2013-03-19 19:28:28

ሐቀኛ ሥልጣን ነቶም ናይ መጨረሻ ኅብረተሰብ ዝኾነ ሰባት ምግልጋልን ፍጡር ንዘበለ ኩሉ ምሕላውን ኢዩ፣


ስብከት ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ፤ “ዝኸበርኩም አኅዋትን አኃትን፤ ነዚ መፈለሚ አገልግሎት ተል እኾ መንበረ ጴጥሮስ አብ በዓል ናይታ ናይ ኩላዊት ቤተ ክርስትያን ጠበቃ ዝኾነት እኖና ድንግል ማርያም ሕጹይ ቅ. ዮሴፍ ነዚ ቅዳሴ እዚ ከዕርግ ዘኽ አለኒ እግዚአብሔር አመስግን፣ እዚ አጋጣሚ እዚ ዓቢ ትርጉም ዘለዎ ኮይኑ አብ ርእሲዚ እዚ በዓል እዚ ናይቶም ብጸሎት ቅርበትናን ፍቅርናን ምስጋናን እንገልጸሎም ቅድመይ ዝነበሩ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ዕለተ ልደት እውን ኢዩ፣
ነሕዋተይ ካርዲናላትን አቡናትን ካህናትን ዲያቆናትን ሰብ ውፉይ ሕይወትን ንኩሎም ዓለማውያን ምእመንን ልባዊ ሰላምታይ ኤቅርብ፣ ናይ አኅዋት አብያተ ክርስትያንን ማኅበራትን ከማኡ እውን ናይ ዕብራውያን ወከልትን ናይ ካልኦት ሃማኖታት ወከልትን ከኽቡርና አብዚ ብምርካቦም ኤመስግን፣ ፍሉይ ልባዊ ምስጋናይ ንመራሕቲ ሃገራትን መንግሥታትን ንኩሎም ዕላውያን ወከልቲ ናይ ብዙኃት ሃገራት ዓለምናን ዲፕሎማሳውያን አካላትን ኤቅርብ፣
አብ ዝተነበ ወንጌል “ዮሴፍ ከምቲ መልአከ እግዚአብሔር ዝአዘዞ ገበረ ንሕጽይቱ ከአ ምሳኡ ወሰዳ” (ማሬ 1፤24) ዝብል ሰሚዕና፣ አብዘን ቃላት እዚኤን እቲ እግዚአብሔር ንቅዱስ ዮሴፍ ዝህቦ ተልእኮ ድሮ ጐሊሑ ይረኤ፣ ሓላዊ ምዃን፤ ናይ መን ሓላዊ እንተደአ ቢልና ናይ ማርያምን ኢየሱስን ሓላዊ፤ ኮይኑ ግን ከምቲ ብፁዕ ዮሐንስ ጳውሎስ ናይ መድሓኒ ሓላዊ እትብል ሓዋርያዊት ምሕጽንታኦም ዝበልዎ “ቅዱስ ዮሴፍ ብፍቅሪ ንማርያም ክሕለወን ንናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ሕንጸት ሓላፍነት ብታሕጓስ ዝተወፈየን ነታ ሰውነት ክርስቶስ ዝኾነትን አብነታ እኖና ቅድስት ድንግል ዝኾነትን ቤተ ክርስትያን ይሕልዋን ይከላኸለላን” ዝበልዎ እዚ ሓለዋ ቅዱስ ዮሴፍ ናብ ቤተ ክርስትያን እውን ይዝርጋሕ ኢዩ፣
ቅዱስ ዮሴፍ ነዚ ሐለዋዚ ከመይ ገቢሩ አብ ግብሪ አው ዒልዎ እንተብልና ብውሕልነት ብትሕትናን ብሱቍታን ኢዩ ኮይኑ ግን ወላውን ሓንሳእ ሓንሳይ አይረደአዮ ወትሩ ምሳኦም ብምዃንን ብምሉእ ተአማንነትን ፈጺምዎ፣ ካብ ምስ ማርያም ምሕጻይ ክሳብ ንወዲ 12 ዓመት ኢየሱስ ሕጻን አብ ቤተ መቅደስ ምውሳድ ብ ዓቢ ጥንቃቄን ንነፍሲ ወከፍ ሁመት ኩሉ ብፍቅሪ ፈጺምዎ፣ አብ ናይ ናብራ ኅዱእ ጊዜ ይኹን ክቢድ ጊዜ ካብ ጐኒ ማርያም አይተፈልየን፣ ንኽምዝገቡ ንቤተልሔም ክኸዱ ከለው፤ አብተን ዘርዕዳን ዘሐጕሳን ሰዓታት ናይ ሕርሲ፤ አብቲ ጽንኩር ዝኾነ ህድማ ንግብጺ፤ ኢየሱስ አብ ቤተ መቅደስ ምስ ጠፍኤ ሻቅሎት ዝመልኦ ምድላይ ናቱ፤ አብ መወዳእታ ከአ አብቲ ዕለታዊ ናብራኦም ዘካይዱሉ ዝነበሩን ንኢየሱስ ናይ ናብራ ጥበብ ዝመሃረሉን ናይ ናዝሬት ገዞኦም ወትሩ ምሳኦም ነበረ፣
ቅዱስ ዮሴፍ ነዙይ ናይ ማርያምን ኢየሱስን ቤተ ክርስትያንን ሓለዋ ብኸመይ ይገብሮ ቢልና እንተሓተትና ወትሩ አተናኡ ናብ እግዚአብሔር ብምግባር ነቲ ዝውሃቦ ምልክታት ብኽፉት ልቢ ብምቅባል ንመደብ አምላኽ አብ ግብሪ ከው ዕል ተሰናድዩ ብምጽባይ እንክኾን እዚ ከአ ኢዩ አብ ናይ ሎሚ ቀዳማይ ንባብ ካልአይ መጽሓፈ ሳሙኤል 7:4 ክንበብ ዝሰማዕናዮ እግዚአብሔር ንቅዱስ ዳኢት ዝሓቶ፣ እግዚአብሔር ብ ኢድ ሰብ ዝተሓንጸ ገዛ አይኮነን ዝደሊ እንታይ ደአ አብ ቃሉ አብ መደብ ድሕነቱ ምእማን ኢዩ ዝደሊ፣ እግዚአብሔር ንገዛኡ ባዕሉ ኢዩ ዝሰርሖ ኮይኑ ግን ብመንፈሱ ብዝተቀብኡ ሕያዋን አእማን ገቢሩ ኢዩ ዝሓንጾ፣ ዮሴፍ እምበአር ሓላዊ ኢዩ፤ ምኽንያቱ ከአ ንእግዚአብሔር ምስማዕ ይፈልጥ፤ ብፍቃዱ ክምራሕ ንኩሉ አብ ኢዱ ይገድፎ፤ ስለዚ ከአ ኢዩ ናብቶም ሓደራ ዝተዋህብዎ ሰባት ብአተኵሮ ዘስተብህል፤ ንኩነታት ብሓቅነት ናይ ምርዳእ ተኽ እሎ ነርዎ፤ ክቢብዎ ንዘሎ ነገራት ብጥንቃቄ ይምርምሮም በዚ ከአ ጥበበኛ ውሳኔ ክገብር ክኢሉ፣ ካብ ቅዱስ ዮሴፍ እንመሃሮ ዓቢ ነገር ንጸዋዕታ እግዚአብሔር ከመይ ገቢርና ብተወፋይነትን ስንድዋት ብምዃንን ክንምልስ ከም እንኽል ንመሃር፤ ኮይኑ ግን ናይ ክርስትያን ጸዋዕታ ሕመረት እንታይ ምዃኑ እውን ንፈልጥ፤ እዚ ክርስቶስ ምዃኑ ኢዩ፣ ንካል ኦት ክንሕሉ እንተደአ ኰና ንፍጡር ክንሕሉ እንተደአ ኰና ንክርስቶስ አብ ሕይወትና ንሓሉ፤
እንተኾነ ግና ናይ ሓለዋ ጸዋዕታ ንአና ንክርስትያን ጥራይ ዝምልከት አይኮነን፤ ክንዮዚ ዓንኬል ብምኻድ ሰብ አዊ ጸዋዕታ ኮይኑ ንኩልና ደቂ ሰባት ይምልከት፣ እዚ ማለት ከአ ከምቲ አብ ኦሪት ዘፍርጥረት ተመልኪቱ ዘሎን ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ብሕይወቱ ዘስተምሃረናን ንፍጡር ዘበለ ኩሉ ምሕላው ንጽባቄ ፍጡር ምሕላው ማለት ኢዩ፣ ልዕሊ ኩሉ ንደቂ ሰባት ምሕላው ናይ ነፍሲወከፍ ወዲሰብ ኃልዮት አጥሪኻ ንኩሎም ብፍቅሪ ምሕላይ ብሕልፊ ንሕጻናት ንዝሸምገሉን ነቶም ጽጉማት ብምዃኖም ካብ ልብና ተገሊሎም ዘለው ምሕላይ የመልክት፣ አብ ስድራ ቤት ነንሕድሕድና ክንሓሊ፤ ሰብአይን ሰበይትን ነንሕድሕዶም ክተሓላለዩ ብድሕሪኡ ሓልዮት ደቆም ክወስዱ ይኽ እሉ፤ ጊዜኡ ምስ በጽሐ ከአ እቶም ውሉድ ሓለውቲ ወለዶም ይኾኑ፣ እዚ ሓለዋ እዚ ንዕርከት ብንጽሕና ምንባር ብምትእምማን ምትሕልላው ብአኽብሮት ጽቡቅ እናተመነኻን ምትሕልላይ የመልክት፣
