2013-03-02 10:42:54

ዝኽረ ብዓለ ኪዳነ ምሕረት


“ወታሥተስርዪ ኃጢአተ ሕዝበኪ ተበውሐ ለኪ እምአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ከመ ትኩኒ ተንከተመ ለውሉደ ሰብእ ለሕይወት ዘለዓለም” (ዚቅ)።
ንባባት፡ ገላትያ 4፡1~12፥1ዮሓ1፡4~8፥ግ.ሓ.1፡13~15፥ሉቃስ 1፡39~57።
ምስባክ፡ ዘያነብራ ለመካን ውስተ ቤቱ፥ ወያስተፈስሓ ልእመ ውሉድ፥ ዘያነብራ ለመካን ውስተ በቱ። “ንመኻን አደ ቖልዑ ገሩ አብ ቤት ብሓጎስ የንብራ” መዝ. 113፡9።
    እስመ ትቤ ለዓለም አሓንጽ ምሕረተ በሰማይ ጸንዐ ጽድቀከ፥ ኪዳን ተካዮድኩ ምስለ ኅሩያንየ። “ንዓለም ምሕረት ክገብር እዩ፥ አብ ሰማይ ኪዳንካ ጽኑዕ እዩ፥ ምስቶም ሕሩያነይ ኪዳን አትየ እየ” መዝ. 89፡1~2።

ዓመታዊ ብዓል እኖና ኪዳነ ምሕረት ዘኪርና ክነብዕል አብዚ ቅዱስ ቤት አምላኽ ጉባኤ ሓዋርያት ገርና አሎና። ናይ ኩልና ደቂ አዳም ብዓል እዩ ምኽንያቱ ብመንጎኝነት ማርያም ምስ ኩልና ዕርቂ ሰማይ ስለ ዝተረኽበ። ማርያም አብ ቅድሚ አምላኽ ሞጎስ ረኺባ። መጽሓፍ ቅዳሴና አብ “ጎስዓ” ዝብል አኮቴተ ቍርባን ናይ ማርያም “እግዚአብሔር ሰሜን ደቡብ ምስራቕ ምዕራብ ጠመተ እንተ ኾነ ከማኺ አይረኸበን እናበለ” ሕርየት ማርያም ዝወዳደሮ ከምዘየሎ እናገለጸ እሞ እዚ ሕርየት እዚ ምእንቲ ነፍስወከፍ ፍጡር አምላኽ ምዃኑ ንርኢ።
ቀዳሞት ወለድና ሰይጣን ብዘቕረበሎም ዕድመን ባዕሎም ብዝገበርዎን ካብ ገጽ አምላኽ ተፈልዮም፥ ነቲ ብፍቕሪ ዝፈጠረ አምላኽ ጠርጢሮሞ እሞ ካብኡ ክፍለዩ ወሲኖም። ብዘይ አምላኽ ዝኾነ ዓለሞም ክነብሩ መሪጾም። እንተ ኾነ እዚ ምርጫ እዚ ሞት ስቓይ ልዕሊ ኹሉ ነቲ ዕለት ዕለት ዝርእይዎ ዝነበሩ ገጽ አምላኽ ካብ ምርአይ ከልኪልዎም። ገጽ አምላኽ ክርእዩ ብዘይምኽአሎም ካብ ኩሉ ጸጋታት ርሒቆም። እዚ ናይ ቀዳሞት ወለዲ ውሳኔ ቀዳማይ ውሳኔ ስለ ዝኾነ ንኾሎም ደቆም ብዘይ ማርያም ለኺፍና ምኽንያቱ ቀዳማይ ዓለት ሰብ ብኃጢአት ስለ ዝተበከለ ኩሉ ዝውለድ ነዚ ጉድለት ሒዙ ይፍጠር፥ ናይ አዳምን ሔዋን ኃጢአት ብናይ ሎሚ ቋንቋ “DNA” ናይ ተፈጥሮና ተንኪፉ። እዚ ብጸጋ ጥምቀት አብቲ ናይ ቀደሙ ንመልሶ።
ዕርቂ አምላኽን ሰብን፡
ሰብ ብዝገበሮ ኃጢአት ርእሱ ከድሕን አይክእልን ኮይኑ ምኽንያቱ ኩሉ ዝነበሮ ጸጋ አጥፊኡ። ተረኺቡ ተሳኢኑ ከድሕኖ እንተ ኾነ እቲ ብፍቕሪ ዝፈጠሮ አምላኽ ሕጂ እውን ንሱ ጥራሕ እዩ ፍጡረይ ተጎዲኡ ኢሉ ከድሕኖ ዝኽእል፥ ካልእ ዝኾነ ከድሕኖ አይክእልን እዩ። ከድሕኖ እንተ ኾነ ኸአ ካብቲ ብፍጥረት ዝረኸቦ ርክብ ንላዕሊ ብዝኾነ መገዲ እዩ ከድሕኖ ዘልኦ። እቲ ቀዳማይ ርክብ ቅድሚ ውድቀት ዝነበረ ርክብ ተፈጥሮ ክንብሎ ንኽእል። እዚ ማለት አምላኽ ካብ ፍቕሪ ተበጊሱ ንሰብ ፈጢርዎ ምስኡ ርክብ ፈጣርን ፍጡርን ምሂዙ። ቅዱስ መጽሓፍ ብአርአያኡን አምሳሉን ፈጢርዎ ይብለና።
ድሕሪ ውድቀት እምብአር አምላኽ ብፍሉይ ርክብ ምስ ሰብ ክራኸብ ደልዩ እዚ ኸአ ሓደ ካብ ቅድስት ስላሴ ከማና ሰብ ኮይኑ ዝለዓለ ርክብ ክፈጥረልና ተወሲኑ። ስላሴ እዚ ብአርአያናን ብአምሳልና ዝፈጠርናዮ ፍጡርና ስለ ዝተጎድአ ካብ ሞቱ ክትንስእ ንስኻ ወልድ ተለአኸና እናበሉ ስላሴ ንወልድ ካልአይ አካል ክልአኽ ወሲኖም። እዚ ውሳኔ ስላሴ ወድሰብ ክርድኦ ምእንቲ ከምኡ ስጋ ነፍሲ ከም ፍጡር ኮይኑ ክውለድ ተደልዩ። ንድላይ አምላኽ ተግባራዊ ክትገብር ማርያም ብመልአክ ገብርኤል ተሓቲታ፥ “ንፍጡርና ዝኾነ ሰብ ክነድሕኖ ንደሊ አሎና እሞ ንአኺ አደ ወልድ ክትኮኒ ደሊና አሎና ስምዕና” እናበሉ ተማሕጺኖማ።
ማርያም አምላኽ ካባይ ካብ ፍጡሩ ሓገዝ ካብ ደለየ እነኹ ባርያኡ እናበለት አደ መድኃኒ ክትከውን ሕራይ ኢላ ተቕቢላቶ። ቀሊል ውሳኔ አይነበረን አምላኽ እውን ከይሓተታ ብናቱ መገዲ ክገብሮ ይኽእል ነሩ እንተ ኾነ ንሱ ስለ ዝደልዮ እሞ ድላይ አምላኽ ልዕሊ ዝኾነ ድለታት ስለ ዝኾነ ነዚ ርድኢት ገራ ማርያም እሽትኣ ገሊጻ። እዚ ሎሚ እነብዕሎ ዘሎና ብዓል እምብአር አብዚ እዩ መሰረቱ።
ማርያም ሕራይ ብምባላ አደ ኩሉ ኮይና።
ማርያም አደ አምላኽ ክትከውን ሕራይ ምስ በለት አደ ኩሉ ዝድሓነ ክትከውን ክኢላ። አምላኽ ንሓደ ዓለት ወይ ህዝቢ አይኮነን ከድሕን ወሲኑ ንኹልና ደቂ አዳም ስለዚ እቲ ብማርያም ዝመጸ ድሕነት ንኹሉ ብማዕረ እዩ ዝበጽሖ። ኩልና ደቃ ኢና። ንሳ ንኹልና አፍደገ ሰማይ ከፊታትልና፥ ንሳ ንአምላኽ ብቐረባ ክንርእዮ አኽኢላትና፥ ንሳ አምላኽ ከምዝፍቅረና ክንርዳእ ምኽንያት ኮይናትና ምኽንያቱ እቲ ዝለዓለ መግለጺ ፍቕሪ አምላኽ ካብአ ስለ ዝተወልደ።
