2013-03-17 17:07:41

ክርስቶስ ሕመረት ሕይወትና ኢዩ


አብዚ ጊዜ እዚ ካብቲ ልሙድ ተግባራት ቤተ ክርስትያን ብዙሕ ነገራት ይበኵር ከምዘሎ ርዱእ ኮይኑ ድሕሪ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ሮቡዕ ናይ መጀመርያ ሮቡዕ ብዘይ ሶሙናዊ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ሓሊፋ፣
አብ ዘመነ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ብአጠቃላሊ 348 አስተምህርቶታት ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ዝቀረበ እንክኸውን ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ምእመናንን ነጋድያንን ተሳቲሮሞ፣
አብዚ ዝተዋህበ አስተምህሮታት ሕይወት ሓዋርያትን ትምህሮትምን ዓበይቲ ቅዱሳንን ቅዱሳትን ቤተ ክርስትያንን ትምህርቶምን ምስክርነቶም ከማኡ እውን ዓመት ቅዱስ ጳውሎስን ካልኦትን ክሳብ እዚ ጀሚሮም ዝሓለፉ ዓመተ እምነትን አብ ጸሎት አተኵሮም ዝሃብዎ አስተምህሮታትን የጠቃልል፣
ድሕሪት ምልስ ቢልና እንተተመልከትና ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ሥልጣነ በትረ መንበረ ጴጥሮስ ምስ ተረከቡ ዝገበርዎ ፈላሚ ሓፈሻዊ አስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ናይ ዕለተ ሮቡ ዕ ብ ዕለት 27 ሚያዝያ 2005 ነበረ፣ አብቲ ዕለት’ቲ ንምንታይ በነደቶ ዝብል ስም ከምዝመረጹ እንከብርሁ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 15 አብ ጊዜ ቀዳማይ ውግ እ ዓለም አብ ዝጸንከረ ጊዜ እንክምረጹ ቅድሚ ውግ እን ድሕሪ አብ ጊዜ ውግ እን ንኽ ዓርቁ ብዙሕ ዝጸ ዓሩ እንክኾን ቀንዲ ቅዱስ በነዲክቶስ በዓል ኖርቻ ጠበቃ ጵጵስናኦም ክኸውን ከምዝመረጽዎን ንሱ ከአ ንሓድነት ኤውሮጳ መሠረት ከምዝነበረ ጠቂሶም፣
ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተኸታሊ ኮይነ አገልግሎተይ እንክጅምር ንቅዱስ በነደቶ ዝልምኖ አብ ሕይወትና ክርስቶስ ጽኑዕ ሕመረትና ክኸውን ንክሕግዘና ኢዩ፣ ክርስቶስ ወትሩ አብ ሓሳባትናን አብ ኩሉ ሥራሕናን ቀዳማይ ቦታ ይኹን፣ ቢሎም ነሮም፣
አብ ዝቀጸሉ አስተምህሮታቶም ነቲ ብፁዕ ዮሐንስ ጳውሎስ ጀሚሮሞ ዝነበሩ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ መዝሙረ ዳዊት ቀጺሎሞ፤ ካባኡ ብ2006 አብ መንጎ ኢየሱስ ክርስቶስን ቤተክርስትያኑን ዘሎ ርክብ ብዝምልከት ወላእውን ውስንነትን ድኻምነትን ወዲሰብ እንተሎ ብርሃን ናይ ጐይታ ንቤተ ክርስትያን ወትሩ ከምዘብርሃን ከምዝመርሓን አስተምሂሮም፣
