2013-04-04 14:43:14

ነዚ ተስፋ ዘድልዮ ዘሎ ዓለምና ደቂ አንስትዮን መንእሰያትን መስከርቲ እምነት ክኾኑ አለዎም፣


ነዙይ ዝበሉ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍርናቸስኮስ ትማሊ አብ ቅርዓት ቅ.ጴጥሮስ ብብዙሕ አሽሓት ንዝቍጸሩ ነጋድያንን ም እመናን ሮማን ብዛዕባ እምነት ዓመት አመልኪቶም አብ ዝሃብዎ ሰፊሕ አስተምህሮ ኢዩ፣
ቅዱስነቶም ብሥር ዓተ አምልኾ ላቲን ዘመን ትንሣኤ ብምዃኑን አብ እምነትና ከአ ትንሣኤ ሕመረት ተስፋና ምዃኑ ብምርዳእ ነቲ አብ ጸሎተ ሃይማኖት እንደግሞ “ከምቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝብሎ ከአ አብ ሣልሳይ መዓልቲ ካብ ሞት ተንሠኤ” ንዝብል ዓንቀጸ ሃይማኖት ከም መንቀሊ ወሲዶም አብቲ ቅዱስ ጳውሎስ ንትንሣኤ ክርስቶስ አመልኪቱ ዝጸሓፎ መል እኽትን ቃለ ወንጌልን ተመርኵሶም ብሰፊሑ ዘርዚሮም፣ አጋጣሚ ብዙሓት መን እሰያት አብቲ ትምህርተ ክርስቶስ ምስታፎም ምስ ረአዩ ከአ ነዚ ብኃጢአትን ክፍ አትን አረጊ ዘሎ ዓለምና ተስፋ ክህቡ ብምምሕጻንን ተልእኾኦም ብግቡእ ክፍጽሙ ክምስክሩ አዘኻኺሮም፣ አብ መደምደምታ አይዞኹም መን እሰያት ንቅድሚት ገስግሱ ቢሎም አብ ዘተባብ ዑሉ እቶም ልዕሊ ሰላሳ ሺሕ ዝግመቱ አብ ቅርዓት ቅ.ጴጥሮስ ዝነበሩ ብጣቅ ዒትን ዕልልታን ነቲ ቅር ዓት ነቅነቅዎ፣
ነተን ቀዳሞት መሰኻኽርን አበሠርትን ትንሣኤ ዝኾና ደቂ አንስትዮ ምርሳዕ ከምዘይግባእ ሎሚ እውን እንተኾነ ከም ወትሩ እምነት ንደቀንን ደቂ ደቀንን ዘውርሳ ንሰን ስለዝኾና ነቲ ብሰንኪ ናይቲ ግዜቲ ናይ አይሁድ ባህሊ ብምኽታል አብ ደቂ ተባዕትዮ ዘተኰረ ባህሊ ክንሰግሮ እኳ ደአ አብ ወንጌል ከም እንረኽቦ ቀልጢፈን ዝ አምናን ዝምስክራን ደቂ አንስትዮ እየን፤ በዓል ቅዱስ ጴጥሮስ አብ ባዶ መቃብር ምስ በጽሑ ክአምኑ አይከአሉን፤ ቅዱስ ቶማስ ኢደይ አብ አቍሳሉ እንተዘይመሊሰ አይአምንን ክብል ንረኽቦ እንክብሉ ደቂ አንስትዮን መን እሰያትን ነዚ ተጸጊሙ ዘሎ ዓለምና ነታ ብእምነት ትንሣኤ ዝተዋህበት ተስፋ ናብ ኩሉ ከብጽሑ ተላቢዮም፣
“ንአኹም ንመንእሰያት እየ ዝብል ዘሎኹ| ነቲ ርግጽነት ናይ ትንሣኤ ንቅድሚት አገስግስዎ፤ ጐይታ ሕያው ኢዩ፤ አብ ጕዕዞ ሕይወትና አብ ጐንና ኮይኑ ወትሩ የሰንየና፤ ተልእኮኹም እዚአ ኢያ፣ ነዛ ተስፋ እዚአ አገስግስዋ፤ አብዛ ተስፋ እዚ ተተኸሉ፤ እዛ ተስፋ እዚአ መልሕቅ እምነትና ኮይና አብ ሰማይ እያ ዘላ፤ ኢየሱስ ሕያው ከምዝኾነ እዚ ከአ ተስፋ ከምዝህበና ምናዳ ከአ ነዚ ብውግእን ክፍአትን ኃጢአትን አሪጉ ዘሎ ዓለምና ተስፋ ይህብ፤ አጆኹም መንእሰያት ንቅድሚት ገስግሱ! እንክብሉ አተባቢዖም፣
