2013-03-23 14:16:27

ርክብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16ን


RealAudioMP3 ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን እንኮ ታሪኽ ተባሂሉ ዝንገረሉ እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ግላዊ ሎሚ ዝተኻየደ ርክብ ክኸውን እንከሎ፣ ብዛዕባ እንታይ ከምዝዘተዩን ከምዝመኸሩን ማንም ክግምቶ ዘይከአሎ እዩ። እዚ ናይ መላእ ዓለም ናይ ምራኸቢ ብዙሃን ቀዳማይ ርእሰ ጉዳይ ኮይኑ ዘሎ ዜና ዝምልከት ቫቲካን ስእላዊ ሓበሬታ የቕርብ።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እታ ዝተሓረዩላ ዕለት 13 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ንሕዝቢ ሰላምታኦምን ሓዋርያዊ ቡራኬኦምን ንምሃብ ኣብ ዝተረኽቡሉ፦ “ቅድም ቀዳድም ነቶም ናይ ሮማዊ ልሂቅ ጳጳስ በነዲክቶስ መበል 16 ንጸልይ። ኩላትና ብሓባር ምእንታኦን ንጸሊ፣ እግዚኣብሔር ክባርኾምን ቅድስቲ እኖና ማርያም ክትዕቅቦምን ንጸሊ” ብዝብል ጥዑም ቃልን ዕለት 19 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ሓዋርያዊ ስልጥኖም ብወግዒ ንምጅማር ካብ 300 ሺሕ ንላዕሊ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ምእመናንን ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት መራሕቲ መንግስታትን ርእሰ ብሔራትን ዓበይቲ ናይ ዓለም ሓቆፍ ኣካላትን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፣ ንቕዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ብፍቕርን ብኣድናቖትን ዘኪሮም ወትሩ ምእንታኦም ክንጽሊ ሓዳራ ከምዝበሉን ቀጺሎም ብስልኪ እውን ከምእተራኸቡ ቅድም ክብል ተገሊጹ እዩ።
እዚ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ዝተኻየደ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ፍራንቸስኮን ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በንዲክቶስ መበል 16ን ናይቶም ብክርስቶስ ኣሕዋት ርክብን ትሕትና ዝተመልኦ ከምዝነበረን እዚ ናይ ሮማዊ ጳጳስን ልሂቅ ሮማዊ ጳጳስን ርክብ ክርስቶሳዊ መንፈስ ዝዓሰሎ ከምዝነበረ ቅድም ክብል ቅዱነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 እታ ብገዛእ ፍቓዶም ካብ መንበረ ጴጥሮስ ሓዋርያዊ ስልጣኖም ክለቑ ምዃኖም ዝገለጹላ ዕለት ብፍላይ ድማ ዕለት 28 ለካቲት 2013 ዓ.ም. ካብ ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት እንክሰናበቱ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፦ “እግዚኣብሔር እቲ ድላዩ ዝኾነ ንኹላትና ይግለጸልና። ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት እዚ ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ብዘካይዶ ቅዱስ ዕጹው ጉባኤ ኣቢሉ ካባኻታኩም ካብ መንጎኹም ሓደ ብፁዕ ካርዲናል ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኑ ክሕርይ እዩ። መን ይኹን ልቢ እግዚኣብሕር ጥራሕ እዩ ዝፈልጦ። መንን ካበይን ምዃኑ ብዘየገድስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ እዩ። ንኣኡ ድማ ብዘይ ቅድመ ኩነትን ናጻን ምሉእን ፍጹምን ተኣዝዞ ክነብር ምዃነይ እገልጽ” እንክብሉ ከምዘረጋገጹ ዝዝከረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ ዕለት 16 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ መላእ መራኸቢ ብዙሃን ጋዜጠይናታትን ሰብ ሙያ መራኸቡ ብዙሃንን ተቐቢሎም ኣብ ሰዝምዕዎ ዘረባ፦ “ናይቲ ብፁዓን ካርዲናላት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንምሕራይ ዘካየድዎ ዕጹው ጉባኤ ዋና ተዋስኢ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ንሱ ናይ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ብገዛ ፍቓዶም ካብ ሓዋርያዊ ስልጣኖም ክለቁ ዘስተንፈሰሎም እውን መንፈስ ቅዱስ እዩ። ኩሉ ስራሕ ቅዱስ መንፈስ እዩ” እንክብሉ ከምዝገለጹ ዕለት 15 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መላእ ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዎ ዘረባ፦ ነቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዘኪሮም “ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ዓመታት ከም ተኻታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ መርሕነቶም ስልጣናዊ ኣስተምህሮኦምን ምዕዳኖምን ሕያውነቶምን እምነቶም ትሕትናኦምን ጥበቦምን ሊቅነቶምን ዝነኣድን ንቤተ ክርስቲያን ውርሻን ሃብትን እዩ” ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የዘኻኽር።
እቲ ናይ ሎሚ ርክብ ዝክረ ነገር ዘይብሉ ኮይኑ ከምእተኻየደን፣ ዝተበሃሃልዎን ዝዘተይሉን ጉዳይ ናይ ክልቲኦም ኮይኑ ኣብ ክልቲኦም ዝተርፍ እዩ። ዝተፈላለያ መራኸቢ ብዙሃንን ካልኦት ኣካላት ኣብቲ ርክብ ዝርርብ ዝተገብረሉ ጉዳይ ብግምት ክትንትኑ ዝከኣል እዩ፣ ኮይኑ ግን ምህዞ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ። እቲ ርክብን ናይ ሮማዊ ጳጳስን ልሂቅ ሮማዊ ጳጳስን ጉዳይ ኮይኑ ስለ ዝተርፍ ድማ እዩ። እዚ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ክልተ ሺሓዊ ታሪኽ ንመጀመርያ ጊዜ ዝተራእየ ታሪኻዊ ኩነት ኣብ ካስተል ጋንደልፎ ዝተፈጸመ ርክብ ሮማዊ ጳጳስን ልሂቅ ሮማዊ ጳጳስን ጉባኤ ወይ ድማ ኣኼባ ከምዘይነብረን፣ ሮማዊ ጳጳስን ልሂቅ ሮማዊ ጳጳስን ካብ ቀደም ኣትሒዞም ዝፋለጡን ዝጸሓፍዎ መጻሕፍቲ እውን እንተኾነ እቲ ሓደ ናይቲ ሓደ ዘንበበን ኣብ ሓንትን ቅድስትን ሓዋርያዊት ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ንምግልጋል ዝተጸውዑ ብምዃኖም እቲ ርክብ ጸጋ ንሕንጸት ቤተ ክርስቲያን እዩ።
ብቤተ ክርስቲያንን ኣብ ቤተ ክርስትያን ምስጢረ ስጋዌ ወትሩ ህልው እዩ። ክርስቶስ ኣብ ኩሉ ስፍራን እዋንን ግዜን ጉዕዞኡ ዝኽጽል እዩ። ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዕለት 28 ለካቲት 2013 ዓ.ም. ንጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ኣብ ዘስምዕዎ ስልጣናዊ ዘረባ፦ “ቤተ ክርስቲያን ብናይ ሰብ ምስትውዓልን ኣመክንዮን መሠረት ኣብ ክቢ ጠረጴዛ ካብ ዝተገብረ ምይይጥ ዝተወልደትን ዝቖመትን ኣይኮነትን፣ ኣብ ኩሉ ስፍራን ጊዜን ምስ ናይ ኩሉ ስፍራን ጊዜን ሕዝቢ ሓቢራ እትጓዓዝን ዝልውጥ ህያውነት እያ። ልቢ ህላዌኣ ክርስቶስ እዩ” እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 16 መጋቢት 2013 ዓ.ም.፦ ናይ ቤተ ክርስቲያን መጋቤ ክርስቶስ እዩ። ኮይኑ ግን ኣብ ታሪኽ ህላዌኣ ብናይ ዘርኢ ሰብ ነጻነት ዝሓልፍ እዩ። ካብቲ ዘርኢ ሰብ ሓደ ድማ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኑ ይሕረይ። ማእከል ቤተ ክርስቲያን ክርስቶስ እዩ። ብዘይ ክርስቶስ ቤተ ክርስቲያን ኮነ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣይምሃለዉን፣ ንቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. ዝመርሖምን ዘስተንፈሰሎምን ናይ ውሳኔኦምን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንምሕራይ ተኣኪቡ ዝነበረ ዕጹው ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላትን ዝመርሐን ዘስተንፈሰን እውን መንፈስ ቅዱስ እዩ። ቅዉም ዋና ተዋስኢ መንፈስ ቅዱስ እዩ” እንክብሉ ከምዘረጋገጽዎ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የነጽር።








All the contents on this site are copyrighted ©.