2013-03-16 15:28:09

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ


RealAudioMP3 ነቶም ዝተሓርዩ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዋርያዊ ተልእኾኦም ብሓጐስን ብውዕዉዕ ስምዒትን ኣብ ጎድኖም ኰይና ነሰንዮም እንክብሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ትማሊ ኣብ ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ መራኸቢ ብዙሃን ማእከል ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝመጹ ናይ ዝተፈላለያ ናይ ዜና ማእከናትን ዜና ሕትመትን ልኡኻት ጋዜጠይናታት ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣመልኪቶም፣ ብፍላይ ብዛዕባ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ ኣርጀንቲና ዝነበረ ምልካዊ ስርዓት ኣጥቢቖም ኣይተቓወሙን ንዝብል ዝፍነው ዘሎ ዜና መሰረት ኣልቦን ካብ ሓቂ ዝረሓቀ ኰነ ተባሂሉ ዝፍነው ዘሎ ናይ ምጽላም ዘመተን ጸረ ውሉደ ክህነት ምቅስቃስ ዝፈጥሮን ዝነዝሖ ዘሎ ናይ ሓሶት ወረ እዩ ኢሎም፦ ትማሊ ንጐሆ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት ሸውዓተ ኣብ ቤተ ጸሎት ሲስቲና ንመላእ ብፁዓን ካርዲናላት መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎምን ኣብቲ ናይ ዕለቱ ምንባባት ኣመርኵይዞም ሓጺር ስብከት እውን ከምዘስምዑን ገሊጾም፣ ቅድሚ ትማሊ ንጐሆ ናብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ሳንታ ማሪያ ማጆረ መንፈሳዊ ንግደት ፈጺሞም ጸሎት ኣዕሪጎም ናብ ሓዋርያዊ መንበሮም ቅድሚ ምምላሶም ኣብቲ ንቅዱስ ዕጹው ጉባኤ ንምስታፍ ምስ መጹ ቅድም ክብል ዓሪፎምሉ ናብ ዝነበረ ናብ መእንገዲ ቤተ ካህናት ከይዶም ነቲ ኣብኡ ዝነበረ ናይ ግሊ ንብረቶም ንምውሳድ በጺሖም ነቶም ኣብኡ ዝሰርሑ ኵሎም ከም ሓደ ተራ ሰብ ሰላምታ ከምዘቕረቡን፣ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ዝተሓረዩላ ዕለት 13 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ምሸት ኣብ ኣርጀንቲና ንዝርከቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብፁዕ ኣቡነ ፓውሎ ጽሸሪንግ ስልኪ ደዊሎም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዋርያዊ ስልጣኖም ብወግዒ ንምጅማር ዕለት 19 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣደባባይ ኣብ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ንኽሳተፉ ካብ ኣርጀንቲና ንኽመጹ ዝመደቡ ነቲ ኣብዚ በዓል ንምስታፍን ንመጎዓዝያን ዘውጽኦ ገንዘብ ነቶም ኣብ ኣርጀንቲና ዝርከቡ ድኻታት ከወፍይዎ ሓደራ ከምዝበሉን ብብምራጾም ኣብ ኣርጀንቲና ዝንበር ዘሎ ሓጐስን ውዕዉዕ ስምዒትት ወሰን ዘይብሉ ምዃኑን ኣብ ኣርጀንቲና ድሮ ካብ ቤተ ክርስቲያን ርሒቖም ዝነበሩን ሱታፌ ሚስጢረ ንስሓን ቅዱስ ቁርባንን ብውሑዱ ካብ 15ን 20 ዓመታት ኣቋሪጾም ዝነበሩ በሸሓት ዝቝጸሩ ምእመናን ናብ ቤተ ክርስቲያን ክምልሱ ይርአይ ከምዘሎን፣ ብሓቂ ንመላእ ቤተ ክርስቲያን ቡራኬ ከምዝኾነ ካብ ብፁዕ ኣቡነ ጽሸሪንግ ከምእተገለጸሎምን” ኣባ ሎምባርዲ ሓቢሮም ቀጺሎም ብዛዕባ እቲ ዝበሃል ዘሎ ንሱ ድማ ምስቲ ኣብ ኣርጀንቲ ኣብ ኣዋን ምልካዊ ስርዓት ኣብቲ እዋን ኣባ ቦርጎሊዮ ናይ ሕጂ ተኽታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ ኣቦና ምንም ዓይነት ርክብ ከምዘይነሮምን ናይ ሰላም ኖበል ተሸላሚ ኣርጀንቲናዊ ፐረዝ ኤስኵወቨል ዝምስክርዎን ብትሪ ነቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ምልካዊ ስርዓት ተቓውሞኦም እውን እዮም እንክብሉ ዝሃብዎ ምስክርነትን