2013-03-16 15:35:22

ብፁዕ ኣቡነ ፐረጎ፦ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በቲ ዘለዎ ጉልበት መንፈስ ቅዱስ ክስተት ስደት ንኽንርዳእ ክድግፉና እዮም


RealAudioMP3 ቅድስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኣርጀንቲና ንድኻታትን ስደተይናታትን ቀረባን ከምዝነበሩን እዚ ድማ እቲ ታሪኾም ማለት ካብ ኢጣሊያ ፒዮሞንተ ናብ ኣርጀንቲና ካብ እተሰዱ ኢጣሊያውያን ዝተወለዱ ብምዃኖምን ናይ ቀረባ ታሪኽ ከምዝሕብሮ እውን ኣብ 1800 ዓመታት ብዙሓት ዜጋታታ ኢጣሊያ ንዝበለጸን ዝሓሸን መነባብሮ ናብ ካልኦት ሃገራትን ናብ ኣርጀንቲናን ከምእተሰዱን ናይ ኢጣሊያ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ስደተይታታት ክፍሊ ረድኤት ማኅብር ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ፐርጎ ጠቒሶም፣ ንብዙሓት ኣብ ኣርጀንቲና ዝነብሩን ዝተወለዱን ስደተይናታት ኢጣሊያውያን ኣርጀንቲና ካልአይቲ ኢጣሊያ ገይሮም ዝሓስብዋ ከምዝኾኑ ገሊጾም፣ ቅዱስ ኣቦና ፍራንቸስኮ ድማ ነዚ ብቐረባ ዝፈልጥዎ ጉዳይ እዩ ኢሎም።
ከምቲ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብታ እግዚኣብሔር ፍቕሪ እዩ እተሰምየት ዓዋዲት መልእኽቶም ክስተት ስደትን ከምኡ እውን ጉዳይ ተመዛበልትን ናይ ፖለቲካ ዑቕባ ሓተትን ብሓቂ ሕጹጽ መልሲ ዘድልዮ ኣብዚ እዋን’ዚ ብሰፊሕ ዝርአይ ማሕበራዊ ክስተት ምዃኑ ብዕምቆት ይትንትኑ፣ ስለዚህ ነዛ ዓዋዲት መልእኽቲ ብዕምቆት ክንርዳእን ኣብ ግብረ ከነውዕልን ብፍላይ ዝድግፍ ጉልበት ቅዱስ መንፈስ ዘለዎም እዮም።
ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበራዊ ጉዳይ ትምህርቲ ብዛዕባ መሰንልን ፍቓድን ስደተይናታት ዝህቦ መምርሒ ንጹር እዩ። ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ኣገልግሎትን ተልእኾን ድኻታትን ዝተናዕቁን ስደተይናታትን ማእከል ከምዝኾኑ ገሊጾም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነዚ ንምንባር ዘብቅዑና እዮም እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.