2013-02-28 13:57:00

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ትሑትን ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ተኸታልነቶም ዓሚዩቅን ፍርያማን


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ሓዋርያዊ ተኸታልነት ስልጣኖም ዕድመ ብምድፋእን እቲ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ተኸታልነት ዝሓቶ ኃይሊ ስለ ዝጎድሎም ብፍቓዶም ዕለት 28 ለካቲት 2013 ዓ.ም. ልክዕ ሰዓት ሸሞንተ ምሸት ክለቁ ምዃኖም ድሕሪ ዝሃብዎ ውሳኔ እነሆ ዕለት 27 ለካቲት 2013 ዓ.ም. ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘቕረብዎ ናይ መወዳእታ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዝተሳተፉ ስባኬ ቤት ጳጳስ ኣባል ማሕበር ካፑችን ኣሓው ኣባ ራኒየሮ ካንታላሜሳ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፦ “እቲ ኣብቲ እዋን ዝነበርዎ ስምዒት ልክዕ ከምቶም ኩሎም ኣብቲ ጉባኤ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዝተሳትፉ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ካቶሊካውያን ምእመናን ከምዝነበረ ገሊጾም፣ ክሳብ ክንደይ ከምእተሳቐዩን ውሽጦም ንሶምን እግዚኣብሔር ጥራሕ እዩ ዝፈልጦ ስለዚህ ኣብዚ ዝጅምርዎ ሓድሽ ሕይወት ብፍቕሪ ቀረባ ብምኻን ከነሰንዮም ዝብል ሃዋሁ ዝተራእየሉ ኩነት እዩ ኔሩ” ኢሎም።
“ቅዱስነቶም ዝገለጽዎ ካብ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣን ብፍቓዶም ናይ ምልቃቕ ውሳኔ ምስ ሰማዕኩ እቲ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዝጸሓፍዎን ብቃለ መሕትት ኣግባብ ኣብ ዝተደርሰ መጽሓፎምን ናይ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ተልእኾ ዝዕቀን በቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣን ዝሓቶ ኃይሊ እዩ። ስለዚህ እቲ ጴጥሮሳዊ ተልእኾ ዝሓቶ ሓይሊ እንተድኣ ዝጎድለካ ኮይኑ ብፍቓድካን ፍቓድ እግዚኣብሔርን ካብቲ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ሓዋርያዊ ስልጣን ምልቃቕ ዝከኣል እዩ እክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ብምዝካር፣ እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ውሳኔ ብህድኣት እየ ኣስተንቲነዮ” ቢሎም “ብሓቂ እቲ ዓቢይ ስልጣን ዘገልግል እምበር ዝግልገል ከምዘይኮን ብቓልን ሕይወት ኣብነት እዮም። ናይ ስልጣን ህርፋን ዝቃወም ተግባራ እዩ። ስለዚህ በቲ ውሳኔኦም መሰረት በቲ ዝሃብዎ ናይ ትሕትና ኣብነት ናይ ትሑታትን ናይ መናንያንን ሕይወት ብምምራጽ ከምቲ ንሶም ዝበልዎ ኣብ ኣስተንትኖን ጸሎትን ክጽመዱ እዩም። እዚ ብሓቂ ንመላእ ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ትምህርቲ እዩ። እዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ዘስተንትን ሕይወት ኣዚዩ ዘድልዮ እዩ። ብገዛእ ርእሶም መላእ ሕይወቶም ንኽርስቶስ ከገልግሎ ዝተጸውዑ ክነሶም ዘስተንትን ሕይወት ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ እንተድኣ ኢሎም፣ ካልኦት (ንሕና) ናብ ጐቦ ታቦር ምድያብ ክሳብ ክንደይ ዘልድየና ምዃኑ ክንስምዓ ዝድርኽ እዩ” ምስ በሉ “ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ትሕትናን ቅድም ከም ብፁዕ ካርዲናል ራትዚንገር ድሓር ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ብዕምቆት ዝነበርዎ ሕይወት እዩ፣ ትሕትና ቅዱስ ኣቦና” ይብሉ ኣባ ካንታላሜሳ “ኣብ 34 ዓመት ኣገልግሎት ሰባኬ ጳጳሳዊ ቤት ተመክሮኦም ብቐረባ ዝረኣኽዎ ኣብነት እዩ” ኢሎም።
“ካብ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣኖም ክለቁ ምዃኖም ምስ ገለጹ ዝተረእየ ምስንባድን ማእዝን ምጥፋእን ንቤተ ክርስትያን ዘጽንዕ ኩነት እዩ። ስለምታይ ቅዱስነቶም ከም ዝበልዎ ናይ ቤተ ክርስቲያን ርእሲ ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ፣ ብምዃኑ ድማ መንበረ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናጻ ኮይኑ ዘትርፎ ኣብነት የሎን፣ ስለምታይ ክርስቶስ ህያው እዩ ንቤተ ክርስቲያን ብዝተፈላለዩ ምንቅስቓሳት ቤተ ክርስቲያን ብቤተ ክርስቲያን ኣካላትን ኣቢሉ ዝመራሓ ንሱ እዩ” ምስ በሉ፣ “ናይ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ሸሞንተ ዓመት ኣገልግሎቶም ዓሚዩቕን ኣብ መሠረታዊ ቲዮሎጊያን፣ ቲዮሎጊያዊ ስነ ሓሳብን ተግባርን፣ ዘተኮረ ብምንባሩ ሒደት ዓመታት እውን እንተመሰለ ፍርያማነቱ ዓሚይቕን ሰፊሕን እዩ” ኢሎም፦ “ናይ ዓለም መራኸቢ ብዙሃን ብዛዕና እዚ ውሳኔ ቅዱስ ኣቦናን ድሐር ዝመጽእን ኣብ ዝብል ደጋዊ ነገር ከተኵሩ ኢና እንርእዮም ዘሎና፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ግን ዓሚዩቕን ሓቀይናን እዩም። ነዚ ምርኣይ የድሊ” እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.