2013-03-30 16:39:13

ኤሎሂ ኤሎሂ ላማ ሰበቅታኒ!


እዚ ቃል ቅዱስ ዳዊት ዝደረሶ ናይ ጭንቀት መዝሙር እንክኸውን አብ ከም በዓል መጽሐፈ ኢዮብን ካል ኦት ነቢያትን እውን ንረኽቦ፣ ብፍላይ ግን መ.ጐ.ኢ.ክ አብ ዕጸ መስቀል ኮይኑ ምስ ደገሞ ኢዩ ጉሊሑ፣
ብናይ ላቲን ሥር ዓተ አምልኾ ትማሊ ዓርቢ ስቅለት ብምንባሩ ፍሉይ ስግደትን ጸሎትን ድሕሪ ሓሊፉ ከም መደምደምታ ከአ ብልማድ አብቲ ብዙሓት ክርስትያን አብ መጀመርያ ክፍለ ዘመን ምእንቲ ክርስቶስ ደሞም ዘፍሰሱሉ አብ ሮማ ዝርከብ ዓቢ ክሉል ሜዳ ኮለሰዩም፤ ቅ.ር.ሊ.ጳ.ፍራንቸስኮስ ዝመርሕዎ ጸሎተ ፍኖተ መስቀል ብአማኢት አሽሓት ምእመናንን ነጋድያንን ቤተ ክህነትን ዝተሳፍዎ ዓሚቍ መንፈሳውነት ዝመል ኦ ጸሎት ዓሪጉ፣
ናይቲ ጸሎት ትሕዝቶን አስተንትኖን ብናይ ሊባኖስ መን እሰያት ዝተሰናደወ ኮይኑ ንብዙሓት ዝተንከፈ ነሩ፣
ቅዱስነቶም አብ መደምደምታ ዝሃብዎ ሓጺር ስብከት እውን ነዚ አብ ላዕሊ ዝጠቀስናዮ ቃል እግዚአብሔር ብናይ ዘሎናዮ ዘመን ስደትን ጭንቅን ሥቃይን ሚዛን ብዙሓት ሎሚ ከም ሎሚ ብጭንቀት አምላኸይ አምላኸይ ንምንታይ ሓዲግካኒ አብ ዘስምዕ ኩነታት ዝርከቡ አምላኽ ሱቍ ቢሉ ይርእየና አሎ? አይምልስን ድዩ? ንዝብል ሻቅሎት ከምዚ ክብሉ መሊሶም፣
“ሓንሳእ ሓንሳእ ነዚ ኩሉ እከይ ተግባር እግዚአብሔር መልሲ ዘይህበሉ ይመስለና፣ ሱቅ ቢሉ ዝጥምተና ኮይኑ ይስመዓና፣ ከም ሓቁ እንተኾይኑ ግን እግዚአብሔር ተዛሪቡ ኢዩ፤ መልሲ ሂቡ ኢዩ፤ መልሱ ከአ መስቀል ክርስቶስ ኢዩ፣ እዛ ቃል እዚአ ቃል ፍቅሪ ቃል ርኅራኄ ቃል ምሕረት ኢያ፣ ኮይኑ ግን ቃል ፍርዲ እውን ኢያ፤ እግዚአብሔር እናፍቀረና ይፈርደና፣ ነቲ ናይ ፍቅሩ ዕድመ እንተተቀቢለ ድኂነ ኢየ እንተደአ አብየዮ ግን ንር እሰይ ባዕለይ ኰኒነ ማለት ኢዩ፣ ንሱ አይኮነን ዝዅንነኒ ከመይ እግዚአብሔር አይኩንን ኢዩ፤ ንሱ ክገብሮ ዝኽ እል ምፍቅርን ምድኃንን ጥራይ ስለዝኾነ ባዕለና ንባዕልና ከም እንዅንን አይንዘንግ ዕ እንክብሉ ነቲ ናይ ፍቅሪ ጻው ዒት ድኅነት አዎንታዊ መልሲ ክንህብ አዘኻኺሮም፣