ቅዱስነቶም ብዛዕባ እቲ ንምስክርነት ደቂ አንስትዮን ሕጻናትን ዝነጽግ ባህሊ አይሁዳውያን ድሕሪ ገሊጾም ደቂ አንስትዮ አብ ሕብረተሰብ ፍሉይ ግደ ከምዘለዎን ምናዳ ከአ ንእምነት ብዝምልከት ንናይ ጐይታ መዓጹ ከምዘርሕዋልና ገሊጾም፣ ካብኤን ንመሃሮ ብዙሕ ከምዘሎ እግዚአብሔር ከምዘፍቅረና ምፍላጥን ንክተፍቅሮ ብዘይ ፍርሒ ክትቀርቦን ብሕልፊ ከአ እምነት ብአፍን ብልብን ብቃልን ብፍቅርን ከዝግለጽ ካብኤን ንመሃር ቢሎም፣
ተጻይቲ ዝነበረ ባህሊ ግን ወንጌላውያን ምስክርነት ናይዘን አንስቲ እንከቅርብ ዝህበና ትምህርቲ እውን ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፤
“እግዚአብሔር እንክመርጽ ከም አተሓሳስባ ደቂ ሰባት አይኮነን፤ ቀዳሞት መሰኻኽር ልደት ኢየሱስ እቶም ገርሀይናታትን ትሑታትን ጓሶት እንክኾኑ ቀዳሞት መሰኻኽር ትንሣኤ ከአ እዘን አንስቲ እዚኤን ኢየን፣ እዚ ከአ ብጣዕሚ ጽቡቅ ኢዩ፣ ተልእኮ ናይተን አደታት ዝኾና ደቂ አንስትዮ ንደቀንን ደቂ ደቀንን ኢየሱስ ሕያው ከምዝኾነ ካብ ከምዝተንሠኤ ምስክርነት ምሃብ ኢዩ፣ አደታትን ኩልኽን ደቂ አንስትዮን ነዙ ምስክርነት እዚ አደንፍዓ ክብሉ ተላብዮም፣
ምሥጢረ ትንሣኤ ሽሕኳ ብሩህን እሙንን እንተኾነ አብ ናይ ክልተ ሺሕ ዓመት ጕዕዞ ጸገማት ከምዝጓኖፎ እውን ጠቂሶም፣
“ብዙሕ ግዜ አብ ትንሣኤ ኢየሱስ ንዝነበረ እምነት ከዳኽም ብዙሕ ተጻዒሩ ኢዩ፤ አብ መንጎ እቶም አመንቲ እውን ከይትረፈ ናይ ምጥርጣር ማይ ብሑቅ አይተሳእነን፣ እዚ እምነት እዚ ድኹም ኢዩ ነሩ፣ እዚ ከአ ምናልባት ካብ ብላዕሊ ላዕሊ ዝግበር ምቅባል ወይ እውን ሸለልትነት ክኸውን ይኽ እል፤ ወይውን ምናልባት አብቲ ዕለታዊ ጕዕዞ ሕይወት ዘጨንቍ ብዙሕ ነገራት ጥራይ ብምድሃብ ን እምነት ዘይምግዳስ ውይውን ናይዚ ዓለም እዚ ነገራት ጥራይ ብምሕሳብን አብ ኡ ጥራይ ብምድሃብን ዝኽሰት ድኽመት ኢዩ፣
ኮይኑ ግን ናብ ተስፋ ዝመርሓና ምሉእ ሓጐስ ክህበና ዝኽ እል ከም ኡ እውን ክፍ አትን ሓጢአትን ሞትን ክሰዓሩ ከምዝኽ እሉ ርግጽነት ዝህበና እምነት ትንሣኤ ጥራሕ ኢዩ፣
“ኢየሱስ ሕያው ከምዝኾነ ምፍላጥ ዝህቦ ሓጐስን ንልቢና ዝመልእ ተስፋን ንብሕትኻ ጥራይ ሒዝናዮ ሱቅ ክትብል አይከአልን፣ ንሕናውን ነዚ ኩነት እዚ አብ ሕይወትና ክፍጸም ነፍቅደሉ፣ ክርስትያን ምዃን ዝህቦ ደስታ ይሰመዓና፤ ንሕና እንአምኖ ንክፍአትን ሞትን አሸኒፉ ካብ ብዝተንሰኤ ክርስቶስ ኢና፣ ንዚ ሓጐስ እዝን ነዚ ብርሃን እዝን አብ ሕይወትና ናብ ኩሉ ቦታ ክነብጽሖ ናይ ምብጋስ ትብ ዓት ይሃልወና፤ ትምህርቶም ምስ ዛዘሙ ትምህርቶም ንኽሰምዑን ሐዋርያዊ ቡራኬኦም ንኽቅበሉን ካብ ርሑቅን ቀረባን ዝመጸ ጉጅለታት ሰላምታ አቅሪቦም ሐዋርያዊ ቡራኬ ብምሃብ ተሰናበትዎም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.