2013-02-28 14:00:31

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ሓዋርያዊ ተኸታልነት ስልጣኖም ዕድመ ብምድፋእን ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ተኸታልነት ዝሓቶ ኃይሊ ስለ ዝጎድሎም ብፍቓዶም ዕለት 28 ለካቲት 2013 ዓ.ም. ልክዕ ሰዓት ሸሞንተ ክለቁ ምዃኖም ከምዝወሰኑ እንክዝከር፣ ዕለት 27 ለካቲት 2013 ኣብ ዘቕረብዎ ናይ መወዳእታ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርቲ ክርስቶስ ኣብ ዘቕረብሉ እዋን ብሩህ ገጽን ርግኣትን ብሓቂ ዓቢይን ጥልቅን ስምዒት ዝተራእየሉ ሃዋሁ ከምዝነበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ትማሊ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ተረኺቦም ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም።
ድሕሪ ፍጻሜ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኢዶም ናይ ምስላም ስነ ስርዓት ከምእተፈጸመን ምስ ናይ ስሎቫኪያ ርእሰ ብሔር ኢቫን ካስፓሮቪችን ምስ ናይ ባቪየራ ርእሰ ክፍለ ሃገርን፣ ምስ ናይ ሳን ምሪኖ መኮንናት ተዶሮ ሎንፈሪኒን ደኒስ ብሮዘቲን ከምእተራኸቡ ኣባ ሎምባርዲ ገሊጾም፦ “ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ውሳኔኦም ሕልናዊ ምርግጋእን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔርን ከም ፍቓድ እግዚኣብሔርን ዝወሰድዎ ውሳኔ ምዃኑ እቲ ጎይታ ዝሓቶም ዘበለ ኵሉ ካብ ምፍጻም ድሕር ከምዘይብሉ መስኪረሙልና እዮም” ምስ በሉ “ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘቕረብዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ናይ እግዚኣብሔር ዕዮ ወይ ድማ ተግባርን ድላይን ንምፍጻምን እብቲ ዕዮ ብቐጻልነት ክዓዩ ንሱ ድማ እቲ ዝወሰድዎ ውሳኔን እቲ ፍቓድ ኣምላኽ ዝኾነ ውሳኔ ዝሓቶ ዘበለ ሕይወት ንምንባር ድልው ምዃኖምን እቲ ናቶም ዕዮ ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ዕዮ እዩ” እንክብሉ ገሊጾም።
“ሎሚ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናብቲ ኣብ ካስስተል ጋንዶፍሎ ናብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ሕንጻ ቅድሚ ምንቃሎም ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ኣፈ ጉባኤ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ሶዳኖ ናይ ሰላምታ ቃል ቀሪብሎምን ቅዱስነቶም ኣብ ካስተል ጋንዶፍሎ ምስ በጽሑ ንናይታ ከተማ ሕዝቢ ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም ናይ ሰላምታ ቃል ከስምዑ ከምዝኾኑን ሰዓት ሸሞንተ ቅዱስ ጴጥርሳዊ ስልጣን ክፉት ከምዝኸውንን እቶም ጳጳሳዊ ሓለውቲ ጸጥታ ስዊዘርላንድ ማዕጾ ካስተል ካንዶልፎ ሓዋርያዊ ሕንጻ ምስ ዓጸዉ ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝህብዎ ኣገልልጎት ሓለዋ ጸጥታን ድሕነትን ተቛሪጹ በቶም ናይ ሃገረ ቫቲካን ሓይሊ ጸጥታ ኣገልግሎት ሓለዋ ጸጥታን ድሕነትን ክቕጽል እዩ” ምስ በሉ ኣስዒቦም “ዕለት 1 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ኣፈ ጉባኤ ንመላእ ብፁዓን ካርዲናላት ንቕዱስ ጉባኤ ክጽውዑ እዮም፣ ኣብዚ ቅዱስ ጉባኤ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንምምራጽ ናይቲ ዝካየድ ቅዱስ ዕጹው ጉባኤ ዕለት ክውሰን እዩ” እንክብሉ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.