2013-04-02 15:04:09

ዒራቕ፦ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዒራቕ ምብጻሕ ከካይዱ ምእመናን ይጽልዩ


RealAudioMP3 በዓለ ትንሳኤ ብላቲን ስርዓት ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ዒራቕ እውን ከምዝበዓለ ክምልከት እንከሎ፣ ማሕበረ ክርስቲያን ዒራቕ በቲ ዓቢይ በዓል ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ሃገር ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከካይዱ ከምዝጸለዩን፣ ኣብ ዒራቕ ቅድሚ ምውዳቕ ስርዓት ሳዳም ሁሰይን ማለት ቅድሚ 2003 ዓ.ም. ኣብታ ሃገር ናይ እትርከብ ናይ ከለዳዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምእመናን 550 ሺሕ ከምዝነበሩን ካልኦት 150 ሺሕ ድማ ኣብ ስደት ዝነበሩ ምዃኖም ክምልከት እንከሎ ቁጽሮም ኣዚዩ እናጎደለ ይኸይድ ከምዘሎ እንክፍለጥ፣ ሕጂ እውን ኣብታ ሃገር ማሕበራዊ ሰላም ኣዚዩ ዝረሓቐ ምዃኑ ትማሊ ንጎሆ ንሸውዓተ ዜጋታት ንሞት ልዕሊ 15 ድማ ንማሕሰይቲ ሓደጋ ዝዳረገ ኣብ ቲክሪት ኣብ መደብር ሓይሊ ጸጥታ ዝተፈነወ ናይ ለኪምካ ምጥፋእ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ምስክር እዩ። ካብተን 18 ናይ ዒራቕ ኣውራጃታት ኣብተን 12 ሕዝባዊ መረጻ ዝካየደሉ እዋን ብምቕራቡ ምኽንያት ኣብታ ሃገር ናይ ሽበራ መጥቓዒት ክሰፍሕ ከምኽእል ተፈሪሑ ከምዘሎን፣ እቲ ኣብ ሶሪያ ተኸሲቱ ዘሎ ዕግርግር ኣብ ዒራቕ ንግድ ውግእ ኣጽዋር ከስፍሕ ዝኽእል ሃዋሁ ይፈጥር ከምዘሎን፣ ብሓቂ ኣብቲ ከባቢ ዕግርግር እናሰፍሔ ሰላም እናርሓቐ ብምህላዉ ማሕበረ ክርስቲያን ዒራቕ ምእንቲ ሰላም ይጽልን ብፍላይ ኣብ በዓለ ትንሳኤ እቲ ንሞት ዝሰዓረ ጐይታ ንዒራቕን ሕዝባን ንመላእ ማእከላይ ምብራቕን ሰላም ክጽግው ከምዝጸለዩ ተመልኪቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.