2013-03-22 19:08:04

ሰንበት ዘምኵራብ 15/3/ 2005 ዓ.ም. (3/24/ 2013)


መዝሙር፡ ቦአ ኢየሱስ ምኵራበ አይሁድ ወመሃረ ቃለ ሃይማኖት. . . . .
ንባባት፡ ፍሊጲ 3፡17~4፦1፥ ያዕ 4፡1~12፥ ግ.ሓ 5፡17~3፥ ሉቃ 9፡28~36
ስብከት፡ “እስመ ቅንአተ ቤተከ በልዓኒ፥ ትዕይርቶሙ ለእለ ይትዔየሩከ ወድቀ ላዕሌየ፤ ወቀጻዕክዋ በጾም ለነፍስየ” ንቤትካ ዘሎኒ መንፈሳዊ ቕንኢ ከም ሓዊ የንድደኒ አሎ፥ ጸርፊ እቶም ዝጸርፉኻውን አባይ ወደቐ፥ ንነፍሰይ ብጾም አሕሳእክዋ”። መዝ. 69፡9
መዝሙር፡ “ኢየሱስ አብ ቤት ጸሎት አይሁድ አተወ። ካብ መስዋዕቲ ምጽዋት እፍተወኒ አነ ንሰንበት ዋንአ ንምሕረት አቦአ እየ፥ ንቤት አቦይ ቤት ሸቐት አይትግበርዋ ቤተ ጸሎት እያ እትስመ፥ ሰንበት አኽብሩ ሠናይ ግበሩ ንብጻይኩም አፍቅሩ ንድኻታትን መሳኺንን ራሕርሑ እምነት ከተሕድሩ”።
ቤት አምላኽ ዝግብኦ ክብርን ሓለዋን የድልዮ። ቤት አምላኽ እንብሎ ክልተ እዩ ዘስምዕ፥ ብዓቢኡ እቲ አምላኾ እንፍጽመሉ ቤተክርስትያን የስምዕ አብኡ ኩሉ መስዋዕተ ቅዳሴን ካልእ ጸሎታትን ምህልላን እንፍጽመሉ ቅዱስ ቦታ እዩ ስለዚ ዝግብኦ ክብሪ ክነልብሶ ግቡእና እዩ። ካልአይ ቤት አምላኽ ክብሃል ዝክአል ልብና ሕይወትና እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ልብና ማሕደር መንፈስ ቅዱስ ከምዝኾነ ይነግረና። ቅዱስ ቍርባን ክንቅበል እንከሎና ማኅደሩ ንኸውን። ልብና እውን ነዚ ክብሪ ለቢሱ ክነብር ናታትና ሓላፍነት እዩ። አብ ታቦቱ ዝኾነ ልብና ክነብር ዘለዎ ኢየሱስ ጥራሕ እዩ ካልእ ክወርሶ አይግብአን። ልብና ማኅደር አምላኽ ክንገብሮ ክብሪ አምላኽ ርኢና ክንክእል አሎና።
ካብ ብዙሕ ህያባት አምላኽ ሓደ ርኢኻ ምኽአል ዓቢ ጸጋ እዩ። ጣዕምን ዕብየትን ምርአይ አብቲ ክንርኢ አብ ጸልማት ዝነበርናሉ ክንርዳእ ንኽእል ወይ ዝርእዩ ዝነበሩ እሞ ዝዓወሩ ምስጢር ርኢኻ ምኽአል ክንደይ ዓቢ ነገር ምዃኑ ይነግሩ። ክትርኢ እንተ ዘይከአልካ ብዙሕ ነገር ይሓልፈካ። ግዙፋዊ ምርአይ አብቲ መንፈሳዊ ምርአይ የሳግረና። ብመንፈስ ርኢኻ ምኽአል ማለት ንአምላኽን ግብሩን አለሊኻ ምኽአል ማለት እዩ።