እሞ ደቂ ማርያም ዘሎና፥ ካብ ሓንቲ አደን አቦን ዝውለዱ ቆልዑት ብዙሕ ዘመሳስል አልኦም እሞ ንሕና ከምደቃ ብዙሕ ዘመሳስል አሎናዶ? ደቂ ሓንቲ አደ አብ ሓንቲ ቤት እዮም ዝርከቡ ገዝኦም ፍሉጥ እዩ አብቲ አብኦምን አዲኦም ዘለውዎ እዮም ዝርከቡ፥ ንሕና ገዛና ቤት አምላኽ ስድራና ማሕበር ክርስቶስ ስለ ዝኾና አብ ሓንቲ ቤት አምላኽ አብ ሓንቲ ስድራ ዘሎና ኢልና እዝን ካልእን አብ ሕልናና አልዒልና አብ ቤትና ዝኾነ ቤት አምላኽ ክንምለስ ንሕተት አሎና። ደቂ ማርያም መለለይኦም ጸሎት ፍቕሪ ምሕረት ለውሃት ንድምጺ አምላኽ ክትሰምዕ ጽን ምባል እዩ። ካብ ሕይወት አደና እንምሃሮ ብዙሕ አሎና ሎሚ ካብአ ብፍሉይ ክንምሃሮ ዘሎና እምነት እዩ።
ማርያም መምህር እምነት።
አብ ዓመተ እምነት ስለ ዘሎና እቲ አብ ማርያም ዝተራእየ እምነት ሎሚ እውን አባና ሕያው ኮይኑ ክርኤ ክንጽዕር አሎና። እምነት እንተ ዘይተረዳእካዮ ሓቂ የብሉን ማለት አይኮነን። እምነት ንአምላኽ ልዕሊ ኹሉ ገርካ አብኡ አሚንካ እትጉዓዞ እዩ። ሕይወት ማርያም ጉዕዞ እምነት እዩ ነሩ። ካብታ መልአኽ ምስ አበሰራ ጀሚራ አምላኽ ዝደልዮ ክትገብርን ክትሰምዕን ጽን ትብል ነራ። ንወዳ ብእምነት ካብ መጀመርያ ክሳብ መጨረሽታ ተኸቲላቶ እዚ ቀዳመይቲ ሓዋርያ የብላ። ንምስጢር ወዳን ድላዩን ትፈልጥ ስለ ዝነበረት እምነት ገሮም ክጉዓዙ ኢላ ንሰባት ወደይ ዝበለኩም ግበሩ ትብለና።
ብዓልና ትርጉምን መቐረትን ክህልዎ እንታይ ክንገብር ይግብአና? ሎሚ ወዳ ካባይ እንታይ ይደሊ ኢልና ሕልናና ክንሓትት መዓልቱ እዩ። ነፍሲ ወከፍና አብ ቅድሚ አምላኽ ሕይወትና ርኢና ክንክእል፥ ንዘሎና ድኽመት አለሊና አብ መንበረ ንስሓ አቲና ምሕረት አምላኽ ክንሓትት። ብዓል ማርያም አብ ዝሰመረ ልቢ ክውዕል እንከሎ ጥራሕ እዩ ጣዕሚ ዝህልዎ። ብርግጽ ኩልና ሓደ ልቢ ሓደ መንፈስ ብምልአት ክንለብስ ከቢድ እዩ እሞ ዝክአለና ገርና አብ ኢድ አምላኽ ክንሓድጎ። ደቂ ኪዳነ ምሕረት ዘብለና መንፈስ ሕይወት ለቢስና ክንርከብ እምብአር ሎሚ እውን ንለምና። ጉዕዞ እምነት ምሃርና ንበላ።
ኩሉ አብ ማርያም ዘሎ ካብ ወዳ ዝተዋህባ እዩ።
ኃጢአት ህዝብኺ ምሕረት ክተውህቢ ካብ አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ተፈቒዱልኪ እዩ፥ ንደቂ ሰብ ንሕወት ዘለዓለም መሳልል ድሕነት ክትኮኒ ተሓሪኺ ኢኺ እናበልና በዚ መዓልቲ ንጽሊ። ማርያም ባዕላ ዘምጽአቶ አይኮነን ካብ አምላኽ እዩ ተዋሂብዋ። መዝነታ ንሰባት አብ አምላኽ ምምላስ ንሰባት ዓራቒት ምዃን እዩ። ንሳ ነቲ ሓንሳብ ሕራይ ዝበለቶ ተልእኮ ንሰባት መንጎኛ ኮይና ክተገልግል ሎሚ እውን ድላያ እዩ ጸጊሙ ዘሎ ሰብ መንጎኛ አይደልን