ወዲሰብ ነዚ ናይ ሓለዋ ሓላፍነት ከጉድል ክርከብ እንከሎ ናይ ኩሉ ፍጥረትን ናይ አኅዋትናን ኅልዮት ክጐድል ከሎ ዕንወት ቦታ ይረክብ ልቢ ከአ ይደርቅ፣ ስለዝኾነ ከአ አብ ነፍሲ ወከፍ ዘመን ናይ ታሪኽና ሓደስቲ ሄሮዱሳት እናተፈጥሩ ናይ ሞት ዕላማታት ይሕንጽ ጹ፤ የዕንው፤ ገጽ ደቂ ሰባት ከአ ይድውኑ፣
ንኩሎም አብ ቍጠባዊ ፖሎቲካውን ማኅበራውን ኃላፍነት እትርከቡ ኩሉኹም ሰብ ጽቡቅ ድላይ ዝኾንኩም ሰብኡትን አንስትን ክምሕጸነኩም ዝደልዮ ሓደራኹም! ናይቲ አብ ፍጥረት ተጻሒፉ ዘሎ መደብ አምላኽ ሓለውቲ ክትኮኑ ንፍጥረት ኩሉ ሓልው ንብጻይኩም ኅለይሉ ንከባቢ ሓልውዎ ናይ ዕነወትን ሞትን ምልክታት ንጉዕዞ ናይዚ ዓለም ክዀልፎ አይነፍቅድ፣ ኮይኑ ግን ንካልእ ክንሕሉ ክንብል ንርእስና ክንርስዕ የብልናን፣ ኃለዋ ገዛእ ርእስና እውን የድልየና ኢዩ፣ ጽልኢ ቅንአት ትዕቢት ንሕይወት ከምዘርስሑ ንዘክር፤ ኃለዋ ማለትከስ ስምዒታትናን ልብናን ምክትታል ኢዩ፤ ምኽንያቱ ከአ እቲ ዝሃንጽ ጽቡቅ ሓሳብን ዘዕኑ ሕማቅ ሓሳብን ካብኤን ስለዝወጽእ ኢዩ፣ ሕያውነት ወላውን በቍባቋት ምዃን ከፍርሃና የብሉን፣ኃልዮት ወይ ኃለዋ እንከተካይድ ዘድሊ ካልእ ትኵረት ክወሃቦ ዝግበኦ ነገር ከአ አሎ እዚ ሕያውነት ኢዩ፣ እዚ ከአ ብርኅራኄ ክግበር አለዎ፣ አብ ወንጌል እንተተመልክትና ቅ.ዮሴፍ ኃያል ተባዕን ጻዕራምን ሰብአይ ገሮም ይገልጽዎ ኮይኑ ግን አብ መንፈሱ ዓቢ ርኅራኄ ይረኤ፤ እዚ ሕመቅ አይኮነን እኳ ደአ ብአንጻሩ ናይ መንፈስ ኃይልን ፍሉይ ቈላሕታ ናይ ርኅራኄን ንካልእ ልብኻ ናይ ምኽፋትን ምፍቃርን የመልክት፣ ሕያዎት ካብ ምዃን ይኹን ርኅሩኃት ካብ ምዃን አይንፍራህ፣
ሎሚ አብ ርእሲ በዓል ቅዱስ ዮሴፍ ናይ ሥልጣነ መንበረ ጴጥሮስ ምጅማር ናይ ሓዲስ ጳጳስ ሮማ ተኸታሊ ጴጥሮስ በዓል እውን ንገብር አሎና፣ እዚ ሥልጣን የመልክት፣ ርግጽ ኢየሱስ ክርስቶስ ንቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣን ሂብዎ ኢዩ፤ ግን አየናይ ዓይነት ሥልጣን? ጐ.ኢ.ክ ንቅዱስ ጴጥሮስ ሰለስተ ጊዜ ተፍቅረኒዶ ቢሉ እንክሓቶ ሰለስተ ዕዮ ይህቦ፤ ዓያውተይ ሓሉ አባግዔይ ጓሲ አባግዔይ አብልዕ ይብሎ፣ ሓቀኛ ሥልጣን ከስ አገልግሎት ምዃኑ ፈጺምና ክንርስዕ የብልናን፤ ር.