አብ ጊዜ ጾም ክልተ ነገር ርኢና ክንክእል ንሕተት ንአምላኽን ሰብን ርኢና ክንክእል እንከሎና ዓይንና በሪሁ አሎ ማለት እዩ። ሰብ ክርኢ እንተ ኸአለ ጽቡቅን ሕማቕንን ክፈሊ ስለ ዝኽእል ዝመርጾ አብቲ ንሱ ዝደልዮ እዩ ዝምስረት። ንአምላኽን ሰብን ክንመርጽ እምብአር መጀመርያ ርኢና ክንክእል አሎና።
አብ 2ዘነገስት 6 ከም እነንብቦ ሶርያውያን ምስጢሮም ንንጉሥ እስራኤል መን ከምዝነግረሎም ከምዘሎ ክፈልጡ አሸጊርዎም ገለ ካብቶም አማኸርቲ ንጉሥ ኤልሳዕ ነብይ ከምዝኾነ ነገርዎ እሞ ሒዞም ከምጽእዎ ነታ ኤላስዕ ዝነበሮ ዓዲ ብለይቲ ክቢቦም ሓዝዋ። አገልጋሊ ኤልሳዕ ንግሆ ካብ ድቃሱ ተንሲኡ እንተ ረአየ ዓዲ ብጸላእቲ ተኸቢባ ስለዚ አብ ኤልሳዕ መጺኡ ብፍርሒ እናረዓደ ነገሮ። ኤልሳዕ ካብዞም እትርእዮም ዘሎኻ ንላዕሊ ምሳና አለዉ አይትፍራሕ በሎ፥ እንተኾነ እቲ አገልጋሊ ነቶም ከቢቦሞም ዘለዉ ሰራዊት አምላኽ ሓንቲ ክርኢ ስለ ዘይከአለ ነቲ ኤላሳዕ ዝብሎ ክአምን ከቢድዎ ስለዚ ኤላሳዕ ንእግዚአብሔር ነቶም አብዙርያ ኤልሳዕ ዘለዉ ከርእዮ ለመነ እሞ ክርኢ ከአለ ካብኡ ነቶም ናይ ሶርያ ወተሃደራት አዒንቶም አዕዊሮም ማሪኾም አብ ንጉሥ እስራኤል መሪሖም አምጽእዎም ይብል።
ገሓዚ አገልጋሊ ኤልሳዕ አብ ዙርያ ኤልሳዕ ዝነበሩ ሰራዊት አምላኽ ክርኢ አዒንቱ ብጸሎት ኤልሳዕ ተኸፊትሉ። ሎሚ ንሕና ብጸሎትና ብእምነትና አብዚ ጊዜ ጾም ንአምላኽ ክንርኢ ነቲ ንሱ ዝገብረልና ኩሉ ክነስተውዕል እሞ አብኡ ክንምለስ እንውስነሉ ጊዜ እዩ። አምላኽ ርኢና ክንክእል ክሕግዘና ክንልምኖ አሎና። እዚ እዋን ንአምልኽ ካብ ምርአይ ዝኸልአና ባዕልና ዝፈጠርናዮ ኩሉ እንስዕረሉ ነቲ ሓቀኛ ነገራት አምላኽ ዝደልዮ ክንገብር ፍቓደኛታት ክንከውን እንውስነሉ ጊዜ ሰለ ዝኾነ ናይ ኩልና ተሳትፎ ይሓትት።
ናይ ሎሚ ወንጌል ድሕሪ እቲ ኢየሱስ ንሓዋርያቱ “ወድሰብ ብዙኅ መከራ ኺጸግብ ብዓበይትን ብሊቃነ ካህናትን ብመማህራን ሕግን ኪነዓቕን ኪቕተልን ብሳልሳይ መዓልቲ ኪትንሥእን ግድን እዩ” (ሉቃ 9፡22) ድሕሪ ዝበሎ እንረኽቦ ኢና አንቢብና። እዚ ነቶም ሓዋርያት ኢየሱስ እቲ መስሕ ኮይኑ ካብ ግዝአት ሮማውያን ነጻ ከውጽኦም እሞ አብ መንግስቱ ዝለዓለ ቦታ ክረኽቡ ዝጸበዩ ዝነበሩ ከምኡ ንመንግስቲ እስራኤል ከም ብሓዲስ ከምጽአሎም (ግ.