2013-03-05 13:49:40

መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን


RealAudioMP3 መበል 20 ዓመቱ ዝበዓል ዘሎ መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣደጊፎም ናይ ስነ ኣቢያተ ክርስቲያን ጉባኤን ናይ ቲዮሎጊያን ሊቅ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ዳርዩዝ ኮዋልዝይክ ብተኸታታሊ ብራዲዮ ቫቲካን ዘቕርብዎ ዘለዎ ኣስተምህሮ ብምቕጻል ሎሚ ዕለት 5 መጋቢት 2013 ዓ.ም. “እግዚኣብሔር ፈጣሪ ሰማይን ምድርን እዩ” ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣማኣኪሎም፦ ‘እግዚኣብሔር ነቲ ኵሉ ኅልው ዝኾነ ዝፈጥር ፈጣሪ” ከምዝኾነን “ምድሪ” ዝብል ቃል ነቲ ግኡዝ (ግዙፍ)ዝረኣይ ኣካል ንዘበለ ኵሉ ዝምልከት ክኸውን እንከሎ “ሰማይ” ዝብል ቃል ድማ ነቲ ዘይረኣይ ማለት መንፈሳዊ ዓለም ዝምልከት እዩ ኢሎም ምስ ገለጹ ኣስዒቦም መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፍቕዲ 328፦ “ቅዱስ መጽሓፍ ‘መላእኽቲ’ ናይ ዝብሎም ግዙፍ ኣካል ዘይብሎም መንፈሳውያን ፍጡራን ህላዌ ናይ ኣንቀጸ እምነት ሓቂ እዩ። ነዚ ዜረጋግጽ ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ምስክርነት ልክዕ ከምቲ ‘ክቡር’ ትውፊት ንጹርን ስሙርን እዩ።” እንክብል የረጋግጸልና፣ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ፦ ‘መልኣኽ’ ዝብል ቃል ናይ እግዚኣብሔር መልእኽተይና ናይ ተልእኾ ሓላፍነት ዝሕብር እዩ” እንክብል ይገልጸልና። ኣብ መዝሙረ ዳዊት ምዕ. 92፦ “…ኣብ እትኸዶ ኺሕልዉካ እግዚኣብሔር ንመላእኽቱ ኺእዝዘልካ እዩ” ዝብል ቃል ነንብብ፣ ኣብ መልእኽቲ ዕብራውያን ምዕ. 1 ፍቕዲ 14 ድማ፦ “እምበርኣ ኵላቶም መላእኽቲ ነቶም ኪድሕኑ ዘለዎም ኪሕግዙ ዝለኣኹ ኣብ ኣገልግልጎት ኣግዚኣብሔር ዘለዉ መናፍስቲ እዮም።” እንክብል መንነት መልእኽቲ ይገልጸልና። ኢየሱስ ኣብ ተልእኾኡ ብመላእኽቲ ተሰንዩ እዩ።
መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ባዝሊዮስ በዓል ቀሳርያ “ኣብ ጐድኒ ነፍስወከፍ ምእመን መጠን ሓላውን ጓሳን ኮይኑ ናብ ሕይወት ዚመርሖ መልኣኽ ኣለዎ” ዝበሎ ቃል ይውከስ (መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቍ. 336 ርአ)። ስለዚ ምስ ሓላዊ መልእኽ ልክዕ ከም ምስ ሓደ ዓርኪ ክንመክር ዝተጸዋዕና ኢና። ናብ ሓላዊ መልኣኽ ዝግበር ጸሎት ንሕጻናትን ንትሕቲ ዕድመ ዜጋታት ዝምልከት ጥራሕ ኣይኮነን፣ ብዛዕባ እዚ ድማ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ መበል 23 ሰናይ ምስክርነት፦ “ምስ ሓደ ዓቢይ ኣካል ክራኸብ ወይ ድማ ክበጽሕ እንተድኣ ኰይነ ሓላዊ መልኣኽይ ምስቲ ዝራኸቦ ኣካል ሓላዊ መልኣኽ ክሰማማዕ መታን ይጽውዖ እዚ ድማ ናይ ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ፒዮስ መበል 11 ኣብ ልዕሊ ሓላዊ መልኣኽ ዘለዎም እማኔ የዘኻኽረኒ ዝበልዎ ቃል ጠቒሲም ኮይኑ ግን መላእኽቲ መለኮታውያን ከምዘይኮኑ ምዝካር የድሊ። ንሳቶም ናይቲ ሓደን ስላሴን እግዚኣብሔር መልእኽተይናታት እያቶም” እንክብሉ ኣብ ኮዋልዝይዝ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.