2013-03-12 19:33:33

እግዚአብሔር ምእንቲ መጓሲኡ ሕይወቱ በጃ ዝህብ ሕያዋይ ጓሳ ክህበና ንጸሊ፣


ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን አበው ብፁዓን ፓትርያርክታትን ካርዲናላትን ብኃላፊ ጉባኤ ካርዲናላት ብፁዕ ካርዲናል አንጀሎ ሶዳኖ ተመሪሖም ምእንቲ መረጻ ሓዲስ ር.ሊ.ጳ ሎሚ ንግሆ አብ መንበረ ጴጥሮስ መሥዋዕተ ቅዳሴ አ ዕሪጎም፣
ሠራዒ ናይቲ ቅዳሴ ብፁዕ ካርዲናል አንጀሎ ሶዳኖ ካብ መዝሙር ዳዊት ምዕራፍ 88 ብምጥቃስ “ምሕረት አምላኽ ንዘለዓለም ክዝምር ኢየ” ዝብል መዝሙር እንደገና ሎሚ አብ መቃብር ቅዱስ ጴጥሮስ አብዚ አብ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ወሳኒ ግደ ዘለዎ ፍጻሜ ነቲ አብ ሰማያት ዘሎ እግዚአብሔር አቦና ንምስጋድ ንምምስጋንን ንምልማንን ይድገማ አለዋ እንክብሉ ነቲ ንቤተ ክርስትያኑ አብ ዘመናት ብመንፈስ ቅዱስ ሕይወት እናሃባን አብ ጕዕዞ አ ብፍቅርን ብምሕረትን ንዝደገፋ እግዚአብሔር ዝቀርብ መዝሙር ምዃኑ ገሊጾም፣
ሎሚ እውን እንተኾነ በዚ መንፈስ እዚ ተደፋፊ እና ምስ ክርስቶስ ነቲ አብ ሰማያት ዘሎ እግዚአብሔር አቦና ስለ ኩሉ ክነመስግን ብሕልፊ ከአ ብመሪሕነት ክቡር አቦና በነዲቶስ መበል 16 ዝሃበና ብርሃንን ሕይወትን ሥራሕን ነመስግኖ፣ ማዕረ ማዕረኡ ከአ ብሓዋርያዊ ኃልዮት አቦታት ፓርትያርክታትን ካርዲናላትን ንቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ብቅልጡፍ ካል እ ሕያዋይ ጓሳ ክልግሰልና ንልምኖ፣ ነዚ ንኽንገብር ከአ ብርግጽ እቲ ክርስቶስ ዘተስፈወና ዘይተሸናፍነት ናይ ቤተ ክርስትያን ይድግፈና፣ ማለት እቲ ኢየሱስ ንጴጥሮስ “ንስኻ ከውሒ ኢኻ አብ ል ዕሊዛ ከውሒ እዚ አ ከአ ቤተ ክርስትያነይ ክሃንጽ ኢየ አፍ ደገታት ሲኦል ከአ ፈጺሞም አይከሸንፍዋን ኢዮም” (ማቴ 16፤18) ዝበሎ ቃል ተስፋ እሙን ስለዝኾነ፣
እንክብሉ አብ ናይ ዕለቱ ንባባት ተመርኵሶም ብዛዕባ መልእኽቲ ፍቅሪ እግዚአብሔር ሓድነት ቤተ ክርስትያኑን ተል እኾ ር.ሊ.ጳጳሳትን ዓሚቍ ስብከት አቅሪቦም፣
ብፁዕነቶም አብ ትንቢት ኢሳያስ “ንትሑታት ብስራት ከበስርሲ እግዚኣብሄር ቀቢኡኒ እዩ እሞ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ልዕለይ እዩ። ንስቡራት ልቢ ኽዘንን፡ ንምሩኻት ሓርነት፡ ንእሱራት ከኣ ምፍታሕ ክእውጅ ለኣኸኒ። ዓመት ጸጋ እግዚኣብሄርን መዓልቲ ሕነ ኣምላኽናን ክእውጅ፡ ንዂሎም ሕዙናት ከጸናንዕ፡ ኣእዋም ጽድቂ፡ ንኽብሩ ዚኸውን ተኽሊ እግዚኣብሄር፡ ተብሂሎም ምእንቲ ኺስመዩ ድማ፡ ንሕዙናት ጽዮን ኣብ ክንዲ ሓመዂስቲ ዘውዲ ኽደፍኣሎም፡ ኣብ ክንዲ ሓዘን ከኣ ዘይቲ ሓጐስ፡ ኣብ ክንዲ መንፈስ ጓሂውን ክዳን ምስጋና ኽህቦም ለኣኸኒ።” (61፡1-3) ንዝብል ብምጥቃስ እዚ ትንቢት እቲ ነቶም አብ ባቢሎን ብስደት ዝሳቀዩ ዝነበሩ እስራኤላውያን ዝተዋህበ ኮይኑ ብ ኢየሱስ ከምዝተፈጸመ፤ እዚ ከአ መወዳእታ ዘይብሉ ፍቅሪ እግዚአብሔር ምሕረቱን ከምዝገልጽ አብሪሆም፣ እዚ ናይ ምሕረት ተል እኮ ኢየሱስ ከአ ንቤተ ክርስትያን ከምዝተዋህበ ድሕሪ ምምልካት ነዛ ቤተ ክርስትያን ንክጓሲ ከአ ጐይታ ንጴጥሮስ “ስምዖን ወዲ ዮና ተፍቅረንዶ?” ቢሉ ሰለስተ ምስ ሓተቶ “በል አባጊዔይ ጓሲ” (ዮሐ 21፤15) ክብል ይላበዎ፣ ቅዱስ አጎስጢኖስ ነዙይ እንክትርጉሞ “ሓላፍነት ጉሥነት መጓሰ ጐይታ ናይ ፍቅሪ ሥራሕ ክኸውን አለዎ” ይብል፣ እዚ ፍቅሪ እዚ ከአ አብ ውሽጥና ኮይኑ ክደፍአና ዘለዎ ብማለት ምት እስ ሳር ፍቅርን ጕስነትን አብሪሆም፣
አብ ናይ ዕለቱ ሥር ዓት ካል አይ ንባብ ብምስጋር ከአ አድላይነት ሓድነት ቤተ ክርስትያን ብዝምልከት ቅ.ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፌሶን ዝጸሓፎ መል እኽቲ ጠቂሶም፤ “ደጊም ኣነ እሱር ብጐይታ፡ ነቲ እተጸዋዕኩምሉ ጽውዓ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ እምዕደኩም ኣሎኹ። ብትሕትና ዘበለን ብለውሃትን ብህድኣትን ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ እናተጻወርኩም፡ ነቲ ሕብረት መንፈስ ብማእሰር ሰላም ጌርኩም ክትሕልውዎ፡ ተጋደሉ።” (4፤1-3) ሎሚ አብ ባዚሊካ ቅ.ጴጥሮስ ብዛዕባ ሓድነት ክርስትያን ምዝራብ ክንደይ ኮን ይጥዕም ብማለት ንሓድነት ምስ ዓደሙ እዚ ሓድነት እዚ ግን ከምቲ ቅ.ጳውሎስ ቀጺሉ ዝገልጾ ነፍሲ ወከፍ ከከምዝተቀበሎ ውህበትን ዝተፈላለየ ጸጋ ክርስቶስን ኃቢሩ ንኸገልግል አብ ብዙሕነት ዝተመሥረተ ኢዩ፤ ነቲ እንኮ ምሥጢረ ክርስቶስ ዝኾነት አካል ቤተ ክርስትያን ንምሕናጽ ከአ የገልግል ክብሉ ድሕሪ ምግላጽ ብቃል ቅ.ጳውሎስ ዛዚሞማ “ኲላትና ናብ ሕብረት እምነት፡ ናብ ፍልጠት ወዲ ኣምላኽ፡ ናብ እኹል ሰብኣይ፡ ናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ ክሳዕ እንበጽሕ፡ እቶም ቅዱሳን ነቲ ግብሪ ኣገልግሎት ንምህናጽ ስጋ ክርስቶስ ምሉኣት ምእንቲ ኪዀኑ ኢሉ፡ ንሱ ገሊኦም ሃዋርያት ገሊኦም ድማ ነብያት፡ ገሊኦም ከኣ ወንጌላውያን፡ ገሊኦምውን ጓሶትን መምህራንን ኪዀኑ ሀበ።” (4፤11-13)
አብ መወዳእታ አብቲ ናይ ዕለቱ ወንጌል ምልስ ብምባል ሕያዋይ ጓሳ ዝኾነ ኢየሱስ ነፍሱ ም እንቲ መጓሲኡ በጃ ከምዝህብን ነዚ ንኽገብር ዝግድዶ ከአ ፍቅሪ ከምዝኾነን ድሕሪ ምግላጽ ተል እኾ ር.ሊ.ጳ እዚ እምበር ካል እ ክኸውን ከምዘይክ እል ብምብራህ አብ መወዳእታ ድራር ጐይታ ነርድእቱ ዝበሎም “ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ነንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ትእዛዘይ እዚ እዩ። ሰብ ንህይወቱ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ በጃ ኼሕልፍ፡ ካብዚ ዚዐቢ ፍቕሪ የልቦን።” (ዮሐ 15፤12-13) ናይ ኩሉ ሕያዋይ ጓሳ ዝንባሌኸስ “ሕይወቱ በጃ ካልኦት ምሕላፍ ኢዩ” (ዮሐ 10፤15) እንክብሉ እግዚአብሔር ሕያዋይ ጓሳ ክህበና ንጸሊ ብማለት ስብከቶም ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.