ሓ. 1፡6) ዝጽበዩ ዝነበሩ ጽቡቅ ወረ አይነበረን። ምናልባት ብዙሓት ካብኦም ነዚ ምሰምዑ እምበርዶ እቲ እንጽበዮ መስሕ እዩ? እምበርዶ ንሱ እቲ ቅቡእ አምላኽ እቲ ክመጽእ ዘልኦ እዩ? ምስኡዶ ክሳብ ኢየሩሳሌም እንታይ ከምዝኸውን ክንርኢ ክንስዕቦ ወይስ ጊዜ ከሎና ሕጂ ክንሓድጎ? እዝን ካልእን እናሓሰቡ አብ ጥርጥር ዝአተዉ ነሮም ክህልዉ ይክአል። አብዚ እዋን ኢዩ ኢየሱስ ከምቲ ኤላሳዕ ነብይ ነቲ ዝጠራጠርን ፈሪሑ አብ ላንጋ ላንጋ አትዩ ዝነበረ ጊላኡ ገሓዚ ዝገበሮ ንሓዋርያቱ ክገብረሎም ዝወሰነ።
ሓደ ንግሆ ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት ንሰለስተ መራሕቲ ካብቶም ሓዋርያቱ ንጴጥሮስ ያዕቆብን ዮውሓንስን ምስኡ አብ ጎቦ ክድይቡ እሞ ክጽልዩ ወሲድዎም። አብ ቅዱስ መጽሓፍ እምባ/ጎቦ ምስ እግዚአብሔር እትራኸበሉ ቦታ እዩ። ሙሴ ንእግዚአብሔር አብ ደብረ ሲና ተራኺብዎ፥ ከምኡ ኤልያስ አብ ጎቦ ንአምላኽ ተዛሪብዎ፥ ኢየሱስ ክጽሊ አብ እምባ ይኸይድ ነሩ፥ ድሕሪ ትንሣኤ አብ ደብረ ዘይቲ እናረአይዎ ንሰማይ ዓሪጉ። ነዚ መሰረት ገሮም አብ ዓድና ገዳማት አብያተ ክርስትያናት አብ ሓፍ ዝበለ ቦታ ይሃንጹ። አብ እምባ ምድያብ ምስ አምላኽ ምርኻብ እዩ ዘስምዕ።
ኢየሱስ ንመንፈሳዊ ዓይኒ አርድእቲ ከሕዊ እሞ ንእሽቶይ ራእይ መንግስተ ሰማይ ክህልዎም ኢሉ ነቲ ብግዙፍ ዓይኖም ክርእይዎ ዘይከአሉ ከርእዮም አብ እምባ ታቦር ወሲድዎም። አብኡ ኩሉ ሰማያዊ ሓይሊ አብ ዙርያ ክርስቶስ ከምዘሎ ርእዮም። ናይ እቲ ብዓይኒ ክርአ ዘይክአል አምላኽ ድምጺ ከአ ከምዚ ክብል ሰምዑ “እቲ ዝኃረኽዎ ወደይ እዚ እዩ ንአኡ ስምዕዎ” (ሉቃ 9፡35) ዚብል ድምፂ ሰሚዖም። እዚ እዩ ከረጋግጽዎ ዘድልዮም ዝነበረ ንሱ መን ምዃኑ ርእዮም ክኽእሉ። ንሱ ብሓቂ እቲ ዝጽበይዎ ዝነበሩ እዩ። ሰማይ ከይተረፈ መስኪሩ እዩ፥ ካብዚ ንድሓር ክሳብ አብቲ ዝስካሕክሕ ውርደትን ሞትን ዝወርዶ ክሳብ ኢየሩሳሌም ከሰንይዎ እዮም። ዝወርዶ ብዘየገድስ ንሳቶም አብዚ እዋን ሓደ ዘረጋገጽዎ ነገር አሎ ንሱ ከአ “አምላኽ አብ ጎኒ ኢየሱስ ከምዘሎ” ናይ መጨረሽታ ዓወት ናቱ ከምዝኾነ አረጋጊጾም እዮም። ብኻልእ አዘራርባ ዓይኖም ልቦም ሕልንኦም ኢየሱስ መን ምዃኑ ክርእዩ ክኢሎም።
