2013-03-28 13:22:29

ኣብ ቅዱስ መግነዝ ዘማእከለ መደብ ተሌቪዥን


RealAudioMP3 ኣብዚ ንበዓለ ፋሲካ እንቀራረበሉ ዘሎና ሰሙነ ሕማማት ዕለት 30 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ቀዳም በቲቪ ራይ እተሰምየ ብናይ ኢጣሊያ መደብር ራዲዮን ቴለቪዥን ጣቢያ ክፍሊ ራይ ኡኖ እተሰምየ ናይ ቴሌቪዥን ጣቢያ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ቶሪኖ ዝርከብ ቅዱስ መግነዝ ዘማእከለ ናይ ስነ ቅዱስ መግነዝ ሊቃውንትን ናይ ቴዮሎጊያን ፍልስፍናን ናይ ስነ ጥንቲ መጽናዕቲ ሊቃውንትን ዘሳተፈ ናይ ባህሊ መደብ ክቐርብ ምዃኑ ናይ ቶሪኖ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ቸሳረ ኖሲሊያ ትማሊ ብዛዕባ እቲ መደብ ኣማእኪሎም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዘመልከቱ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ብፁዕ ኣቡነ ኖሲሊያ ኣብቲ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ኣብ ቅዱስ መግነዝ ዘማእከለ መደብ ብምስማዐ ምርኢታዊ መራኸቢ ብዙሃን ኣቢሎም ብቐጥታ መልእኽቲ ከመሓላልፉ ምዃኖም ሓቢሮም፣ ኣብቲ መደብ ብዙሓት ብዝተፈላለዩ ሕማማት ዝተጠቕዑን ኣብ ስቓይ ዝርከቡ ህሙማን ኣካለ ስንኩላንን ብጠቕላላ እቲ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርቶስ ሕማማት ኣብ ምድራዊ ሕይወቶም ብጽኑዕ እምነቶም ከም ፍቓዱ ዝብሉ ፍቓድ ኣምላኽ ይኹን ቢሎም ብሱታፌ ዝነብሩ ክሳተፉ እውን ከምዝኾኑን ሓቢሮም፣ ቅዱስ መግነዝ እቲ ናይ መቓብር ጸልማት ዝሕብር ጥራሕ ዘይኮነ ናይ ትንሳኤ ብርሃን ሓባሪ እግዚኣብሔር ሰዓሪ ምዃኑ ዘነጽር ምልክት ተስፋን እምነትን እዩ። ኢየሱስ ንሞት ስዒሩ እዩ ዝብል እምነት እንተለና እምበኣር ንምፍቃርን ንምምሓርን ይቕረ ንምብህሃልን እዚ ኵሉ ብምቅድዳም ንመስክሮ። ብዝተፈላለየ መልእክዕ ኣብ ዝተፈላለየ መዳይ ዝንበርን ዝግለጽን ኢፍትሓውነት ንቃወም፣ ቅዱሳት ምስጢራት ኣብ ምንባሮም መታን ክንተግህ ምእንቲ ጸዋዕታ ንጸልይ። ምእንቲ ኣብ ቀቢጸ ተስፋነት ንዝወደቑን ኣብ ጸልማትን ደልሃመትን ንዝርከቡ ንጸልይ። ተኣምኖተ ሃይማኖትና ንንበር ንናዘዝ ኣብ ክርስቶስ ዘሎና እምነት ንናዘዝ። ብእግዚኣብሔር ዝኾነ ተፈጥሮ ኵሉ ብፍቕርን ለውሃትን ንዓቅብ እንክብሉ ኩሉ ነቲ መደብ ክከታተሎ ዓዲሞም ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.