2013-02-21 14:42:11

ሱባኤ
ብፁዕ ካርዲናል ራቫዚ፦ እውነተይና ነጻነት ዕቡይነት ዘይኮነስ ብተኣማንነት ገዛእ ርእስኻ ንእግዚኣብሔር ምሕዳግ ኣዩ


RealAudioMP3 እቲ ክሳብ ዕለት 23 ለካቲት 2013 ዓ.ም. ዝቕጽል ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16ን ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ዓበይቲ እካላት ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ብፁዓን ካርዲናላት ብምኽንያት ዓቢይ ጾም ብሓባር ዘሳትፍ ሱባኤ ኣብ ሓዋርያዊ መንበር ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት እመ መድሃኔ ዓለም ይቕጽል ከምዘሎ እንክምልከት ብቕዱስ ኣቦና ዝተመዙ ናይቲ ሱባኤ ሰባኬ ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጃንፍራንኮ ራቫዚ ትማሊ ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ፦ “እምነት ቀልባዊ ምስዓብን ናጻን ብውዕዉዕ ስምዒትን፣ ምርኻብ ሰብ ምስ ናይ ገዛእ ራእሱ ውሱንነትን” ኣብ ዝብሉ ክልተ ዓበይቲ ሓሳባት ዘማእከለ ከምዝነበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ብፁዕ ካርዲናል ራቫዚ መዝሙረ ዳዊት ምዕ. 30 መሰረት ገይሮም እዚ ሓጺር ምዕራፍ’ዚ ልክዕ ከም ናይ ሕጻን መንፈሳውነት ናይቲ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሔር ምሉእ ተኣማንነት ናይ ዘንብር ኣማኒ መንፈስ ዝገልጽ ከምዝኾነ ኣረዲኦም፦ ትዕቢትን ኣነነትን ፍጹም ርእሰ ብቕዓትን ኣብ ስፍራ ኣግዚኣብሔር ገዛእ ርእስኻ ምንባር ንእግዚኣብሔር ብገዛእ ርእስኻ ንምትካእ ምድላይ እቲ መበቆላዊ (ናይ ኣዳም) ሓጢኣት ‘ከም እግዚኣብሔር ክትኾኑ ኢኻትኩም፣ ሰናይን ክፉእን ክትፈልጡ ኢኻትኩም፣ ማለት ናይ ግብረ ገብ ሚዛንን ደያኑን ኢኹም ዝብል እሞ ሰብ ብነጻነቱ ክፍጽሞ ዝፍትኖ ጉዳይ እዩ” ከምዝበሉን፦ “ነጻነት ንኽርስቲያን ካብቶም ቀንዲ ኣዚዮም ኣገድስቲ ቃላት ሓንቲ እያ። እምነት ምስዓብን ምርጫን እዩ። ልክዕ ከምቲ ሓደ ሕጻን ጡብ ኣደ ዘቋርጽ ኣደ ንሕጻን ወዳ ጡብ ከቋርጽ እትወስዶ ውሳኔ ናይ ፍቕርን ነጻነት ተግባር እዩ። ምልክት ጽልኢ ኣይኮነን። ኣምነት ምስዓብ ማለት እዩ፣ እቲ ምስዓብ ግን ምስትውዓልን ነጻነትን ምሉእን ውዕዉዕ ስሚዒት ዝዓሰሎ እዩ። መዝሙረ ዳዊት ምዕ. 30 ኣብ መወዳእታ ፍቕዲ ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን ‘ጡብ ኣደ ዘቋርጽ ልክዕ ከም ሓደ ሕጻን’ ኣንክብል ዝዛረብ። እስራኤል ኣብ ጎይታ ተስፋ ከተንብር ዝዕድም እዩ። ካብዚ ዓቢይ መንፈሳውነት’ዚ ብፍላይ ኣንሕና ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ንዓቢ ሓላፍነት ዝተጸዋዕና ክንመሃር ይግብኣና። …ብርግጽ ፈተናታት ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ከም ዝጥሙቱ ዓበይቲ-ዕቡያት ኰይና ክስምዓና ዝድርኸና ሰላሕታን ረቂቕ ፈተና ከጋጥመና ዘከኣል እዩ።”