ከምኡ እውን ኣባል ማሕበረ ኢየሱሳዊ ኣባ ፍራንዝ ኻሊክስን ካልኦት ካብቲ ኣረመን ምልካዊ ስርዓት መንግስቲ ቅትለትን ጭፍጨፋን ዝተረፉ ክልተ ናይ ሰአበኻ ካህናት ዝሃብዎ ተመሳሳሊ ምስክርነት እዩ። ናይዚ ናይ ምጽላም ዘመተ በዓል ቤት ድማ እቲ ሕሉፍ ናይ ጸጋም ወድብ ምንቅስቓስ ጸረ ውሉደ ክህነት ዘለዓዕሎ ተግባር ምዃኑ ኣባ ሎምባርዲ ኣብሪሆም፣ ንገዛእ ርእሱ ናይ ኣርጀንቲና ናይ ሕግን ፍትሕን ጉዳይ ዘጻረዮን እቲ ወቐሳ ሓሶት ምዃኑ መርሚሩ ዝበጸሖ ጉዳይን በንጻሩ ምእንቲ እቶም ብዝነበረ ምልካዊ ወተሃደራዊ ስርዓት ዝሰራጠዩን ንሓደጋ ተቓሊዖም ንዝነበሩ ካብ ሓደጋ ንምድሓን ዝፈጸመዎ ናይ ዝስዋዕ ፍቕሪ ተግባርን ብዙሕ ምዃኑ ዝተገልጽን ዝተመሰከረ ሓቂ እዩ ኢሎም።
ዕለት 16 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ናይ መራኸቢ ቡዝሃን ጉዳይ ኣባላትን ሰረሕተይናታትን ተቐቢሎም መሪሕ ቃል ከምዘስምዑን ዕለት 17 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ከመረሑ ምዃኖምን እቲ ዕለት 19 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ሓዋርያዊ ስልጣኖም ብዕሊ ንምጅማር ኣብ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኩሉ ዕዱም እዩ ስለዚህ ቅድስቲ መንበር እተመሓላልፎ ንመንግስታት ኮነ ንዓበይቲ ኣካላት ፍሉይ ዕድመ ዝበሃል የሎን ኩሉ ዕዱም ምዃኑ ድማ ኣባ ሎምባርዲ ገሊጾም። ኣብ ቅድስቲ መንበር ምብጻሕ ዝፍጽሙ መራሕቲ ሃገራት ካብ ቅድስቲ መንበር ዕድመ ስለ ዝግበረሎም ዘይኮነ ቅዱስቲ መንበር እውን እተቕርቦ ዕድመ ፈጺሙ የሎን ስለዚህ መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን ብገዛእ ርእሶም ምስ ቅዱስነቶም ክንራኸብ እንክብሉ ብዘቕርብዎ ሕቶ እዩ ዝፍጸም፣ ዝነበረን ዝጸንሔን ኣሰራርሓ ቅድስቲ መንበር ድማ እዩ ዝበሉ ኣባ ሎምባርዲ ኣስዒቦም፣ “ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ ሮማ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት ላዕለዋይ መምህር ናይ ስነ ሕክምና ሊቅ ሪካርዶ ዲ ሰኚ ናይ ምሕዝነትን ቅርበትን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዋርያዊ ስልጣኖም ብወግዒ ዝጅምርሉ ዕለት እውን ከምዝሓበሩን እዚ ድማ ኣብ ኣርጀንቲና ናይ ቡዌኖስ ኣይረስ ሊቅ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል እንከለዉ ኣብ ኣርጀንቲና ምስ ዝርከብ ማሕበረሰብ ኣይሁድ ዘለዎም ሰናይ ርክብ ዘዘኻኽር እዩ” ኢሎም።
ቅድስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንፈስኮ ናይ ሮማ ጳጳስ ብምዃኖም ድማ ናይ ሰበኻ ሮማ ጳጳሳዊ ሓዋርያዊ ስልጣኖም ብወግዒ ንምጅማር ኣብ ናይ ሮማ ሰበኻ መንበረ ጳጳስ ቅዱስ ዮሓንስ ዘ ላተራኖ ባዚሊካ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ድሕሪ በዓለ ፋሲክ ከምዝኸውንን ስለዚህ እዚ ድማ እቲ ናይ ሰሙነ ሕማማት ስርዓት ሊጡርጊያ ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ንኽፍጸም ዝድርኽ እዩ። ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዕለት 19 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣኖም ብወግዒ ንምጅማር ኣብ ዘዕርግዎ መስዋእተ ቅዳሴ ከምዘይሳተፉን ኣብ ወርሒ ግንቦት ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ካብ ካስስተል ጋንደልፎ ሓዋርያዊ ሕንጻ ናብ ሃገረ ቫቲካን ባዕሎም ብጸሎትን ኣስተንትኖን መናኒ ሕይወት ክነበርሉ ዝሓረይዎን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናብ ዝርከብ ዝጽገን ዘሎ ገዳመ መናንያን ክምለሱ እዮም እንክብሉ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.