2013-03-09 14:38:44

ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16፦ ብዘይ ሱታፌ ደቂንስትዮ ታሪኽ ክርስትና ዝተፈልየ ምኾነ ኔሩ”


RealAudioMP3 “ብዘይ ኣስተዋጽዖ ደቂንስትዮ ታሪኽ ክርስትና ካብቲ ዘለዎ ዝተፈልየ ምኾነ ኔሩ” ዝብል ቃል ዘማእከል ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ዘቕረብዎ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከምዘመልከቱ እንክዝከር፣ እዚ ዓሚዩቕ ሓሳብ ትማሊ ዕለት 8 መጋቢት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ደቂንስትዮ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ከምእተዘከረ እንክምልከት፣ ምልስ ቢልና ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 “ልዑል ብልሓት” ደቀንስትዮ ኣብ ቤተ ክርስትያንን ሕብረተሰብን ዘለዋ ጽልዋን” ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘተኮረ ስልጣናዊ ኣስተንትኖኦም፣ ናዝሬትን መቅዳላን ኣሲዚን ሲየናን ኣቪላን ሊሰን ካልኦት ምስ ዓበይትን ሊቃውንትን ቅዱሳት ደቂንስትዮ ዝተኣሳሰር ታሪኽ ዘለወን ዓበይቲ ከተማታት ምዝካር ዝከኣል እዩ። እተን ዝተጠቕሳ ከተማታት ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያንን ታሪኽ ማህደር ቅዱሳንን ዓቢይ ስፍራ ዘለወን ምዃኑን እንክፍለጥ፣ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ካብ ኩለን ኣንስቲ ዝተባርኸትን ብሓደ ዓቢይ ፍቅሪ ዝደሓነትን ካተሪና በዓልቲ ሲየና እታ ዘይተመሃረትን መሃይምነት እውን ዘየጥፍኤት ንንጉሳት ዘደንጸወትን ንኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ዘገረመትን ተረዛ ዓባይ በዓልቲ ሰቂለ ሕሊናን ናይቲ ብነኣሽቱ ነገራት ንቅድስና ዝመርሕ መገዲ ዝሓበረት ንእሽተይ ተረዛን ብዘይ እዚኣተን ዓበይቲ ቅዱሳት እዚኣተን ቤተ ክርስቲያን እንታይን ከመይን ምኾነት ኔራ? ነዚ ዓቢይ ሕቶ’ዚ ቅዱስነቶም ልሂቅ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ዕለት 14 ለካቲት 2007 ዓ.ም. ኣብ ዘቕረብዎ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፦ “ብዘይ ለጋስን ዝስዋዕን ተግባር ብዙሓት ደቂንስትዮ ምዕባለ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ካብቲ ዘለዎ ዝተፈልየ ምኾነ ኔሩ። ስለዚህ እዩ ድማ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብታ ‘Mulieris dignitatem-ናይ ጓለንስተይቲ ክብሪ’ ኣብ እተሰምየት ሓዋርያዊት መልእኽቶም ቤተ ክርስቲያን ንኹለን ንነፍሲ ወከፍ ጓለንስተይቲ ምስጋንኣ ተቕርብ፣ ኣብ ታሪኽ ዝተራእየ ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ዝሃበ ልዑል ብልሓት ሊቅነትን ደቂንስትዮ ነመስግን” ዝበልዎ ሓሳብ ክመዘስመርሉን፣ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ 2010 ዓ.ም. ኣብ ናይ ማእከላይ ክፍለ ዘመን ዝነብራ ቅዱሳት ደቂንስትዮ ኣደን ዓለማውያን ምእመናንን ገዳማውያንን ኣማእኪሎም ዝሃብዎ ኣስተምህሮ ዘይርሳዕ ክፍሊ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ኰይኑ ዝተርፍን ኣብዚ እዋን’ዚ ንደቂንስትዮ ንምድንጋርን ንምዕፋንን ዝኣመተ ንኣኣተን ዘወግድን ዘጥፍእን ዝንጽልን ዝሰፍሕ ዘሎ ባህላውን ፖሊቲካውን ምንቅስቃሳትን ነቲ ኣብ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝተጸሕፈ ጾታዊ ፍልልያት ክህሉ ዘስገድድ መጋበርያ ገይሩ ዝሓስብ ባህሊ ጠቒሶም ኣስተምህሮ ከምዝሃቡን ዕለት 9 ለካቲት 2008 ዓ.ም. ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 20 ዓመት ‘Mulieris dignitatem-ናይ ጓለንስተይቲ ክብሪ’ ሓዋርያዊ መልእኽቲ መሠረት ገይሮም ኣብ ዘስምዕዎ ስልጣናዊ ኣስተምህሮ፦ “ነቲ ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ብሓደ ወገን ውህደት ብኻልእ መዳይ ገዛ እርሳዊ ፍሉይነት ተማላእነት ዘለዎም ገርዩ ዝፈጠሮ ፍጥረት ሰብ ምስትውዓል የድሊ” እንክብሉ ከምዘተሓሳሰቡን ነቲ፦ “ጓለንስተይቲ ዝዕምጽን ዝምዝምዝን ብኣድልዎ ዘሳቕን እቲ ዘሕዝን ድማ ሃይማኖታውን ቤተ ሰብኣውን ማሕበራውን ባህላውን መጐተ ሽፋን እናተገብረ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝፍጸም በደልን ኣድልዎን ብተወሳኺ ድማ ጾታዊ ዓመጽን ምዝመዛን ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ ዝተፈላለዩ ምህርቲ ኢንዳስትሪ ንግድ ውጽኢት ንኽህልዎ መታን ዓይነት ምህርቲ ንምውዕዋዕን ከምኡ እውን ንመጋበሪያ መዘናግዒ ንስሕበት ልብን ኣእምሮን ሰብ ተባሂሉ ጓለነስተይቲ እናተጠቀምካ ዝፍጸም ልልይ” ብዓውታ ከምዝኾነኑ ዝዝከር እዩ።
እምበኣርከስ ጓለንስተይቲ ምዝካርን መጋቢት 8 ምብዓልን ንክርስትያን፦ “ኣብ ኩነት ደቂንስትዮን ነፍሲወከፍ ጓለንስተይቲ ምሉእ ብምሉእ ክብራ ተኸቢሩላ ናይ ገዛእ ርእሳ ብቕዓትን ክእለትን ክትገጾን ኣብ ግብሪ ከተውዕሎን መታን ነዚ ዘብቕዕ ኣገልግሎት ብሓድሽ መንፈስ ኣብ ሕብረተሰብ ብዝተሓደሰ መንፈስ ንምንቕቓሕ ኣብ ዝብል ጉዳይ ምስትንታን ኣገዳሲ እዩ” እንክብሉ ዕለት 8 መጋቢት 2009 ዓ.ም. ኣብ ዘቕረብ ጉባኤ ኣስተምህሮ መልኣከ እግዚኣብሔር ከምዘተሓሳስቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የዘኻኽር።







All the contents on this site are copyrighted ©.