2013-03-28 16:58:48

ኢየሱስ መንበሪ ገዛ የብሉን፡ መንበሪ ገዛኡ ንሕና ኢና፤ ልቢ ደቂ ሰባት ኢዩ;


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ አብ ዘቅረብዎ ፈላሚ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ንሶሙነ ሕማማት አመልኪቶም፤ “ንሶሙነ ሕማማት ከም ክርስትያን ብተግባር ብግቡእ ምንባር ማለት ካብ ገዛእ ርእስና ወጺእና ናብቶም ዓለምና ዝረሰዓቶምን ገሊፋ ወሰን ዘትሓዘቶምን ድኻታት ሓገዝ ምብርካት ኢዩ” እንክብሉ አስተምሂሮም፣
ቅዱስነቶም ደጋጊሞም ዝበልዋ ቃል ክርስትያን ካብ ገዛእ ርእሱ ክወጽእ አለዎ እትብል እያ ነራ፣ እዚ ምውጻእ እዚ ካብቲ በዘልማድ እንነብሮ ሃይማኖት ተበራቢርና ናብ ተግባር ክንሰጋገር ብግብሪ ሠናይ እምነትና ክንገልጽ ንክንክ እል ከምቲ ክርስቶስ ቤቱ አብ ልቢ ሰባት ምዃኑ ብምርዳእ ቤት ዘይነብሮ ንሕናውን ናብ ዓለም ውጽእ ቢልና አሠር ክርስቶስ ክንስዕብ ከምዘሎና አመልኪቶም፣ ንክርስቶስ ምምሳልከስ ከምቲ ንሱ አብዚ ምድራዊ ሕይወቱ አብ ዘሕለፈሉ ምድሪ እስራኤል ሕሙማት እናፈወሰ ዝሓዘኑ እናጸናነዔ ንኩሉ ብማዕረ ንድኹምን ኃያልን እናመሓረን ክሳብ እቲ ዝለዓለ መግለጺ ፍቅሪ ገዛእ ርእስኻ ምእንቲ ካልኦት ምውፋይ ስለዝኾነ አብ ዕጸ መስቀል ተሰቂሉ ምእንታና ሞይቱ ዘለዓለማዊ ሕይወት ከፈተልና፣
“ንሶሙነ ሕማማት ንክርስቶስ እናተኸተልካ ምንባር ማለትከስ ይዋእ እናበልካ ብምሕዛን ዘይኮነስ ካብ ገዛእ ርእስና ምውጻእ እንመሃረሉ ከምቲ ዝሓለፈ ሰንበት ዝሰበኽክዎ ንብጾትና ክንረክብ አብ ወሰናስን ዝነብሩ ድኻታት ክንረኽቦም ንንቀሳቀስ፤ ነቶም ርሒቆም ዘለው አኅዋትናን አኃትናን ምናዳ ነቶም ተረሲዖም ዘለው፤ ምጽንናዕን ሓገዝን ዘድልዮም ንርዳእ፤ እዚ እዩ መል እኽቲ ወንጌል፣ ምስተን አብ ውሑስ ቦታ ዘለዋ 99 አባጊዕ ተሓጺርና ከይተረፍና ከምቲ ሕያዋይ ጓሳ ነታ ዝጠፍ ኤት ንድለ፣ ንኢየሱስ ምኽታል ምስኡ ምንባር ማለትከስ ካብቲ ድኹም ናይ ልማድ ሃይማኖት ተበራቢርና እንታይ ገደሰኒ ካብ ዝብል ናይ ዘመንና ፈተና አሸኒፍና ንተግባራቱ ንቀጽል፣
ከምቲ አብ ወንጌል ማቴዎስ ነቲ ክኽተለካ ዝበሎ መንእሰይ ዝሃቦ መጠንቀቅታ “ወኻሩ ጐዳጕዲ አለዎም አዕዋፍ ሰማይውን ገዛ አለወን ወዲሰብ ግን ርእሱ ዘጸገዓላ እምኒ እኳ የብሉን” ዝበሎ ኢየሱስ መንበሪ ገዛ አይነበሮን፣
“ኢየሱስ መንበሪ ገዛ የብሉን፤ መንበሪ ገዛኡ ደቂ ሰባት ኢዩም፤ ንሕና ኢና፡ ተልእኾኡ ከአ ንዓናቅጽ ናይ እግዚአብሔር ንክኸፍተልና ኢዩ ነቲ ፍቅራዊ ናይ እግዚአብሔር አብ መንጎና ምህላው ክገልጸልና ኢዩ ተላኢኹ፣
“ብዙሕ ጊዜ ነአሽቱ ነገራት ብምግባርና ንቀስን ንአብነት ንእሽቶይ ጸሎት እንተብጻሕና ወይውን ልባትና ካልእ ነገራት እናሓሰበ እንሰም ዖ መሥዋዕተ ቅዳሴ ሰንበት ወይውን ን እሽቶይ ናይ ፍቅሪ ሥራሕ ምስ እንገብር ንቀስን ኮይኑ ግን ካብ ገዛእ ርእስና ወጺእና ንኢየሱስ ናብ ካል ኦት ንምብጻሕ ትብ ዓት ይጐድለና፣ ኢየሱስ ብዛዕባ ሕማማቱን ሞቱን ትንሣኤኡን ም እንቲ ኩሎም ርእሱ ከምዘወፍን ምንጋር ጅምር ከብል ሓዋርያ ጴጥሮስ አግልል አቢሉ አይፋልካ ከማኡ አይትበል እናበለ ክገንሖ ጀሚሩ፣ እዚ ከአ ኩሉ ጊዜ እንገብሮ ኢዩ፣ ኮይኑ ኢየሱስ ንጴጥሮስ ዝሃቦ መልሲ ዘኪርና ከም አተሓሳስባ እግዚአብሔር እምበር ከም አተሓሳስባ ደቂ ሰባት ክንመላለስ ከምዘይብልና ንፍለጥ ከመይ እግዚአብሔር ብመንገዲ ምሕረት ኢዩ ዚሓስብ፣ ሶሙነ ሕማማት ናይ ምስጋና ጊዜውን ክኸውን አለዎ ምኽንያቱ ኢየሱስ ዓናቅጽ ልባትናን ሕይወትና ቍምስናታትናን ምእንቲ ከርሑ በጃ ሓሊፉልና፤ ብዙኃት ቍምስናታት ተዓጽየን ክትር ኢ ክንደይ የሕዝን፣ ንቍምስናታትናን ምንቅስቃሳትናን ከፊቱ ንዑ ውጹ ንካልኦት አናድዩ ነቲ ሓጐስ ብርሃንን ናይ እምነትና ነካፍል ይብለና፤ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.