2013-03-14 13:33:45

ታሪኽ ሕይወት መበል 266 ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ


RealAudioMP3 በርጎሊዮ ብፁዕ ካርዲናል ኾርገ ማሪዮ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ብብፁዓን ካርዲናላት ካብ ዕለት 12 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ዝተኸፍተ ዕጹው ቅዱስ ጉባኤ ከይዲ ትማሊ ዕለት 13 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ተሓርዮም ፍራንቸስኮ ዝብል ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ መለለዪ ዝመረጹ ከም ኣባላ ማሕበር ኢየሱሳውያንን ዘይኤውሮጳዊ ካብ ላቲን ኣመሪካ ክፍሊ ዓለም ቀዳማይ ዝተሓርዩ ር.ሊ.ጳ. ክኾኑ እንከለዉ፣ ብፁዕ ካርዲናል ኾርኸ ማሪዮ ቦርጎሊዮ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ናይ ኣርጀንቲና ርእሰ ከተማ ቢዌኖስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳሳትን ኣብ ኣርጀንቲና ናይ ምስራቕ ኣቢያተ ክርስቲያን ስርዓት ናይ ዝኽተሉ ካቶሊካውያን ምእመናን መደበይና ሓዋርያዊ ስዩም ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኣርጀንቲና ዕለት 17 ታሕሳስ 1936 ዓ.ም. ናይ ኢጣሊያ መበቆል ካብ ዘለዎም ቤተ ሰብ ዝተወልዱን፣ ኣቦኦም ኣብ ናይ ኣርጀንቲና ናይ መገዲ ባቡር መጓዓዝያ ሰራሕተይናን ኣዲኦም ረጂና ሲቮሪ እመ ቢየትን ሓደ ካብቶም ሓሙሽተ ደቃቶም ክኾኑ እንከለዉ፣ ብስነ ቀመማ ግብረኣዊ ሞያ ምስ ተመረቑ ካህን ንምዃን ብዝተሰምዖም ጸዋዕታ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ቪላ ደቮቶ ኣትዮምን ዕለት 11 መጋቢት 1958 ዓ.ም. ኣብ ናይ ማሕበር ኢየሱሳውያን ቤተ ተመካርያን ኣትዮም ቀጺሎም ኣብ ሃገረ ቺለ ብናይ ስነ ሰብኣውያን ጨንፈር ትምህርቲ እውን ተመሪቖም። ኣብ 1963 ዓ.ም. ናብ ኣርጀንቲና ተመሊሶም ኣብ ናይ ሳን ሚገል ከተማ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ሳን ኾሴ ናይ ፍልስፍና መንበረ ጥበብ ኣትዮም ብፍልስፍና ከም እምተመረቑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ካብ 1964 ክሳብ 1965 ዓ.ም. ኣብ ሳን ሚገል ኣብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ሳንታ ፈ ናይ ስነ ጽሑፍን ስነ ድርስትን ከምኡ እውን ናይ ስነ ኣእምሮ መጽናዕቲ መምህር ኮይኖም ድሕሪ ምግልጋል፣ ኣብ 1966 ዓ.ም. እውን ኣብ ቡዌኖስ ኣይረስ መበረ ጥበብ ሳልቫቶረ ብተመሳሳሊ ናይ ስነ መጽናዕቲ ጨንፈር መምህር ኮይኖ ድሕሪ ምግልጋል፣ ካብ 1967 ክሳብ 1970 ዓ.ም. ብቲዮሎግያ ኣብ ሳን ሚገል ኣብ ዝርከብ ሳን ኾሴ ናይ ቲዮሎጊያ መንበረ ጥበብ ኣታዮም ብቲዮሎጊያ ከምእተመረቑን፣ ዕለት 13 ታሕሳስ 1969 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ተቐቢሎም። ቀጺሎም ካብ 1970 ክሳብ 1971 ዓ.ም. ሳልሳይ መደብ ተመክሮ ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣብ ስፐይን ኣጠናቒቖም፣ ዕለት 22 ሚያዝያ 1973 ዓ.ም. ከም ወዲ ማሕበር ኢየሱሳዊ ዓቢይ መሓላ ፈጺሞም።
ካብ 1972 ክሳብ 1973 ዓ.ም. ኣብ ሳን ሚገል ኣብ ዝርከብ ናይ ኢየሱሳውያን ተመካርያን ቤት ቪላ ባሪላሪ ገዳምን ናይ ተመካርያን ሓለቓን ናይ ቲዮሎጊያ መምህርን ከምኡ እውን ኣብ ኣርጀንቲና ናይ ማሕበር ኢየሱሳውያን ጨንፈር ሓለቓ ኣማኻሪ ኮይኖም ድሕሪ ምግልጋል ዕለት 31 ሓምለ 1973 ዓ.ም. ኣብ ኣርጀንቲና ናይ ማሕበር ኢየሱሳውያን ጨንፈር ጠቕላሊ ሓለቓ ኮይኖም ተሸይሞም ንሽዱሽተ ዓመት በዚ ሓዋርያዊ ተልእኾ ድሕሪ ምግልጋል፣ ካብ 1980 ክሳብ 1986 ዓ.ም. ናይ ቲዮሎጊያን ፍልስፍናን መንበረ ጥበብ ዋና ኣመሓዳርን ኣብ ሰበኻ ሳን ሚገል ናይ ፓትሪያርክ ሳን ኾሴ ቁምስና ቆሞስ ኮይኖም ኣገልጊሎም። መጋቢት 1986 ዓ.ም. ኣብ ጀርመን ዝለዓለ ሊቅነት ኣመስኪሮም ኣብ ኮርዶባ ናብ ዝርከብ ብማሕበር ኢየሱሳውያን ናብ እትመሓደር ቤተ ክርስትያን ተዛዊሮም ኣባት ነፍሲ ኮይኖም ከም ዘገልገሉ መግለጺ ቅዱስቲ መንበር ይሕብር።