ባዕለይ አብ አምላኽ ብቀጥታ ዘይበጽሕ እንታይ አማላድነት አድለየኒ እናበለ እቲ ንአዳምን ሔዋን ዘውደቐ ባዕልና ብዘይ ሓገዝ አምላኽ ነጻ ኮና ምንባር ይሕሸና ዝበልዎ ሎሚ እውን እቲ ሕማም ንብዙሓት አይሓደገን አሎ። ንማርያም ንመላእክቲ ንቅዱሳን አብ ጎኒ ሓዲጉ ሰብ ሓንቲ መገዲ ጥራሕ እያ እታ ቅንዕቲ ንሳ ኸአ ባዕለይ አብ አምላኽ ክቐርብ ዝብል ርድኢት አብ ሕይወት ቤተ ክርስትያን ብዙሕ ጊዜ ተራእዩ ሕጂ እውን አሎ። እንተ ኾነ ሰብ ባዕሉ ዝገደደ ጉድለትን ሕንፍሽፍሽን መጋገዪ ክፈጥር እንተ ዘይኮነ ዘምጽኦ ለውጢ የብሉን። ዘምጽእ እንተ ኾነ ድሕነት ክርስቶስ አይመድለየን።
አብ አምላኽ ክንምለስ ሓግዝቲ የድልዩና። ቅድሚ ልደት ክርስቶስ ነብያት አበው ኩሎም ደቂ እስራኤል አብ አምላኽ ክምለሱ ነጊሮም። ስማዕ እስራኤል እናበሉ ንድለት አምላኽ ይነግሩ ነሮም። ህዝቢ ምስማዕ ክአቢ እንከሎ ሽዑ ምዓት ይበዝሖ ነሩ። ሓደ ነብይ ክትንስእ እንከሎ ድላይ አምላኽ ክነግሮም ይውከስዎ ነሮም እቲ ነብይ አምላኽ ከአ አምላኽ ከምዚ ይብል አሎ እናበለ ክምለሱ ይነግሮም። አብ ሓዲስ ኪዳን እውን ብተመሳሳሊ መገዲ እዩ ዝዛረብ ብኢየሱስ ክርስቶስ ብቤተ ክርስትያኑ ይዛረብ። በብእዋኑ ይዛረበና። እቲ ዝድለ እምብአር ነቲ አምላኽ ዝብሎ ሰሚዕና አብቲ ንሱ ዝደልዮ ክንርከብ። መገዲ ዝጠፍኦ ሰብ ሓባሪ ይደሊ እንተ ዘይኮነ ክጠፍእ እዩ። አብ ሕይወትና ዝተፈላለዩ ሓበርቲ ክጓነፉና ይኽእሉ እዮም። ማርያም እታ ዝለዓለትን ዝበለጸን ሓባሪት እያ፥ ምኽንያቱ ምስ አምላኽ ዘተ ገራ ሕይወታ ናቱ ኮይኑ እዩ። ካብ ማርያም ንላዕሊ ምስጢር አምላኽ ዝርድኦ አሎ እንተበልና ንጋገ። ንሳ ንአምላኽ ሰሚዓ ዝኸአለት እሞ ሰባት ንአምላኽ ክሰምዑ መገዲ እትሕብር እያ።
ካብ ማርያም ንላዕሊ ምስጢር ድሕነት ዝተረድኤ የለን።
አብ ጸሎትና “ተፈጸመ ተስፋ አበው በማርያም ድንግል፥ ወበቀራንዮ ተተክለ መድኃኒት መስቀል” እናበልና ተሳትፎ ማርያም አብ ድሕነትና ንገልጽ። ማርያም ንወዳ ብምውላድ ጥራሕ አይኮነትን አብ ጉዳይ ድሕነትና ተሳቲፋ አብቲ ምእንታና አብ ጎቦ ቀራንዮ ዝቐረበ መስዋዕቲ እውን ተሳቲፋ እያ። ወዳ መስዋዕቲ ኮይኑ ክቕርብ እንከሎ ንሳ ብመንፈስ ነቲ መስዋዕቲ ደው ኢላ አዕሪጋቶ። ንመስዋዕቲ ወዳ ተዓዛቢት ጥራሕ ዘይኮነ ብምልኡ ናታ ገራ ተመስገን እናበለት አዕሪጋቶ። አብቲ እዋን መስዋዕቲ እዩ እዚአ አደኹም እዚኦም ደቅኺ እናበለ መሰል ደቃ ምዃና ዝገለጸልና። ነዚ አስተንቲና እንተ ከአልና ብሓቂ ደቂ ማርያም ደቂ ሕድሪ መስቀል ኢና።
