2013-03-02 13:44:45

ፍሉይ ኩነት ናይ ልሂቅ ሮማዊ ጳጳስ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣን ፍጻሜ


RealAudioMP3 ናይታ ናይ ኢየሱሳውያን “La Civiltà Cattolica-ካቶሊካዊ ስልጣነ” እተሰምየት ክልተ ሰሙናዊት መጽሔት ዋና ኣሰናዳኢ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ኣንቶኒዮ ስፓዳሮ ኣብዚ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ መራኸቢ ቡዙሃን ኣዚዩ ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎ እዋን ናይ ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳስን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ፍቓድ ኣግዚኣብሔር ብዝተነብረ ገዛእ ፍቓዶም ካብ ተኸትሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዋርያዊ ስልጣኖም ክለቁ ድሕሪ ምውሳኖም ዕለት 28 ለካቲት 2013 ዓ.ም. ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ መንበር ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ክፉት ዝኾነሉ ሰዓት ሸሞንተን ሓደ ደቒቓን ቅድሚ ምእካሉ በቲ ናይቲ ትዊተር እተሰምየ ማሕበራዊ መርበብ ዝጥቀምሉ “@pontifex-ፖንተፊክስ” ብእተሰምየ ኣድራሻኦም ንኹሎም ናይ ትዊተር ሰዓብቶም “ንፍቕርኹምን ምእንታይ ንእተዕርግዎ ጸሎትን የመስግን፣ ክርስቶስ ናይ ሕይወት ማእከል ብምግባር ዝንበር ሓጎስ ኣብ ሕይወትኩም ወትሩ ንምስትምቓር የብቅዓኩም” ብዝብል ናይ መጠረሽታ መልኽቲ ከምእተሰናበቱ ኣባ ስፓዳሮ ጠቒሶም፣ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ከምዝገለጽዎ እቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ትዊተር ክሳብ እቶም ዝምረጹ ሓድሽ ር.ሊ.ጳ. እቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ኣድራሻ ትዊተር ክጥቀምሉ ወይ ድማ ክዓጽውዎ ናቶም ፍቕድ እዩ ምስ በሉ ናይ ልሂቅ ሮማዊ ጳጳስ በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅን ከም ናይ ስነ ርክብ ቲዮሎጊያ ሊቅ ብምዃኖም እውን ወንጌል ኣብ ቤተ ክርስቲያን ጥራሕ ዘይኮንስ ኣብ ኩሉ መዳይ ክራኸብ ንኻልኦት ክበጽሕ ከምዘለዎ እዮም ዝኣምኑ፣ በዚ መሰረት ናይቲ ብስነ ኣሃዝን እደ ጥበብን ዝተራቐ መርበብ ሓበሬታን መራኸቢ ብዙሃንን ተጠቃሚ በምዃን ህላዌ ቤተ ክስቲያን ኣብ ኵሉ መዳይ ብዅሉ መዳይ ኣረጋጊጾምዎ እዮም።
ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ተኸታልነቶም ኣብ ፍቓድ እግዚኣብሔር ብዝተነብረ ፍቓዶም ንኽለቁ ዝወሰንዎ ውሳኔ ቤተ ክርስቲያናዊ ምስክንረት ምዃኑ እቲ ውሳኔኦም ንብፁዓን ካርዲናላትን ድሓር እውን ኣብ ዝተፈላለየ መዓልታት ዘስምዕዎ ዘረባን ዘቕረብዎ ኣስተምህሮን ሓፈሻዊ ትምህርቲ ክርስቶስ ኣስተምህሮ ነዚ ዘቓልሕ እዩ።
ካብ ቅዱስ ሓዋርያዊ ስልጣኖም ምልቓቖም ንብዙሓት ብፍላይ ድማ ንምእመናን ዓቢ ሕቶ ኮይኑን ዘደንጸወን ኣዩ። እዚ ድማ ሓደ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብገዛ ርእሱ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣኑ ክለቅቕ ድሕሪ 600 ሚእቲ ዓመታት ዝተራእየ ብምዃኑ ታሪኻዊ ኵነት እዩ። ንምርዳኡ ግዜ ዝሓትት እዩ። ከምቲ ንሶም ዝበለዎ ቤተ ክርስቲያን ብተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣቢሉ ዝመርሓ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.