2013-03-07 17:51:19

መበል ራብዓይ ርክብ ብፁዓን ካርዲናላት፣ አቀባሊ ቃል ቅድስቲ መንበር አባ ሎምባርዲ


ካብ መሉእ ዓለም ዝተአከቡ ብጹዓን ካርዲናላት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያንሐዲሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክመርጹ አብ ቫቲካን ከም ዝርከቡ ይፍለጥ።
ብጹዓን አበው ቅድሚ ኮንክላቨ ሕርያ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝጅመር አብ ሐዲሽ አዳራሽ ሲኖዶስ ተአኪቦም ሕይወት ቤተ ክርስትያን ስብከተ ቅዱስ ወንጌል ህልዊ ኩነታት ህዝበ ክርስትያን ዝምልከቱ ዓበይቲ ጉዳያት ይዝትዩ ከም ዘለዉ ክምልከት ከሎ አብ ጸሎትን አስተንትኖን ተጸሚዶም ከም ዘለዉ ተነጊሩ ።ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ብፁዓን አበው አብ ባሲሊካ ቅዱስ ጰጥሮስ ተአኪቦም ምእመናን ዝተሐወስዎ ጸሎትን አስተንትኖን ከም ዝገበሩ ክአ ተፈሊጡ አሎ።ክሳዕ ከም ሎሚ ሐሙስ ናይ ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝነበሩ በነዲክቶስ ንመንበረ ሐዋርያ ቅዱስ ጰጥሮስ ብግዛእ ፍቃዶምን ድላዮምን ካብ ዝገድፍዎ ንድሐር ውሉደ ክህነት ቤተ ክርስትያን አብ ጸሎትን አስተንትኖን ከም ዘለዉ ይፍለጥ።አብቲ ትማሊ አብ አዳራሽ ሲኖዶስ ዝተኻየደ ራብዓይ ሐፈሻዊ ርክብ ብጹዓን አበው ዓሰርተ ሾሞንተ ካርዲናላት ዲስኩር ከም ዝገበሩ ኪምልከት እንከሎ ፡ ዳርጋ ኩሎም አብዚ ግዜ”ዚ ንቤተ ክርስትያን ዝብድሁ ነገራትን ምላሽ ቤተ ክርስትያንን ዘተኮረ ዲስኩር ከም ዝገበሩ ይምልከት። ናይ ቫቲካን አቀባሊ ቃል አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ራብዓይ ሐፈሻዊ ርክብ ብጹዓን አበው አመልኪቶም ንጋዜጣኛታት መግለጺ ክህቡ ከለዉ ዓበይቲ ርእሰ ጉዳያት አብዚ ግዜ”ዚ ዓለም ለኸ ቤተ ክርስትያን አድላይነት ሐዲሽ ስብከተ ቅዱስ ወንጌል ቅድስቲ መንበርን ተቅዋማታን አብ ዙርያ ዓለም ምስ ዝርከቡ ካቶሊካውያን ረኪበ ጳጳሳት ዘለዎም ርክብ ፡ ቅርጺ ዝምረጹ ሐዲሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አድላይነት ሰናይ ምሕደራ ቤተ ክርስትያንን ዘተኮሩ ዓበይትን እዋናውያንን አድለይትን ነጥብታት ከም ዝተዘየለዮም አብሪሆም።እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይቫቲካን አቀባሊ ቃል አባ ፍደሪኮ ሎምባርዲ አብ መዓልቲ ክልተ ሰለሰተ ግዜ ከከም ንጋዜጠኛታት ቫቲካን ጣልያንን ናይ ወጻኢ ሀገራትን briefing ሐበሬታ ይህቡ ከም ዘለዉ ክፍለጥ ከሎ ፡ አብ ኮንክላቨ ዝሳተፉን ክመርጹን ክመረጹን መሰል ካብ ዘለዎም ብጹዓን ካርዲናላት 115 ቫቲካን ከም ዝአተዉ ክልተ አብዚ ቀረባ ግዜ ቫቲካን ክአትዉ ትጽቢት ይግበረልም ከም ዘሎ አብሪሆም። ።
ብሕጊ ቆኖና ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን መሠረት ልዕሊ ሰማንያ ዕድመ ዘለዎም ብፁዓን አበው አብ ሕርያ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክሳተፉ ከም ዘይፍቀድ ይፍለጥ ።ከም አጋጣሚ አብ ግዜ ሰደ ቫካንተ ባዶ ሐዋርያዊ መንበር ሰማንያ ዓመት ዝመልኡ ብጹዓን አበው አብ ሕርያ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክሳተፉ ከም ዝክእሉ ክፍለጥ ከሎ ንአብነት እነሆ ትማሊ ብጹዕ ካርዲናል ዋልተር ካስፐር ጀርመናዊ ትማሊ መበል ሰማንያ ዓመት አኽቢሮም ከም ዝሳተፉ ተፈሊጡ አሎ ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ አቀባሊ ቃል ቫቲካን አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ከም ዘመልከትዎ ብጹዓን ካርዲናላት ሕርያ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝጅመረሉ ዕለት ከም ዘይበተኽዎን ብጸሎትን አስተንትኖን ብህድአት እቲ ዕለት ክውስንዎ ኢዮም።እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ፡ ካብ 65 ሀገራት ዓለም ዝተዋጽኡ 24 ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዝምዝግቡ ሐሙሽተ ሺሕ ጋዜጠኛታት አብ አከባቢ ቫቲካን ዓሪዶም ዕለተ ሕርያ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ይጽበዩ አለዉ







All the contents on this site are copyrighted ©.