2013-03-17 16:39:11

ቤተ ክርስትያን ንቅድሚት ክትግስግስ እትኽእል መስቀል ክርስቶስ ተሸኪምካ ብምጕዓዝ ጥራሕ ኢዩ፣


ድሕሪ ልዕሊ ሓደ ወርሒ ዝወስደ ጸሎትን አስተንትኖን ዝተፈላለዩ ክፉታትን ዕጽዋትን ጉባኤታት ብፁዓን አበው ሓዲስ ር.ሊ.ጳ ብምምርጾም ኩሎም ብኃባር ቅድሚ ትማሊ አብ ቤተ መቅደስ ሲስቲና ካፐላ ሲስቲና ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ዝመርሕዎ ናይ ምስጋና ቅዳሴ አዕሪጎም፣
ቅዱስነቶም አብቲ ቅዳሴ ዘስምዕዎ ስብከት ኩሉ ጊዜ ጐይታ ተሰኒና ክንጐዓዝ እዚ ከአ ንቤተ ክርስትያን አብ ደም ክርስቶስ ክንሃንጻ ንዝተሰቅለ ክርስቶስ ከአ ክንምስክር አሎና እንተዘየሎ ምስክርነትና ናይቲ ጸላኤ ሰናያት ዝኾነ ዲያብሎስ ዓለማውነት ኢና እንምስክር፤ በዚ መንገዲ እዚ ጥራሕ ከአ እያ ሓንቲ ዘይመንግስታዊት ናይ ግብረ ሰናይ ተቅዋም ካብ ምዃን ድሒና ቤተ ክርስትያን ንቅድሚት ክትግስግስ እትኽእል” እንክብሉ ኩልና ካብ ዝተሓተ ክሳብ እቲ ዝለዓለ አገልጋሊ ቤተ ክርስትያን ነቲ ዝተሰቅለ ክርስቶስ ብግብሪ መስቀሉ ብምሽካም ክምስክር ከምዝግበአና አዘኻኺሮም፣
እቲ ሕጽር ዝበለ ስብከት ብሰለስተ ዓናቅጽ እንክገልጽዎ ጕዕዞ ሕንጸት ምስክርነት ይብሉ፣ ቤተ ክርስትያን ሕያው ኢያ፣ ሕይወት ከአ ጕዕዞ ኢዩ፣ ቤተ ክርስትያን ክትጐዓዝ ዝተጸወዔት ስለዝኾነት ጕዕዞ እንተአቋሪጻ ጸገም አሎ ማለት ኢዩ፣
“ክሳብ እንደክም ክንጐዓዝ ንኽእል፤ ብዙሕ ነገራት ክንሃንጽ ንኽእል፤ ንክርስቶስ ክንምስክር እንተዘይክኢልና ግን ኩሉ ከንቱ ኢዩ፣ ከም ሓደ ዘይመንግሥታዊ ናይ ግብረ ሠናይ ተቅዋም እንበር እታ መርዓት ክርስቶስ ዝኾነት ቤተ ክርስትያን ክንከውን አይከአልን፣ ንቅድሚት እንተዘይመሪሽካ ደው ኢኻ ትብል ደው እንተቢልካ ከአ ዘይሰርሕ ነገር አሎ ማለት ኢዩ፣ እንክብሉ ጸዋዕታ ቤተ ክርስትያን አብቲ እምኒ ኵርናዕ ክርስቶስ ዝተመሰርተት ቤተ ክርስትያን ምህናጽ ምዃኑ ምስ እንተዘየሎ ኩሉ ሓደሽ ሓደሽ ቢሉ ከምዝፈርስ ነዚ ንምግላጽ ዚስዕብ ምሳሌ ሂቦም፣
“አብ ልዕሊ ከውሒ መስሪትካ እንተዘይሓነጽካ እንታይ ይስዕብ? ከምቲ ቈልዑት አብ ገማግም ባሕርን ርባታትን ንክጻወቱ ብሑጻ ዝሓንጽዎ ናይ ሑጻ ገዛውቲ ዝሕዞ ስለዘይብሉ ኩሉ ብሓንቲ ጊዜ ይፍንጣሕ፣ ከማኡ ብዝ አመሰለ መንገዲ ንክርስቶስ ዘይምስክር አብ ክርስቶስ ዘይአምን ን ዓለም ይምስክርን ይ አምንን፣ ንጐይታ ዘይምህለል ንዲያብሎስ ይምህለል፣ ከምቲ ዓቢ ጸሓፊ ለዮን ብሎይ ዝበሎ ንክርስቶስ ዘይምስክር ናይቲ ጸላኤ ሰናያት ዝኾነ ዲያብሎስ ዓለማውነት ይምስክር ቢሎም፣
ቅዱስነቶም ነዙይ ንምግላጽ አብነት ቅዱስ ጴጥሮስ የምጽኡ፣ ንስኻ ክርስቶስ ኢኻ ቢሉ ዝመስከረ ሓዋርያ ጴጥሮስ ጐይታ ብዛዕባ ሕማማቱን መስቀሉን ምስ ተዛረበ አይፋል ዝበለ ንሕና ካህናት አቡናት ካርዲናላት ር.ሊ.ጳ ክንዝክሮ ዘሎና ብማለት ነዚ ዚስዕብ ቢሎም፣
ብዘይ መስቀል ክንጐዓዝን ብዘይ መስቀል ክንሃንጽን ብዘይ መስቀል ክንምስክርን ምስ እንፍትን ሐዋርያት ክርስቶስ ዘይኮነስ ናይ ዓለም ኢና ወላውን ጳጳሳት ካህናት ካርዲናላት ር.ሊ.ጳ ንኹን° እንክብሉ ጽኑዕ እምነት ከምዘድሊ ነዚ ከአ አብነት ክኸውን ዝኽ እል ናይ እምነት አቦና አብርሃም ምዃኑ ገሊጾም፣
ናይተን ዝሓለፋ ዕለታት ናይ ጸጋ ብምምልካት ከአ ንኹሎም ናይ ትብ ዓት ምንጪ ክኾና ከምዚ ክብሉ አዘኻኺሮም፣
“መስቀል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ተጉዝጕዝካ ንሱ ከምዘሰንየካ ብምእማን ንቤተ ክርስትያን አብቲ አብ መስቀል ዝፈሰሰ ደም ኢየሱስ ክርስቶስ ክንሃንጻን ክብሪ ናይቲ ዝተስቅለ ክርስቶስ ክንምስክርን ይኹን፤ በዚ ከአ ቤተ ክርስትያን ንቅድሚት ትግስግስ” እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.