አብ ሕይወትና ንሕና ክንደይ ጊዜ አብ ጥርጥርን ክሕደትን በጺሕና ንኸውን? ብፍላይ አብ ከቢድ ሽግር ምስ ወረድና አምላኽ አበሎ ስለምንታይ ነዚ አባይ ክፍጸም አፍቂዱ እናበልና ንሓትት። ብዙሓት አብ ሕይወቶም ብዙሕ ዕንቅፋት ዝረአዩ ከምኡ ካብ ገለ ክርስትያን አመንቲ ኢና ዝብሉ ግን ንአይ ጥዓመኒ ክብሉ ዝርአዩ ከመይ ኢሎም አብ ከምዚ ዓይነት ሕይወት አምላኽ አሎ ክብሉ ይኽእሉ። ብዙሓት ከምዚኦም ዝአመሰሉ ካብ እምነት እዮም ዝወጹ። ብዛዕባ አብ ሕይወቶም ዝተፈላለየ ወገንነት ግፍዒ ዓመጽ አብ ሕይወቶም ዝረአዩ ሕስብ ነብል እሞ፥ ስራሕ ደልዮም እንተ አመልከቱ ካብኦም ብትምህርትን ብኽእለትን ዝተሓቱ እንከለዉ ሰብ ስለ ዘለዎም ወይ ኩሉ እቲ አደናጋሪ ነገራት ዝፈልጡ ስለዝኾኑ ስራሕ ክረኽቡ ክርእዩ ከለዉ ዝስምዖም። አብ ሕብረተሰብ ብዙሓት ብዘይ ቅኑዕ መገዲ ዝተጓዕዙ ክህብትሙን ቦታ ክረኽቡ ክርእዩ ከለዉ “እግዚአብሔር አበይ አሎ” ይብሉ። ከምኡ ዘአመሰለ ብኻልእ እንተ ረኤና አብ ስድራታት ዝተፈላለየ ስቓይ ቀጻሊ ሕማም ወይ ኪዳን ክብተን ክትርኢ ከሎኻ፥ አብ መንጎ ወለድን ደቆምን አብ መንጎ አዕሩኽን በተሰብን ምፍልላይ ክወርእ ክትርኢ እንከሎኻ “ አምላኽ አበይ አሎ” ዝብል ሕቶ ይቐርብ።
አብ ገለ እዋን ሕስብ እንተ አበልና ዓለም ብምልእታ አብ ልዕለና ትወድቕ ዘላ ኮይኑ ይስምዓና። ሕይወት ትርጉም ስኢንካልኡ አብ ከቢድ ሽግርና ስቓይን አብ ዘሎናሉ እዋን ከምኡ ኩሉ ጸቢቡና ነገራት ሓርቢቱና አብ ዘሎናሉ እዋን አብ እምባ ጸሎት ክንድይብ እሞ ንአምላኽ ዓይንና ክኸፍተልና ክንልምኖ እሞ ርኢና ክንክእል። አምላኽ ናይ ዘለዓለማዊ ሕይወት ንእሽቶይ ምልክት ራእይ ክህበና እዩ እሞ እዚ ሕጂ እንርእዮ ዘሎና ጸገማት ሓጺር ምዃኑ ክንርኢ ክኢልና ንኹሉ ብዓይኒ አምላኽ ክንርዮ። ነዚ ግዝያዊ ስቓያትን ፈተነታትን አብ ሕይወት ዝጓነፈና ብዙሕ ትርጉም ከምዘይብሉ ርኢና አምላኽ አብ ጎንና ከምዘሎ ክንፈልጥ ኢና። ሓንቲ እተድልየና ንእሽቶይ ምልክት መንግስተ ሰማይ እያ። ንሳ ንዕለታዊ መስቀልናን ሽግርናን ጸርና ከምእንኽእል ክትገብረና እሞ ንኢየሱስ ክንስዕቦ ክተኽእለና እያ።
እቲ አብ ጊዜ ጾም እንጾሮ መስቀል አብቲ አብ እዋን ትንሣኤ እንቕበሎ አኽሊል እዩ ዘብጽሓና። እቶም ሰለስተ አርድእቲ ንግርማ ኢየሱስ ምስ ረአዩ ዓይኖም ተኸፊቱ ጴጥሮስ ሽዑ ጣዕሚ ሰማይ ስለ ዝረአየ አብዚ ምንባር ይሕሸና ኢሉ። ምስ ኢየሱስ ክነብር ለሚኑ አብዚ ሓደ ዳስ ንአኽን ነቶም ምሳኻ ዝዛረቡ ዝነበሩ ሙሴን ኤልያስን ከአ ክንገብረሎም እሞ አብዚ አብ ቦታ ሓጎስ ክነብር ኢሉ ለሚኑ። ገርሄኛ ልመና ግን ከአ ካብ አፍ ኩልና አብዚ እዋን ክወጽእ ዘለዎ። አብዚ ምሳኻ ክነብር ክንጽሊ ምስጢር ሕይወትና ተረዲእና ንቅድስና ክንብህጋን ክነብራና ኢልና ሕይወትና ክንመርሕ እዋኑ እዩ።