ዕለት 20 ግንቦት 1992 ዓ.ም. ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ኣርጀንቲ ናይ ኣውካ ጳጳሳን ከምኡ እውን ናይ ሰበኻ ቡዌኖስ ኣይረስ ተሓባሪ ሊቀ ጳጳስን ንኽኾኑ ተሰሚዮም፣ ዕለት 27 ሰነ 1992 ዓ.ም. ካብ ኢድ ብፁዕ ካርዲናል ኣንቶኒዮ ኵዋርቺኖን ኣብ ቡዌነስ ኣይረስ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብፁዕ ኣቡነ ኡባልዶ ካላብረሲን ብናይ መርሰደስ ሉኻን ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኤሚሊዮ ዕግኜኖቪች ስሜተ ጵጵስና ተቐቢሎም።
ዕለት 3 ሰነ 1997 ዓ.ም. ናይ ቡዌኖስ ኣይረስ ተኻኢ ሊቀ ጳጳሳት ንኽኾኑ ተሰሚዮም ኣብ ምግልጋል እነከዉ ድሕሪ ካብዚ ዓለም ብሞት ምፍላይ ናይ ሰበኻ ቡዌነስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኵዋራሲኖ፣ ዕለት 28 ለካቲት 1998 ዓ.ም. ናይ ሰበኻ ቡዌነስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳስን ዕለት 6 ሕዳር 1998 ዓ.ም. ኣብ ኣርጀንቲ ንዝርከቡ ናይ ምስራቕ ስርዓት ሰዓብቲ ካቶሊካውያን ምእመናን ስዩም ጳጳስ ኮይኖም እውን ከምእተሸሙ እንክምልከት፣ ዕለት 21 ለካቲት 2001 ዓ.ም. ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ማዕርገ ካርዲናል ካብ እተቐበሉ ሓደ ኮይኖም ኣብ ሮማ ናይ ቅዱስ ሮበርቶ በላርሚኖ ቤተ ክርስቲያን ስዩም ጳጳስ ተባሂሎም፣ ከም ብፁዕ ካርዲናል ጥቅምቲ 2001 ዓ.ም. ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ዓስራይ ጠቕላሊ ቅዱስ ሲኖዶስ ጠቕላሊ ሓለቓ ኮይኖም ካብ ለለት 18 ክሳብ ዕለት 19 ሚያዝያ 2005 ዓ.ም. ኣብ ዝተፈጸመ መደብ መረጻ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዕጹው ቅዱስ ጉባኤ ከምእተሳተፉን፣ ካብ ዕለት 2 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 23 ጥቅምቲ 2005 ዓ.ም. ኣብ ዝተኻይደ ናይ መላእ ብፁዓን ጳጳሳት መበል 11 ፍሉይ ጠቕላሊ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣባል ቤት ምኽሪ ኮይኖም ከምዝገልገሉን፣ ናይ ስርዓት ኣምልኾን ቅዱሳት ምስጢራትን ተኸታታሊ ቅዱስ ማሕበርን ከምኡ እውን ናይ ውሉደ ክህነትን ናይ መናንያንን ናይ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ማኅበራት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበርን ናይ ስድራ ቤት ሓልዮ ቤት ምኽሪን ናይ ላቲን ኣመሪካ ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳዊ ድርገት ኣባይቲ ምኽርታት ኣባልን ከምኡ እውን ናይ ድህረ ሲኖዶስ ጉዳይ ዝኸታተል ቤት ምኽሪ ኣባል ከምዝኾኑን፣ ኣብ ኣርጀንቲና እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ድማ ኣብታ ሃገር ናይ ዝርከብ ካቶሊክ መንበረ ጥበብ ዓቢይ ሓለቓን፣ ኣብ ኣርጀንቲና ናይ ጳጳሳዊ መናብርተ ጥበብ ቤተ ምኽሪ ሊቀ መንበርን ኣብ ኣርጀንቲና ናይ ሓንትን ቅድስትን ካቶሊካዊት ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ቤት ፍርዲ ቀዳማይ ዳኛን ካብ ሕዳር 2005 ዓ.ም. ክሳብ ሕዳር 2011 ዓ.ም. ናይ ኣርጀንቲና ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ኮይኖም ከምዘገልገሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።







All the contents on this site are copyrighted ©.