2013-02-19 15:24:04

ብፁዕ ካርዲናል ኮማስትሪ፦ ቅዱስ ኣቦና ናይ ስልጣን ትርጉም ኣብነት


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዕለት 28 ለካቲት 2013 ዓ.ም. ካብ መንበረ ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣኖም ብዕድመ ምድፋእን ሓይሎም እውን እናደኸመ ስለ ዝመጸ ብፍቓዶ ክለቁ ምዃኖም ንጉባኤ ካርዲናላት ብቋንቋ ላቲን ዘቕረብዎ መገለጺ ንሰበ ስልጣናት ዓለምን ንመላእ ሕዝበ እግዚኣብሔርን ብፁዕን ካርዲናላትን ውሉደ ክህነት ምእመናን ኩሉ ከምዘሰንበደን ክፍለጥ እንከሎ፣ እዚ ንምእመናን ዘሰንበደን ዘንብዕ ዘሎ ውሳኔ ቅዱስ ኣቦና ኣመልኪቶም ናይ ሃገረ ቫቲካን ኅየንተን ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ባዚሊካ ሊቀ ካህናትን ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ኮማስትሪ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፦ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. እውነተይና ናይ ስልጣን ትርጉም ኣብነት እዮም” እንክብሉ ገሊጾም፦ ንገዛእ ርእሶም እቲ መግለጺ ቅዱስ ኣቦና ምስ ሰምዑ ልቦም ብሓዘን ከምእተመልአን፣ “ኩላትና ልቢ ኣሎና እሞ ልብና ብሓዘን ክምላእ ባህርያዊ እዩ። እቲ ኣብ መብልዒ ማል ዝተወለደ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብኣብነቱ ናይ ዝገለጾ ልዕልና ኣብ ግብሪ ዘውዓለ ውሳኔ ምዃኑ ኣረዲኦም። ናይ እግዚኣብሔር ትሕትና ዝተንጸባረቐሉ ከምዝኾነን እቲ ሓቀይና ልዕልና ትሕትና እግዚኣብሔር እዩ። ስለዚህ ናይዚ ትሕትና ሱታፌ ክህልወና ከምዝግባእ ብቓልን ተግባርን ዘተሓሳስብ ውሳኔ እዩ። ‘ኣይትሓዙለይ ሓይለይ ይደክም ኣሎ እሞ ጎይታ ንመርከቡ ዝመርሕ ካልኣ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ክዕድል ንጸልይ’ ዝብል ቃል ቅዱስ ኣቦና ዘኪርም፣ እቲ ውሳኔ ቅዱስ ኣቦና ብሓቂ ዘይልሙድን ድሕሪ ናይ ር.ሊ.ጳ. ቸለስቲኖ ሓምሻይ ውሳኔ ዘይተሰምዓን ዘይተራእየን ዓቢይ ኣብነት እዩ። ኣብ ጸሎትን ጽሞናን ክነበር ይሕሸኒ ንዓኻትኩም እውን ይሕሸኩም” ዝብል ቃልን ከምኡ እውን ፈረንሳዊ ዣክ በኒኜ ቦሱዌት ጠቒሶም፦ “እግዚኣብሔር ገዛእ ርእሱ ይኽውል፣ ስለምታይ ከ ትግረሙ” ኣብዚ ትዕቢትን ኣነነንትን ዝተመልኤ ዓለም ብሓቂ እግዚኣብሔር ቤተይና ኮይኑ ክርከብ ዘይምችኦ እዩ። ኣብዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነት ኣብ ዝርከብ ዓለም ናይ ትሕትና ኣብነት ኮይንካ ክትርከብን ኣብነት ክትረክብን ብሓቂ ዘደንቕ እዩ። እቶም ኣብነት ድማ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16” ኢዮም ይብሉ።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ብሕዳሴ ኮይኑ ግን ብቀጻልነት መንፈስ ንኸነንብቦ ዘስተምሃሩን ትርጉም ኣናብባ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝሓበሩን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምግምማዕ ዘይኮነስ ኣብ ቀጻልነት ዝቖመ ከይድን ምዕባለን ከምዘሎ ዘነጸሩን፣ እቲ ክልተ ሺሓዊ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን፣ ናይ ክልተ ሺሓዊ ሕዳሴ ኣብ ቀጻሊ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ከምዝኾነ ብጥልቂ ስልጣናዊ ኣስተምህሮ ዝሃቡ ከምዝኾኑ ድማ ገሊጾም።
ዓቢይ ትሕትናን ሰናይ ፍቓድን ዝነበሩ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ብዙሕ ጊዜ ምስኦም ኣብ ኣብ ዝተራኸብኩሉ እዋን መንፈስ ኣቦነቶም ዘስተማቐሩን፣ ንኻልኦት እቲ ኣብ ልቦም ዘሎ ናይ ወንጌል ሃልሃልታ ፍቕሪ ከመሓላልፉ ብቓልን ግብርን ዝብልዎ ብቐረባ ዝተንከፉ ምዃኖም ሓቢሮም እዚ ኣብነት’ዚ ብፁዓን ካርዲናላትን ጳጳሳትን ውሉደ ክህነትን ምእመናን ክነብርዎ ቅዱስ ኣቦና ዘመሓላለፍዎ ዓቢይ ኣብነት እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.