አምላኽ ጽምዋ ቦታ ይፈቱ እዩ።
ሓደ ካብቲ አብ ጊዜ ጾም ክነዘውትሮ ዝግብአና ብሕትና ንአምላኽ ክንረኽቦ። ዓይንና ሕልናና ሕይወትና ነቲ አምላኽ ካባና ዝደልዮ ርኢና ክንክእል ጊዜ ጽምዋ ክንመርጽ። ነዚ ዝሕግዙና ብዙሕ መጋበሪታ አለዉ ሱባኤ ምእታው፥ ብሕትኻ ናይ ጸሎት ጊዜ ምውሳን፥ ቅዱስ መጽሓፍ ብተመስጦ ምንባብ፥ ቅዳሴ ምስማዕ፥ ከምኡ ምስጢረ ንስሓ ምዝውታር ዝአመሰሉ ንገጽ አምላኽ ክንርኢ ይሕግዙና።
ሰብ አብ ሕይወቱ ተአምርን ለውጥን ክገብር እንተ ኾይኑ አብ ርእሱ ክአቱ አልኦ፥ እቲ ንአምላኽ አውጺኡ ብጣዕሚ ዓለምን ካልእ ነገራትን መሊኡ ዘሎ ልቡ አጽርዩ ክኽእል አለዎ። አብ ልቡ አትዩ ታቦት መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ልቡ ከለሊ እሞ ክንጽሖ ፍቓደኛ ክኸውን አለዎ። አብ አምላኽ ክምለስ አብ ልቡ ክአቱ አለዎ። ከምቲ አብ ሉቃስ 15 ዘሎ በታኒ ውሉድ አብ ልቡ ምስ ተመለሰ ንጣዕሚ ገዝኡ ከለሊ ዝኸአለ ንሕና እንው ጣዕሚ እምነትናን አምላኽናን ክንርኢ አብ ልብና ክንአቱ የድልየና።
አብ ልብና ክንአቱ ቀሊል አይኮነን ሰይጣን ሓንሳብ ዝወነኖ ልቢ ክሓድጎ ከቢድ እዩ፥ ምስ ዝፈጠርናዮ ባህሪ ውግእ ምእዋጅ እዩ ንድኽመትና አለሊና አብ አምላኽ ክንጽጋዕ እንተ ዘይኮይኑ ምምራኽና ዝለመደ ሰይጣን ብዳግም ከሸንፈና አይጽግሞን እዩ። ሰይጣን ከይዕወተልና ሕማቕ መንፈስ አብ ልብና ለጊቡ ምውጻእ ከይአብየና ሎሚ ብመንፈስ በርቲዕና ክንጽሊ የድሊ።
አብ ልብና አቲና ከምብሓድስ ንርከቦ እዚ ቅዱስ እዋን ጾም ነዚ ክሕግዘና ኩልና በብዓቕምና ንበራበር። ኦ ሕያዋይ አምላኽ መንፈስካ ፍቕርኻ ኩሉ ርእየ ኽእል ዓይነይ ክፈተለይ። ንመገዲ ኃጢአት ሓዲገ አብ ጎደና ንስሓ ክአቱ ሓግዘኒ እናበልና አብ ጽምው ቦታ ኮና ንለምኖ።
ጉዕዞ ጾምና ባሪኹ ንቕድስና ንጣዕሚ ፍቕሪ አምላኽና እነስተማቕረሉ ሓይልን ክእለትን ይሃበና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ









All the contents on this site are copyrighted ©.