2013-03-09 14:46:49

ከንያ፦ ጻውዒት ብፁዓን ጳጳሳት


RealAudioMP3 ኣብ ከንያ እቲ ዕለት 4 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ ዘረጋገጾ ውጽኢት ክሳብ ብዕሊ ዝግለጽ ኩሉ ብትዕግስትን ብምክብባርን ሰላም ብምዕቃብን ክጽበ ናይ ኬንያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብዝተሓላለፍዎ መልእኽቲ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ሚስና ናይ ዚና ኣገልግሎት እንክሕብር፣ እቲ ናይ ኬንያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ምኽትል ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ፊሊፕ ኣንዮሎ ፊርማ ዝተነብሮ ኣቲ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ኣብ ኬንያ እቶም ዝሕረዩ ርእሰ ብሔር ካብ 47 ናይ ምርጫ ነቑጣ ብውሑድ ናይ 25% ሕርያ ክረክብ ኣለዎ ዝብል ኣብታ ናይታ ሃገር ቅዋም ዝተኣታተወ ሕዳሴ፣ እቶም ዝሕረዩ ርእሰ ብሔር ናይ መላእ ሕዝቢ ድጋፍ ዘለዎም ክኾኑ ዝብልን እዚ ድማ ነቲ ክኽሰት ዝኽእል ቅድሚ ሕጂ እውን ኣብ 2007 ዕ.ም. ዝተራእየ ዓሌታውን ሃይማኖታውን ምስሕሓብ ከይህሉ ዝድርኽ ናይ ምርጫ ስልቲ ምዃኑ ክምልከት እንከሎ፣ እቶም ንምርጫ ዝቐረቡ ኣካላት እቶም ቀዳሞት ዝተቐራረበ ድምጺ ዝረኸቡ እንተድኣ ኮይኖም ድግማ ምርጫ ዕለት 11 ሚያዝያ 2013 ዓ.ም. ክካይድ ምዃኑ እውን ክፍልፈጥ እንከሎ፣ ብፁዓን ጳጳሳት ኬንያ ወደርትን ሕዝብን ውጽኢት ናይ ድምጺ ቆጸራ ብሰላምን ትዕግስትን ናይ ሃገርን ሕዝብን ጥቕሚ ብምቕዳም ክጽበዩ ሓደራ ከምዝበሉ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣቲ ኣማኒ እተሰምየ ጉባኤ ዴሞክራሲያዊ ሕብረት መራሒ ሕጹይ ተመራጺ ሙሳሊያ ሙዳቫዲ ድሮ ከምእተሰዓሩ ኣፍሊጦምን እቲ ውደራ ኣብ መንጎ ኡሁሩ ከንያታን ራኢላ ኦዲንጋ ኮይኑ ከምዝተረፈን ሙዳቫዲ ነቲ ዝስዕር ኣካል ንምድጋፍ ስንድው ምዃኖም ከምዘፍለጡን ሰላንም ሓገራዊ ሓድነት ቅድሚ ኩሉ ክስራዕ ከምዘተሓሳሰቡ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.