2013-02-26 14:39:27

ግብጺ


RealAudioMP3 ኣብ ሃገረ ግብጺ ህዝባዊ ምርጫ ዕለት 27 ሚያዝያ 2013 ዓ.ም. ክካይድ ዝብል ናይታ ሃገር ርእሰ ብሔር ሞርሲ ዝወሰድዎ ውሳኔ እቲ ዕለት ምስ በዓለ ፋሲካ ዘእግዚእነ ዝራኸብ ብምዃኑ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ማሕበረ ክርስቲያን ተቓውሞኡ ከምዘስምዐ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
ኣብ እስክንድሪያ ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምኽትል ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኣንባ ፋሒም ሓና ኣቲ ናይ ርእሰ ብሔር ሞርሲ ውሳኔ እቲ ህዝባዊ ምርጫ ምስቲ ሻም ኣል ናሲም እተሰምየ ፈሮኦናዊ ኣናስር ዘለዎ ምስ ሰኑይ ዘመልኣክ ምስ ዝራኸብ ብሔራዊ በዓል ከይጋራጮው ብዝብል ምኽንያት ምዃኑን እቲ ካልኣይ ከይዲ ሕዝባዊ ምርጫ ድማ ዕለት 5 ግንቦት 2013 ዓ.ም. ክካይድ እዩ፣ እዚ ድማ ምስ ናይ ግብጺ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን በዓለ ፋሲካ ዝገራጨው እዩ። ናይ ግብጺ ናይ ፖለቲካ ኣካላት ሕዝባዊ ምርጫ ኣብ በዓላት ናይ ሃይማኖት ክርስትና ክካይድ ዝወሰድዎ ውሳኔ ነቶን ናይታ ሃገር ክፍሊ ዜጋታት ዝኾኑ ማሕበረ ክርስትያን ዘይግደሱን ከምካላኣይ ዜጋ ዝርእይዎም ምዃኖም እዩ ዘረጋግጽ። እቲ መንግስቲ ግብጺ ዝወሰዶ ውሳኔ ብምቅዋም ድሮ ማሕበረ ክርስትያን ብዝተፈላለየ መገዲ ድምጾም የስምዑ ከምዘለዉ እውን ከምዝገለጹ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.