍራን ምርካብ” ዝብል ምዕዳን መሰረት ዝገበረ ከምዝኾነን ኣባ ስፓዳሮ ከምዝሓበሩን፣ ብፁዕ ኣቡነ ቸሊ ብወገኖም፦ “እቲ እዋናዊ ንቤተ ክርስቲያን ዓቢ ብድሆ እቲ ብእዋናዊ ሕዝቢ ርዱእ ዝኾነ እዋናዊ ቋንቋን ከይዲ ምዕባለን ብዕምቆት ምርዳእን ብምእራም ምጥቃሙ ዝብል ኢዩ” ከምዝበሉ ገሊጾም።
“መጽሔት ካቶሊካዊ ስልጣኔ ኣንባቢ ጭቡጥ ኩነት ብክርስቲያናዊ ኣተሓሳስባ ምሕሳቡን ንምርዳኡን ዝድግፍ እዩ” ዝበሉ ብፁዕ ኣቡነ ካሚለሪ ኣስዒቦም እቶም ምስታ መጽሔት ኢየሱሳውያን ጥብቂ ርክብ ዝነበሮም ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ፦ “መጽሔት ካቶሊካዊ ስልጣነ ባህላዊ ቅልውላው ኣብ ዝሰፍሓሉ እዋን ዝተመስረተት ብምዃና ምስ ግዜ እትኸይድ ተደናቒት ዓቢ ክብሪ ዘለዋ ንሓድሽ ወለዶን ሕብረተሰብን እትሓንጽ መጽሔት እያ” ዝበልዎ ጠቒሶም ቀጺሎም፦ “ኣብ መንጐ መጽሔት ካቶሊካዊ ስልጣነን ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፍን ዘሎ ዓሚዩቕ ምትእስሳር እምስክር” ኢሎም፦ “ኣስር ናይታ መጽሔት መስረትቲ ዝኽተል ነባሪ ዕላማ መጽሔት ካቶሊካዊ ስልጣኔ ወትሩ ቀጻሊ እዩ” ከምዝበሉ ጂሶቲ ሓቢሮም።
ብፁዕ ኣቡነ ቸሊ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፦ “ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ መበል 23 ኣብ 1963 ዓ.ም. ናይታ መጽሔት ዋና ኣሰናዳኢ ንዝነበሩ ንኣባ ሮበርቶ ቱቺ እታ መጽሔት ኢየሱሳውያን ዘለዎ ነሒሕ ዕድም መዕቀኒ ናይቲ ወትሩ መንእሰይ ምዃና እዩ” ዝበልዎ ቃል ከምዝጠቐሱን ኣባ ስፓዳሮ መልክዕን ቅርጽን ትሕዝቶን ሕዳሴ ናይታ መጽሔት ኣሞርኵይዞም፦ ሓደሽ ኣእማድ ዝተሓወሶን ገለ ገለ ዝነበረ ኣእማድ ዝቐየረን ካብ 1850 ክሳብ 2008 ዓ.ም. ዘሎ ቁጽሪ ሕትመት ናይታ ምጽሔት በቲ ጉጉል ዝብል ናይ መድለይ መርበብ ሓቤሬታ መሰረት ናይታ መጽሔት ቤተ መዘክርን ቤተ መዝገብን ከምዝቖመን ምምልካቱም ምምስኻሩን ዝከኣል እዩ” ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ኣስዒቦም እታ መጽሔት ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር ኣባላት ጽሑፋትን ናይ ምርምርን ትንተናን እተቕርብ ጥራሕ ብምዃና ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ወዲ ማሕበር ኢየሱሳውያን ብምዃኖም ድማ ክጽሕፉ ዝኽእሉ እዮም ከምዝበሉ ሓቢሮም።







All the contents on this site are copyrighted ©.