2013-03-07 14:12:58

ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ክርስቶስ ናይ ዘሎ እምነት ጽባቔ መስካሪ


RealAudioMP3 ናይቲ “Fraternità di Comunione e Liberazione (Cl)-ሕውነታዊ ሱታፌን ሓርነትን” ናይ እተሰምየ ካቶሊካዊ ምንቅስቃስ ሊቀ መንበር ኣባ ኹሊያን ካሮን መግለጺ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16፦ “ናይቲ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝንበር እምነት ጥራሕ ንሕይወት ምልኣት ዝህብ ምዃኑ መስካሪ” ምዃኑ ሓቢሮም፣ “ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. ኣብታ ዕለት 28 ለካቲት 2013 ዓ.ም. ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ጳጳሳዊ ሕንጻ ተረኺቦም ነቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ ምእመናን ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ መወዳእታ ሓዋርያዊ ቡራኬን ሰላምታ ሂቦም ንሓዋሩ ናብ መናንያን ሕይወት ቅድሚ ምእታዎም ማዕጹ ሓዋርያዊ ሕንጻ ካስተል ጋንዶልፎ ቅድሚ ምዕጻዉ ብሩህን ፍሽኽታ ዝዓሰሎ ደስተይና ገጽ ዝተራእዮም” እንክብሉ ገሊጾምን “እዚ ድማ ንኣኦም ክርቶስ መን ምዃኑ መግለጺ እዩ። ቅዱስነቶም ብቐጻልነት ንዓለምን ንኣናን ዝመስከርዎ ክርስትና እቲ ንናይ ወዲ ሰብ ናይ ህላዌ መሰረታዊ ሕቶታት ምሉእ መልሲ ክርስቶስ ምዃኑ ዘረጋግጽ እዩ። እዚ እዩ ድማ እቲ ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ዘመሓላለፉልና ስልጣናዊ ኵላዊ ትምህርቲ” እዩ ኢሎም።
እምነት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝሓቶም ተገድሶታት ቅዱስ ኣቦና ብቓልን ሕይወትን ከምዝገለጹን ስብከታቶም ኣስተምህሮታቶም ኣብ እምነት ዘሎ ሓጐስ ዝመስከረ ከምዝኾነ ኣባ ካሮን ገሊጾም፣ ቅድም ር.ሊ.ጳ. ንኽኾኑ ከይተሸሙ ናይቲ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማኅበር ኅየንተ እንከለዉን፣ ናይቲ ናይ ሱታፌን ሓርነትን ሕውነታዊ ምንቅስቓስ መሥራቲ ብፁዕ ኣቡነ ጁሳኒ ካብዚ ዓለም ብሞት ምስ ተፈልዩ እቲ ናይ ቀብሪ ሥነ ሥርዓት ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ባዕሎም ዝሰሩዑን ኣብ ቀረባ እዋን እውን ቅድሚ ካብ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣኖም ብገዛእ ፍቓዶም ቅድሚ ምልቃቖም ንናይ ሱታፌን ሓርነትን ሕይውነታዊ ምንቅስቓስ ኣባላት ተቐቢሎም ነዚ ሕይውነታዊ ማሕበርን ነቶም ናይቲ ማሕበር ኣባላት ካህናትን ናይ ቅዱስ ካርሎ ቦሮመዮ ሕውነታዊ ማሕበር ኣባላት ቅርበቶም ከምዘረጋገጹ ዘኪሮም፣ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋን እምነት ከመይ ጌርካ ምንባር ከምዝከኣልን ከምዝግባእን ብቓልን ሕይወትን ዘነጸሩ እዮም ምስ በሉ፣ ኣብ መንጎ እምነትን ምርምርን ዘሎ ኢተናጻግነት ርክብ እዚ ማለት ድማ ናይ ኣመክንዮ ክብሪ ምስ እምነት ዘለዎ ርክብ ዝተንተኑን ክርስትና ኣብ ሕይወት ዘጋጥም ኩነት ከምዝኾነን ነቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሕይወት ናብ ሓደ ተራ ማሕበርነት ዘየውርድ እዩ።
እግዚኣብሔር ንቤተ ክስቲያኑ ብቑዕ ዝኾነ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ክዕድለና ንጸልይ። መንፈስ ቅዱስ ነቶም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ምሕራይ ሓዋርያዊ መሰል ዘለዎም ጉባኤ ሓዋርያት መጋብያን ብፁዓን ካርዲናላት ድማ ብርሃኑ የውርደሎም፣ ነቶም ድሕሪ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝሕረዩ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ብጸሎት ንጽበይ ኣሎና እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.