2013-04-04 14:47:01

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ በዕይንቲ ልቢ እጥምተኩም


RealAudioMP3 ሰኑይ ዘመልኣክ ኣብ ዳግማይ ትንሳኤ ቀዳመይቲ መዓልቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ናይ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ መበል 23 ናይ ግሊ ዋና ጸሓፊ ኮይኖም ነዘገልገሉ ኣብ ክፍለ ሃገር ሎምባርዲያ ኣውራጃ በርጋሞ ኣብ እትርከብ ከተማ ካማይቲኖ ዲ ሶቶ ኢል ሞንተ ዝቕመጡ 98 ዓመት ዝዕድመኦም ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሎሪስ ፍራንቸስኮ ካፖቪላ ብስልኪ ከምእተራኸቡ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበረ ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ናይ ትማሊ ሕትመቱ ገሊጹ።
ልሂቅ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሎሪስ ፍራንቸስኮ ካፖቪላ ትንሳኤ ፋሲካ ብመንጽር ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን” ብዝብል እርእስታ ዝደረስዋ ንእሽተይ መጽሓፍ ንቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ብዝሓለፈ ሰሙን ገጸ በረክት ትኹንኩም እንክብሉ ከምዝለኣኹሎም ዝዘከረ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ኣስዒቡ ቅዱስ ኣቦና ስልኪ ደዊሎም “ብሓቂ በዕይንቲ ልበይ ይጥምተኩም” ከምዝበልዎም፣ ብፁዕ ኣቡነ ሎሪስ ፍራንቸስኮ ካፖቪላ ቅዱስ ኣቦና ደዊሎም ብስልኪ ክራኸብዎም ብሓቂ ከምዘሐጎሶምን እታ ዝተደወለትሎም ስልኪ ዘይተጸበይዎ ዓቢይ ህያብ እዩ፣ ኮይኑ ግን ንኣኦም ዘይኮነ ንኽብሪ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ መበል 23ን ነታ ዮሓንስ መበል 23 ዝተወለዱላ ከተማ ዓቢይ ህያብን ክብርን እዩ ከምዝበሉን፣ ቅዱስ ኣቦና ብወገኖም ብኣማላድነት ብፁዕ ዮሓንስ መበል 23 ክጽልዩሎምን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ኩላትቶም መጋብያን ሕያዎት መታን ክኾኑ ብኣማላድነት ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ መበል 23 ክጽልይሎም ሓደራ ከምዝበልዎም ከምዝሓበሩ ጋዜጣ ቅድስቲ መንበር ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.