2013-04-02 15:01:26

ኢየሩሳሌም


RealAudioMP3 ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ኣቡነ ፉኣድ ጥዋል፦ “ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ፍርያማን ስሉጥን መታን ክኸውን ካብ ኢየሩሳሌም ካብታ ቀዳሞት ማኅበረ ክርስቲያን ዝቖመላ ሃገር ክብገስ ኣለዎ። ምእንቲ’ዚ ወትሩ ምእመናን ካህናት ደናግል ኣባላት መንፈሳዊ ማሕበራትን ብፁዓን ጳጳሳትን ኣብ ቅድስቲ መሬት መንፈሳዊ ንግደት ክፍጽሙ ይዕድም” እንክብሉ ትማሊ ኣብ ቅዱስ መቓብር ባዚሊካ ብላቲን ስርዓት ብዝተበዓለ በዓለ ትንሳኤ ምኽንያት ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ገሊጾም፦ “ጐይታ ናይ እምነት ብርሃን ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ከነብጽሕ ይልእኸና፣ ኣብ ከባቢ ማእከላይ ምብራቕ ዝረአይ ዓመጽን ምፋሳስ ደምን ብፍላይ ድማ ኣብ ሶሪያ ዘሎ ውግእ ደው ክብል ናይ ሰላም ጻውዒት አቕርብ” ምስ በሉ ነቶም ካብ ሶሪያ ካብ ውግእን ዓመጽን ገዛእ ርእሶም ንኽድሕኑ ዝስደዱን ዝተሰዱን ካብ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ድጋፍ ከይጎድሎም ሓደራ ቢሎም፣ ኣብታ ሃገር ሰላም መታን ክረጋገጽ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ግብራውን ውጽኢታውን ናይ ሰላም መስርሕ ከቕርብ ሓቲቶም፣ ብምኽንያት በዓለ ፋሲካ ብፁዕ ኣቡነ ትዋል ዝርከብዎም ኣብ ቅድስቲ መሬት ናይ ዝርከባ ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያን መንፈሳዊ መራሕቲ ብሓባር ምእመናን ዓለም ኣብ ቅድስቲ መሬት መንፈሳዊ ንግደ ከካይዱ ጻውዒት ከምዘቕረቡ እንክምልከት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅድስቲ መሬት ንኽበጽሑ ብፁዕ ኣቡነ ትዋል ዕድመ ከምዘቕረቡሎም ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.