እቲ ቅድሚ ዓመታት ን ኢየሱስ ክርስቶስ እወ ንቤተ ክርስትያን አይፋል ዝብል መፈክር ምስ ሓሳብ ክርስቶስ በምንም ተአምር አይተሐሓዝን ኢዩ፣ እዚ ኢየሱስ እዚ ብግላዊ ረብሓ ዝተመርጸ ናይ ሕልሚ ኢየሱስ ጥራይ ኢዩ ክኸውን ዝኽ እል፣ ብዘይ ፍጥረትን ብ አኡ ዝግለጽን ኢየሱስ ክህልወና አይክ እልን፣ እዛ ናቱ ሕላዌ እትገልጽ ማኅበረ ክርስትያን ከአ ንሱ ወትሩ ምስ አ አሎ ንር እሱ ብ አ አ ገቢሩ ይህበና ምኽንያት ሓጎስና ከአ ንሱ ኢዩ፣ እወ ክርስቶስ ምሳና አሎ፣ መንግሥቲ አምላኽ ክመጽ እ ኢዩ እንክብሉ ብወርሒ መጋቢት ዕለት 15 2006 አስተምሂሮም ነቢሮም፣
ቀጺሎም ብ2007 ሐዋርያት ቀዳሞት መሰኻኽር እምነት ከምዝኾኑ ምስ ገለጹ ንነዊሕ ግዜ ዝተጓዕዘ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ ናይ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ምሥራቃውያንን ም ዕራባውያንን አበው ካብ ቅዱስ ቀለመንጦስ በዓል ሮማን ር.ሊ.ጳን ነቲ ናይ ቄሳር ንቄሳር ናይ እግዚአብሔር ን እግዚአብሔር ዝብል ትምህርቲ ክርስቶስ ብምኽታል መንጎ ቤተ ክርስትያንን ምምሕዳር ዓለምን ንጹር ፍልልይ ዘር አየ እንክገልጹ ብርግጽ ንሰበሥልጣን ም እዛዝ የድሊ ኮይኑ ግን ብማለት ነዚ ዚስ ዕብ ቢሎም ነሮም፣
ቄሳር ኩሉ አይኮነን፤ ካል እ ሥልጣን አሎ ናይዚ ሥልጣን እዚ ምንጭን እንታይነትን ካብዚ ዓለም እዚ አይኮነን እንታይ ደአ ካብ ላዕሊ ኮይኑ እቲ ሓቀኛ ሥልጣን ሓቂ ኢዩ፣ አብ ቅድሚ ሰበሥልጣን ናይዚ ምድሪ እዚ እውን ከይተረፈ ነታ ሓቂ ክምስክር ክስማዕ ከምዘለዎ ብትብ ዓት ይገልጽ ቢሎም ነሮም፣
ብዛዕባ ቅ.አጎስጢኖስ እንከስትምህሩ ከአ ርድ ኢትን እምነትን ከምዘይጋጨው እኳ ደአ ከምዝተሓጋገዙ እውን አመልኪቶም ነሮም፣
ንኽትርዳእ እመን፤ እምነት ናብ ናይ ሓቂ አፋፈት ንም እውታው መንገዲ ይኸፈት ኮይኑ ግን ካብዚ ብዘይፍለ መንገዲ ተረዳእ ን እግዚአብሔር ንኽትረኽቦን ንኽት አምኖን ንሓቂ ድለያ ብማለት አስተምሂሮም ነሮም፣
ብ2008 ብዛዕባ ቅዱስ ጳውሎስ ምሂሮም አስ ዒቦም ከአ ዓመተ ቅዱስ ጳውሎስ አዊጆም፣
ብ2009 ዓመተ ክህነት አዊጆም ቀንዲ መሪሕ ካህናት ንክኸውን ከአ ንቆምስ አርስ ዝነበረ ቅዱስ ዮሐንስ ቫያኒ ዘተኮረ ነዊሕ አስተምህሮታት ሂቦም፣
ብ2010 ብዛዕባ ቅዱሳት ደቂ አንስትዮ ንንዊሕ ዝበለ ጊዜ ዝተኸታተለ ትምህርተ ክርስቶስ ሂቦም፣
ብ2012 ን ዓመት እምነት ዘሰናድውን ዝሕግዝ ብዛዕባ ጸሎት ሰፊሕ ትምህርቲ አቅሪቦም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.