እምነት መንፈስ ቁልዕነት ዝሓትት ከምዝኾነን እንከረድኡ ቅድስቲ ተረዛ ዘሊሰ ጠቒሶም፣ “ኵሉ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ትምህርቲ ከም ሕጻናት ኵኑ ዝብል እዩ። ካብ ሕጻን ንጽሕናን ተኣማንነት ንመሃር፦ ሕጻን ብተኣማንነት ኣእዳዉ ኣብ ልዕሊ ኣእዳው እዅል ሰብ የንብር። እቲ ዘስኻሕክሕ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝተፈጸመ ዓመጽ ዘሰንብድ እዩ። እቲ ሕጻን ብተኣማንነት ኣእዳዉ ኣብ ኢድ ዝበጽሐ ሰብ ከንብርን ገዛእ ርእሱ ክሓድግ ስለምታይ እዩ? ሓደ ሕጻን ብዛዕባ ጭቡጥ ነገራት ምልክታዊ ግንዛቤ እምበር ትንተናዊ ግንዛቤ ኣይኮነን ዘለዎ። ስለዚህ እዩ ድማ ገለ ገለ ሓቅታት ገብሪ ዝህልዎ፣ ንሕጻናት ምስማዕን ጽን ምባልን ኣገዳሲ እዩ…ነቲ ሕጻንነት መንፈስ ምልስ ቢልካ ምስማዑ ምስዓቡን የድሊ፣ እዚ ድማ ናብቲ ሓቀይና ትርጉም እምነት ይመርሓና” ኢሎም።
ኣብ ክፍሊ ካልኣይ ኣስተንትኖ ድማ ብፁዕ ካርዲናል ራቫዚ ሰብ ተነቃፊ ፍጥረት ምዃኑን ናይ ገዛእ ርእሱ ውሱንነት ተመክሮ ይገብር፣ መዝሙረ ዳዊት 39፦ “ናይ መዓልትታት ውሱንነት፣ መሰረት ናብ እግዚኣብሔር ዝቐርብ ኣውያት፣ ከመይ ክንክደን ክንምገብን ክንሓርን ከምዝግብኣና ኣብዚ እዋን’ዚ መራኸቢ ብዙሃን እንክሕብሩና ዘሕዝን እዩ። እዚ ንመንእሰይ ዓቢ ጸገም እዩ። ነቲ መሰረታዊ ሰብኣውነት ሕቶ መልሲ ንኸናድይ ኣብ ዝገብሮ ጉዕዞ ምስ ዝተፈላለዩ ኢመልስታት ይራኸብ፣ ባህሊ ዝቕባበ መልስታት እቲ ዓቢይ ናይ ሕብረተሰብ ጸገም እዩ።” ናይ ውስንነት ግንዛቤ ኣገዳሲ እዩ። ስለዚህ ናብ ትሑትን ዘይተሓላለኸን ጸሎት ምምላስ ከምዘድልን ነቲ ብዛዕባ ስቓይን መከራን ዝምልከት ዝቐርብ መሰረታዊ ሕቶ ናይ መደዓዓሲ መልሲ ኣይኮነን ዘድልዮ፣ ስለምንታይ እቲ ዝሳቐ ሰብኣዊ ውስንነት እዩ ብሕይወቱ ዝትንክፍ ዘሎ፦ “እቶም ናይ ውስንነት ተመክሮ ዝገብሩ፣ ካብኣቶም እውን ገሊኣቶም ዘይኣምኑ ዝርከብዎም፣ ናይ ስቓይ ኣውያት የዕርጉ፣…ስቓይ ናይ ዓሚዩቕ ቅልውላው ረቛሒ እዩ። ምስ ዓለምን ምስ እግዚኣብሔርን ቅልውላው ክህልወና ይገበር” ምስ በሉ ኮይኑ ግን፦ “ናይ ክርስትና ተስፋ ጸላም ናይ መደምደምታ ቃል ከምዘይኮነ ዝረጋግጸልና ናብ ናይ ብርሃን ኣድማስ ክፉታት ይገብረና” እንክብሉ ናይ ትማሊ ናይ ኣስተንትኖ ሱባኤ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.