2013-03-30 14:37:24

ሰሙነ ሕማማት


RealAudioMP3 ኣብ ኢጣሊያ መላእ ኣባይቲ ሲነማ ብጆቫኒ ኮሉምቡ “ኣብ ልዕሊ ንጉስ” እተሰምየ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሕማማት ዘዘንትው ፊልም ንምርኢት ከምዝቐረበ እንክምልከት። ናይቲ ምርኢት ደራሲ ኮሉምቡ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፦ ትርር ብዘበለ መልክዕ ብትኽኽል ቅዱስ መጽሓፍ መሰረት ዝገበረን ማለት ኣተራርኻ ቅዱስ መጽሓፍ ብዛዕባ ሕማማት ኢየሱስ ብሓቂ ተሪርን ዘደንጽውን ኣማውታኡ እውን ዘሰንብድ ጭኻኔ ዝተመልኦ ምዃኑ ዝንበብ ታሪኽ ንምቕራብ ኣሚቶም ዝደረስዎ ምርኢት እዩ። ብዛዕባ ሕማማት ኢየሱስ ክዝረብን ክስትንተንን ክግለጽን ንርእን ንሰምዕን፣ እቲ ሕማማቱ ብግልጺ ትርር ዝበለ መልክዑ ብዙሕ ጊዜ ክስገር እና እንርእዮ። እቲ እንነብሮ ዘሎና ዓለም ሕማምን ተሞኵሮኡን መናብርቲ ሰብ እውን እንተኾነ ብዝተፈላለየ ብናይ ስነ ምርምር መጽናዕትታት ሕማም ንኸይህሉ ዝግበር ጻዕርን ሞት እውን ከይዝከርን ከይሕሰብ ዝብል ባህሊ ኣዚዩ ዝሰፍሓሉ እዩ። ሕማም ክትከላኸሎ ዝከኣል እዩ ክይህሉ ክትገብሮ ግን ኣኽእሎት ፍጥረት ሰብ ኣይኮነን ሞት ከይህሉ ምግባር ድማ ዘይከኣል እዩ። ንስቓይን ሞትን ትርጉም ዝሃቦ እቲ ተሳቕዩ ዝሞተ ኢየሱስ እዩ። ነዚ እንነብሮ ዘሎና ባህሊ ዘሰንብድን ዝግስጽን ታሪኽ ሕማማት ኢየሱስ ክርስቶስ ዘዘንትው ተሪር ታሪኽ መሰረት ዝደረስዎ ምርኢት ተቐባልነቱ ክሳብ ክንደይ ይኸውን ዝብል ጥርጣሬ ነሩ፣ ኮይኑ ግን ኣድናቖት ኣትሪፉን ልቢ ኵሉ ማሪኹን እዩ” ኢሎም።
“እቲ ምርኢት ኣብ ወንጌል ዘሎ ቃል ዝኽተል እውን እንተኾነ እቲ ኣብ ወንጌል ዘሎ ናይ ኢየሱስ ሕማማት ታሪኽ ዝነብሮ ጽምዋን ብዘይ ቃላት ብዕምቆት ዝዛረብ ኩነት ሕማማት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘቃልሕን ዝነብርን እዩ። ስለዚህ መለኮታውነት ዘይኮነስ ሰብኣውነት ዘተኮረ ኮይኑ ነቲ ጽሞና ናይ ሕማማትን መስቀልን ምርኢት ጌርካ ብምቕራብ ሕማማትን መስቀል ኢየሱስ ዝብሎ ንምድማጽ ዝዕድም ምርኢት እዩ። ጲላጦንስ ኣብ ሕልፎ ነገር ተዋሒጡን ብዙሓት ናይ ስልጣን ምሩኻት ኮይኖም ካብ ደረት ናብ ደረት ሰገር ምባል ተሳኢንዎምን ንኢየሱስ ኣብ ሕማማቱን ስቓዩን ሓዲገምዎ ክሃድሙን ክኽህድዎን እንከለዉ ዘሎ ታሪኽን ተመክሮን ብሱቕታ ዘዘንትው እዩ። ሎሚ ናይ ኢየሱስ ዓርክን ቀረባን ምዃን ይከኣል ዶ? ናይ እምነት ትብዓት ኣሎ ዶ? ኣብ ሕማማቱ እው ኣነ ናቱ እየ ዓርኩ እየ ዶ ምበልና ወይስ ከምቶም ዝኸሓድዎን ዝረሓቕዎን ክንሃድምን ክንርሕቕን ኢና? እቲ ዝደረስዎ ምርኢት ነዞም ሕቶታት ዘቕርብ እዩ ምስ በሉ፣ ናይቲ ፊልም መደምደሚ ነቢይ ኢሳያስ ብዛዕባ ትንሳኤ እንክንበይ፦ “ድሕሪ ብዙሕ ስቓይ ንሱ ደሙቑን ተኾሊዑን ክምለስ እዩ። ዓለም ምሳኡ ክደምቕን ክኹላዕን እዩ” ብዝበሎ ቃል እዩ ኣብቲ ዝደረስዎ ፊልም እቲ ትንሳኤ እውን በዚ ቃል ትንቢት’ዚ እዩ ዝግለጽ” እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.