2013-03-19 19:32:31

ምጅማር ተል እኾ አገልግሎት መንበረ ጴጥሮስ


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ንግሆ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ፈላሚ ተልእኾ አገልግሎት መንበረ ጴጥሮስ ዝኾነ መሥዋዕተ ቅዳሴ ቅድሚ ምሥራዕ ብብፁዓን አበው ናይ ምሥራቃውያን አብያተ ክርስትያን ፓትርያርካት ተሰንዮም አብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ትሕቲ መንበረ ታቦት አብ ታሕታይ ደርቢ ዝርከብ መቃብር ቅዱስ ጴጥሮስ ብምውራድ ድሕሪ ጸሊዮምን መቃብር ቅዱስ ጴጥሮስ ድሕሪ ዓጢኖምን ክልተ ዲያቆናት ናይ ሥር ዓተ ጵጵስናኦም መለለዩ ዝኾኑ አክሚምን ቀለቤት ገፋፊ ዓሣን ወንጌልን ሒዞም እናመርሕዎም ናብ መንበረ ታቦት ደዪቦም፣ መዘምራን ክርስቶስ ይ ዕወት ክርስቶስ ይነግሥ ክርስቶስ ይእዝዝ! ንዝብል መዝሙር እናደጋገሙ ሊጣንያ ናይ ኩሎም ቅዱሳን ነታ ክንዮ ናይ ኩሉ መንግሥታት ዶባት ብምስጋር ንኩለን ነፋሳት እተተሓባብር ቤተ ክርስትያን ዘለዓለማዊ ጥዕና ክትረክብ ነቲ ሊጣንያ መድኃኔ ዓለም ናብ ሓገዛ ክመጽ እ ከማኡ እውን አብ ምሕጽንታ ነፍሲ ወከፍ ቅዱስ ወይ ቅድስቲ ንክድግፋ ወይ ክትድግፋ ንዓ ንዒ እናበሉ ጸልዮም፣ አብ ማ እከል እቲ ሊጣንያ ነዞም ብ አንቀጸ እምነት ብፍቅርን ንኩሎም ሓደ ሕዝቢ ክኾኑ ንዝ እክቡ ንር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ጸጋ ነቲ መጓሰ ከአ ተአዝዞ ይዓድል፤ ከማኡ እውን ነዞም ናይ ሮማ ሰበኻ አቡንን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ብምዃን ሎሚ አገልትሎቶም ዝጅምሩ ዘለው ር.ሊ.ጳ ፋራንቸስኮስ ኃይልን ርድ ኢት መንፈስ ቅዱስን ንኩላዊት ቤት ክርስትያን ዝሓልዩሉ ጸጋን ይዓድል፤ ክብሉ ም እንቲ ር.ሊ.ጳ ከማኡ እውን ምእንቲ መራሕቲ ሃገራትን ም እንቲ እቶም አብ ኩሉ ኵርናዓት ዓለም ኮይኖም ብኅብረት ዝጽልዩን አብ ልባቶም ሓቀኛ ሰላም ክነግሥን መብጽዓዖም ክፍጸም እውን ተማህሊሎም፣
ድሕሪ ምህለላ ቀዳሜ ዲያቆናት ብፁዕ ካርዲናል አምላኽ ዝኾነ እግዚአብሔር ነቲ ዓቢይ ጓሳ አባጊዕ ዝኾነ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ምውታን ዘተንሠኤ ነቲ ካብ መቃብር ቅዱስ ጴጥሮስ ሐዋርያ ዝተወስደ አክሚም አብ ል ዕለኹም የውርዶ፤ ንቅዱስ ጴጥሮስ ዓያውቱን አባጊዑን ክምግብ ሥልጣን ዝሃበ ሕያዋይ ጓሳ ሎሚ ነታ ቅዱስ ጴጥሮስን ጳውሎስ ብ እምነት አቦታታ ዝኾነ ቤተ ክርስትያን አቡን ኮንካ ንቅዱስ ጴጥሮስ ትኽተሉ አሊኹም፣ ካብ እግዚብሔር አብ ዝሰርጽ መንፈስ ሓቂ ነሕዋትኩም ብሓድነት እምነት ከተጸንዑ ናይ ጥበብን ቃልን እኹል ውህበት ይዓድልኩም እንክብሉ ድሕሪ ጸልዮም ቀለቤት ናይቲ ገፋፊ ዓሣ ነሩ ገፋፊ ሰብ ዝኾነ ቅ.ጴጥሮስ ሥልጣን እተመልክት ሂቦሞም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.