2013-03-19 15:22:56

ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ መሪሕ ጥቕስን ምልክትን


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝጥቀምሉ መሪሕ ጥቅስን ምልክትን እቲ ኣብ ኣርጀንቲና ናይ ቡዌኖስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳሳት እንከለዉ ዝጥቀምሉ ዝነበረ “Miserando atque eligendo-ብምሕረት ጠመቶን ሓረዮን” ዝብል ካብ ቅዱስ ቤዳ መጽሓፈ ስብከት ዝተወስደ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕራፍ 9 ፍቕዲ ትሽዓተ፦ “ኢየሱስ ኣብቲ መደበር ቀረጽ ተቐሚጡ ንዝነበረ ማቴዎስ ዝስሙ ሰብኣይ ብምሕረትን ብፍቕርን ጠመቶ እሞ ሰዓበኒ ድማ በሎ” (ማቴ. 9፣ 9)። ካብ ዝብል ወንጌላዊ ጥቕሲ ዝተወስደ ከምዝኾነን መግለጺ ትሕትናን ዘይተሓላለኸ ሕይወት ዘነጽር ክኸውን እንከሎ ካብ ቀደም ጥቕሲ ሓዋርያዊ መርሕነቶም ዝነበረ ኮይኑ ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ እውን ቀጻልነቱ ዘረጋግጽ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ። እዚ ናይ ወንጌል ምንባብ ኣብ ሕይወት ቀዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ገና ወዲ 17 ዓመት ዕድመ እንከለዉ ኣብ 1953 ዓ.ም. በዓል ቅዱስ ማቴዎስ እተን ብምሕረት ዓይኑ ጠመጦ እሞ ጸውዖ ዝብላ ቃላት መሰረት ድምጺ ጸዋዕታ ጽን ዝበሉላ ዕለት ከምዝኾነትን፣ ብኣብነት ቅዱስ እግናጺዮ በዓል ሎዮላ ጸዋዕታ ገዳማዊ ሕይወቶም ዘለለዩላ ዕለት ምዃና ዝሓበረ መግለጺ ቅድስቲ መንበር ኣስዒቡ፣ ካህን ቀጺሎም ጳጳስ ኮይኖም ምስ ተሰምዩ እቲ ኣብ መንጎ ኢየሱስን ቅዱስ ማቴዎስን ዝነበረ ርክብን ታሪኽ ጸዋዕታ ምስ ምሕረትን ፍቕርን ብምትሕሓዝ ብምሕረት የዕይንቱ ጠመቶ እሞ ጸወዖ ዝብላ ቃላት ናይ ሓዋርያዊ ኣገልግሎቶምን መንፈሳዊ መሪሕ ጥቅሶምን ከምዝገበርዎን ሎሚ ድማ ከም ተኸታሊ ቅድስ ጴጥሮስ ዝሓረይዎ መሪሕ ጥቅሲ ምዃኑ ገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.