2013-03-09 14:43:07

ዓለም ቅዱሳት የድልይዎ


RealAudioMP3 ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ንሕርየት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ብዓቢይ መንፈሳውነት ትዳለው ከምዘላ ክምልከት እንከሎ፣ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ናይ ካቶሊክ ኣቢያተ ክርስቲያን ሰበኻታትን ቁምስናታትን ካቶሊካውያን ምንቅስቃሳትን መንፈሳውያን ማሕበራትን ዓለማውያን ምእመናንን ገዳማውያንን ናይ ቤተ ክርስቲያን ሕይወት ተሳታፍነቶም ብዘረጋገጽ ዓቢይ መንፈሳውነቲ ነቲ ዓቢይ ር.ሊ.ጳ. ረኺብና ዝብል እዋጅ ንምስማዕ ኣብ ምድላዋት ከምዝርከቡን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ኣመልኪተን ናይቲ ሓድሽ ክርስትያናዊ ኣድማስ እተሰምየ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ መስራቲት ኪይራ ኣሚራንተ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርኦ ቃለ ምልልስ፦ እቲ ር.ሊ.ጳ. ረኺብና ዝብል ኣዋጅ ናዓ መንፈስ ቅዱስ ብዝብል ጸሎትን ኣስተንትኖን ዝተሰነየ ዝተሰነይ ትጽቢት ዝተነርብሮ እዩ። እቲ ሕርየት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዓቢይ ጴንጠቆስጣዊ ዕለት ዝነብርን ነቲ ቅሱነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ማንም ዘይተጸበዮ ኣብ ፍቓድ እግዚኣብሔር ብዝብተነረ ገዛእ ፍቓዶም ብዕድመ ምድፋእን ነቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝሓቶ ብቑዕ ጉልበት ኣካላዊ ሓይሊ ዝጐድሎም ብምዃኑ ክለቁ ወሲኖም ንዝተረፎም ምድራዊ ሕይወቶም ድማ ኣብ ዕጹው መናኒ ሕይወት ኣብ ጸሎትን ኣስተንትኖን ተጸሚዶም ከሕልፍዎ እንክብሉ ዝሃብዎ ውሳኔ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ድሕሪ 600 ዓመታት ንዝተራእ ክኸውን እንከሎ፣ ነዚ ሓድሽ ጸዋዕታኦም ብመናኒ ሕይወት ንቤተ ክርስቲያ ንምግልጋል ዝተጸዉዑን ምዃኖም ዝገለጽን ጽንታ ፍቓድ እግዚኣብሔር ዝተነብሮ ዓቢይ ትምህርቲ ዓቢይ መፍንሳዊ ውርሻ ንቤተ ክርስቲያን እዩ ኢለን።
ውስንነትካ ምፍላጥ ዓቢይ ምዃንካ እዩ ዝገለጽ፣ እቲ ውሳኔ ናይ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዓሚይቕ መንፈሳውን ናይ እግዚኣብሔር ሰብን ጸላይን ዘስተንትኑን ምዃኖም ዘረጋግጽ እዩ። ኣብዚ ኣነንነት ኣሕላኽነትን ዝኾነ ይዅን ዓይነት ሞራላዊ ይኹን ዘይሞርላዊ ምርጫ ብዘየገድስ እቲ ዘገድስን ዝበለጸን ደስታ ምንባር እዩ ዝብል እምነት ዝስዕብን ክቱር ርእሰ ኣምልኾ ወይ ድማ ክቱር ርእሰ ተገዳስነት ኣንነት ዝብል ናይ ሞት ባህሊ ዘስፍሕ ኣመለኻኽታ ኣብ ዝነብር ዓለም ንቅዱስ መንፈስ ብምጽላይ ዝተኻኸል ዝሕደስን እዩ እሞ፣ ክርስቲያን ብሓድሽ ክርስቶሳዊ ኣድማስ ኣብ ቤተ ክርስቲያኑ ምስ ቤተ ክርስቲያኑን ብተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኅብረት ብዘለዎም ተኸተልቲ ቅዱሳት ሓዋርያት ብፁዓን ጳጳሳት ተመሪሑ ክነብርን በዚ መገዲ እዚ ነቲ ናይ ሞት ባህሊ ክብድህ ዝተጸውዐ እዩ እንክብላ ዝሃብኦ ቃል አምልልስ አጠቓሊለን።








All the contents on this site are copyrighted ©.