አተሓሒዞም ቅዱስነቶም ዘዘኻኸርዎ ክርስትያን ኩሉ አብዚ ጊዜ እዚ አብ ትሕቲ ብርቱዕ ዝረኤን ዘይረኤን ስደት ስለዝርከብ ከምቲ መራሒኡ ብቋንቋ መስቀል ኢዩ ክምልስ ዘለዎ፣ ቋንቋ መስቀል ከአ ቋንቋ ፍቅርን ቋንቋ ምሕረትን ኢዩ፣
ብካልእ አዘራርባ እንክገልጽዎ ንክርስቶስ ክኽተል ዝደሊ አብ ጸጽባሕ መስቀሉ ክሽከም ከምዘለዎ ክምዚ ክብሉ አዘኻኺሮም፣ “ስለዚኸስ አኅዋተይ ዕለታዊ ጕዕዞ ፍኖተ መስቀልና ንቀጽል፣ ሓቢርና ብመንገዲ መስቀል ንጐዓዝ፣ ነዛ ቃል ፍቅርን ቃል ምሕረትን ዝኾነት መስቀል እትብል ቃል አብ ልብና ሒዝና ንጐዓዝ፣ ናይቲ ዓቢ ፍቅሩ ዝገለጸልና ክርስቶስ ትንሣኤ እናተጸበና ንጐዓዝ” ቢሎም፣ ቅዱስነቶም ነቶም አብቲ ሥርዓት ብአካል ዝተሳተፉን ብመራከቢ ብዙኃን ንዝከታተሉ ሕሙማትን ዝሸምገሉን ድሕሪ ምምስጋን ብዘይካ ሓንቲ ቃል ጥራይ ክተርፍ ከምዘለዋ ከምዚ ክብሉ አዘኻኺሮም፣ “ብዙሕ ቃላት ክውስኽ አይደልን፣ አብዛ ምሸት እዚአ ሓንቲ ቃላ ጥራሕ አብ ልብና ክተትርፍ ዘለዋ፤ እታ ቃል ከአ መስቀል ኢያ፣ መስቀል ክርስቶስ እግዚአብሔር ንግብረ እከይ ናይ ዓለምና መልሲ ዝሃበላ ዓባይ ቃል ኢያ፣ ዝኸበርኩም አኅዋተይ ሎሚ እውን እንተኾነ ነቲ አብ ውሽጥናን አብ ከባቢናን ገኒኑ ዘሎ ግብረ እከይ ናይ ክርስትያን መልሲ መስቀል እንተዘይኮይኑ ካልእ አይኮነን፤ ከምቲ ክርስቶስ ንግብረ እከይ ዓለምና መስቀሉ ብምሽካም ዝመለሶ ክርስትያን እውን ወትሩ ንክፍአት መስቀሉ ብምሽካም ብሠናይ ዘበለ ነገር ክምልሶ አለዎ፣ ሎሚ ምሸት አብ ዝተገብረ ናይ ፍኖተ መስቀል ጸሎትን አስተንትኖን ካብ ሊባኖስ ዝመጹ አኅዋትና ዘቅረቡልና ሰሚ ዕና፣ ነዚ አገልግሎት እዚ ዘበርከቱልና ልዕሊ ኩሉ ግን በቲ ዝህብዎ ምስክርነት ብልቢ ከመስግኖም እደሊ፣
ነዚ ምስክርነት እዚ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 አብ ዝገበርዎ ሐዋርያዊ ምብጻሕ ሊባኖስ ርኢናዮ፣ ናይ ሓድነትን ውኅደትን መንፈስ ክርስትያንን አስላምን ካልእ ሃይማኖታትን ብዓይንና ርኢና እዚ ንማእከላይ ምብራቅን ንምሉእ ዓለምን ዓቢ ምልክት ተስፋ ኢዩ” እንክብሉ ምስጋናኦም ግሊጾም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.