ሊ.ጳ እውን እንተኾነ ነዚ ሥልጣን እዚ አብ ግብሪ ከውዕል እንተኾይኑ አብቲ ጥርዙ አብ ዕጸ መስቀል ምውዓል ዝኾነ አገልግሎት ክጽመድ አለዎ፣ ከም ቅዱስ ዮሴፍ አብ ትሑትን ጭቡጥን እምነት ዝመልኦን አገልግሎት ብምጽማድ ንኩሎም ሕዝበ እግዚአብሔር ብፍቅርን ርሕራሔን ንኽቅበልን ክጓስን ከማኡ እውን ንኩሎም ደቂ ሰባት ብሕልፊ ከአ ከምቲ ቅዱስ ማቴዎስ አብ ወንጌሉ ብዛዕባ መወዳእታ ፍርዲ ንናይ ምሕረት ሥራሕ አመልኪቱ ዝብሎ ዝጠመየ ዝጸምኤ ዕራቁ ዝኾነ ስደተኛ ሕሙምን እሱርን ቢሉ ዘመልክቶም ድኻታት ድኹማትን ናአሽቱን ብርሕራሔ ከገልግል አለዎ፣ ብፍቅሪ ዘገልግል ጥራሕ ኢዩ ምሕላው ዝፈልጥ፣
አብ ናይ ሎሚ ካልአይ ንባብ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሮማውያን 4:18 ብዛዕባ አቦና አብርሃም “ተስፋ ኣብ ዜብሉስ: ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ኪኸውን ብተስፋ ኣመነ” ዝብል ንረክብ፣ ሎሚ እውን እንተኾነ አማዕዲና ምስ እንምለከት ደበንገረ ዝመልኦ ሰማይ ኮይኑ እንተተራእየና ብርሃን ተስፋ ክህልወናን ንሕና ተስፋ ክንከውንን አሎና፣ ንፍጡር ዘበለ ኩሉ ንደቂ ሰባትን ብ ዓይኒ ርሕራሔን ፍቅርን እናተመልከትናን እናሓሎናን ናይ ተስፋ አድማስ ከነርሑ እሞ ነዚ ደቢኑ ዘሎ ግዜና ብርሃን ጩራ ክንኮኖን ሙቀት ተስፋ ክንልግሰሉን የድሊ፣ ከምቲ አቦና አብርሃምን ቅዱስ ዮሴፍን አቦታት እምነት ብሕይወቶም ዝመስከርዎ ንሕናውን እቲ ሒዝናዮ እንጐዓዝ ተስፋ ናብቲ ብክርስቶስ ዝተራሕወልና ህልውና እግዚአብሔር አብ የብጽሓና እዚ ከአ አብቲ ጽኑዕ ከውሒ ዝኾነ እግዚአብሔር ዝተመሥረተ ኢዩ፣
አገልግሎት አቡን ሮማኸስ ን ኢየሱስን ማርያምን ፍጡር ንዘበለ ኩሉ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ብሕልፊ ከአ ነቲ ዝደኸየ ንገዛ ርእስና ምሕላው ኢዩ፣ ነዚ አብ ግብሪ ከው ዕል ኢዩ ተጸዊዑ ኮይኑ ግን ንሕና ኩልና ነታ ናይ ተስፋ ኮኸብ ከነንጸባርቃ አሎና፤ ነቲ እግዚአብሒር ዝጸገወና ኩሉ ብፍቅሪ ንሓልዎ፣
ነዙይ ተልእኾ አገልግሎተይ መንፈስ ቅዱስ ንኸሰንዮ አማልድነት ድንግል ማርያምን ቅዱስ ዮሴፍን ቅዱስ ጴጥሮስን ቅዱስ ጳውሎስን ቅዱስ ፍራንቸስኮስን ንከማልዱለይ እምሕጸን፣ ንስኹም ኩልኹም እውን ምእንታይ ክትጽልዩ እምሕጸን፣ አመን፣








All the contents on this site are copyrighted ©.