2013-03-23 14:21:32

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ልቢ’ቶም ዕድሎት ሰማያውያን ኣካላት ዝግደሱ ዘሕብር እዩ


RealAudioMP3 ዕለት 22 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ኩለን ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ተቐቢሎም ኣብ ናይ ሰላም ኣምር ዘተኮረ ዘስምዕዎ ዓሚዩቕ ዘረባ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ብዘይ ሓቂ ሰላም ክህሉ ዘበት” ዝበሎ ቃል ጠቒሶም ሰላምን ሓቅን ተተሓሒዞም ዝኸዱ ምዃኖ ከምዝገለጹ እንክምልከት፣ ብዛዕባ እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዘስምዕዎ ዘረባ ኣመልኪቶም ኣብ ኢጣሊያ ናይ ኪየቲ ቫስቶ ሊቀ ጳጳስ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ብፁዕ ኣቡነ ብሩኖ ፎርተ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፦ “ስልጣናዊ ትምህርቲ ቅዱስ ኣቦና ምስቲ ናይ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝተኣሳሰረን ቅጻለ እውን እዩ። ምኽንያቱ ሓቂ ጥራሕ እዩ ሓራ ዘውጽእ። ከምዚ ብምዃኑ ድማ ሓቂ ሓናጺ ናብ ሰላም ዘብጽሑ ድልድላት እዩ። ቅዱስ ኣቦና ፍራንቸስኮ ዓሚዩቕ ለውሃትን ሓዋርያን-መጋቤ በቶም ኣብ ቅድስቲ መንበር ዝርከቡ ናይ መላእ ሃገራት ልኡካነ መንግሥታት ኣቢሎም ንመላእ ዓለም ኣእዳዎም ዘርጊሖም ኣብ ሕቕፎኦም ኣንቢሮም ሰናይ ናይ መላእ ዘርኢ ሰብን ዓለምን እቲ ኣዚዩ ዘገድሶም ምዃኑን እዚ ድማ ናይ ቤተ ክርስቲያን ድላይ ከምዝኾነ የረጋግጹ። እቲ ኣብ ፍጥረት ሰብ ብኑባሬ ዘሎ ድላይ ሰላምን ዝረጋገጽ በቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብኑባሬ ዘሎ ድላይ ሓቅን ፍቕርን ብዝሃንጾ ድልድላት ምዃኑ የነጽሩ። እዚ ንገዛእ ርእሱ ነቲ ኣብ ሞንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ናይ ሓባር ዘተን ነቲ ናይ ፍጥረት ሰብ ሰናይ ዕላማ ናይ ዝጽዕሩ ልቢ መሠረት እውን ከምዝኾነ ኣብሪሆምልና እዮም። ናይ ነፍሲ ወከፍ እምነትን ሃይማኖትን ብዘየገድስ ቅዱስ ኣቦና ንመላእ ዘርኢ ሰብን ሰብ ጽቡቕ ድላይን ዘተኮረ ዘረባ ቅዱስ ኣቦና ብሓባር ንናይ ሓባር ሰናይ ምርግጋጽ ትግሁ ዝብል ምስቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብኑባሬ ተጻሒፉ ዘሎ ድላይ ሓቂ ዝነጽር እዩ። ነቲ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ እግዚኣብሔር ኩሉ ንዕቃቤ ፍጥረቱ ዝተጸውዔ እሞ ሰብ ዓቃቢ ፍጥረት ከምዝኾነን ብግዳሴን ብፍቕርን ኣልዪ ፍጥረት እግዚኣብሔር ንኸውን ከምእተጸውዔ ንግንዘብ። ስለዚህ ኩላትና ናይቲ ዕቃቤ ፍጥረት ሓላፊነት ለቢስና ኢና። እዚ ናይ ሓባር ሓላፍነት’ዚ ድማ ብዘይ ናይ ሃይማኖትን ባህልን ዓሌትን ፍልልያት እሕዋት ከምዝኾንና እዩ ዘመልክት’ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.