አምላኽ ዝኽትምና መንፈስ ከጥቅዓና አይደለን። አብ ሕይወት ደቂ ሰብ እቲ ዝዓበየ ዝኽትምና እሞ ከቢድ ናይ አደ እዩ ነዚ ከረድእ ኢሉ አነ እሓልፍ አሎኹ እሞ ካብ ሕጂ ንድሓር እዚአ እያ አደኹም ኢሉና። ኩሉ አቦ ዝገብሮ ንሳ ክትገብረልኩም እያ አባይ ክትመጽኡ ንሳ መንጎኛኹም እያ እናበለ ምስ ማርያም ክህልወና ዘልኦ ርክብ ገሊጹልና። ኢየሱስ አብ መጨረሽታ ሕይወቱ ንሓደ ካብ ሓዋርያቱ አይኮነን ተላብዩልና ነዲኡ እዩ እዚአ አደኹም ኢሉ መንፈሳዊት አደ ሂቡና።
ክቡራት መፍቀርቲ ኪዳነ ምሕረት፥ ሎሚ አምላኽ ሓዲኡ መሪጽና ክንርከብ ይደሊ አሎ። ንቀለዓለም ናትካ ኢና ኢልና ካልእ ውራይና ክንገብር ዘይኮነ ብልብና አሚና ሓዲስ ርክብ ለቢስና እሙናት ደቂ ማርያምን ተከተልቲ ወዳ ኮና ክንርከብ እዩ። ማርያም ሎሚ ከም ቀደም አብ ወደይ ተመለሱ ንሱ እዩ መድኃኒኹም እናበለት ክንሰምዓ ትልምናና አሎና። በብእዋኑ አብ ታሪኽ ግልጸት ማርያም ከምዝተራእየ አብ ኩሉ እትብሎ ወደይ ብሕይወት ብዙሓን ሓጥአን ጉህዩ አሎ ተነስሑ ተመለሱ ሕይወትኩም ቀይሩ እናበለት ትዛረብ። ምእንቲ ሰላም ምእንቲ እምነት ክህሉ ሰብ ምስ አምላኽ ክህልዎ ዘለዎ ርክብ ክርኢ እሞ አብ መገዲ አምላኽ ክምለስ ጸልዩ ትብለና አላ።
ጸሎት ቀንዲ መለለዪ ደቂ ማርያም እዩ። ንሳ ኩሉ ጊዜ ትጽልን ምስ አምላኽ ትዛረብ ከምዝነበረት ሕይወታ ይነግረና። ብዓቢኡ ምስ ወዳ ስለ ዝነበረት ንአአ ካልእ ርክብ አየድልያን እዩ ነሩ። ሕይወት ማርያም ሕይወት ጸሎት እዩ። ንቀዳመይቲ ማሕበር ወዳ አኪባ ጸሎት ምሂራታ አብ ኩሉ ንሳ እትብሎ ጸልዩ መዓት አምላኽ ክቐለኩም ትብለና። ከምቲ ሓዋርያት ንኢየሱስ ሓደ እዋን ጸሎት ምሃረና ዝበልዎ ንሕና እውን ንማርያም ጸሎት ምሃርና ንበላ።
በዚ ክቡር ዕለት እምብአር ምስ አምላኽን ማርያምን ዘሎና ርክብ ርኢና ሕይወትና አብ መገዲ አምላኽ ንምለስ። ነታ ዓራቒት ሰማይን ምድርን ዝኾነት ማርያም ሎሚ እውን ምስ ወድኺ ዕረቕና እናበልና በዚ ብሩክ መስዋዕቲ ቅዳሴ ንለምና።
ፍቕርን ሰላምን ዝወረዶ ብዓል ገሩ ጸሎታን አማልድነታን አይፈለየና። ብሩኽ ብዓል እኖና ኪዳነ ምሕረት ይግበረልና።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ









All the contents on this site are copyrighted ©.